ድለ

2024.02.05 Consiglio dei Cardinali C/9 2024.02.05 Consiglio dei Cardinali C/9  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ ክርስትያን ንድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝግባእ ኣይሰምዐትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መቕድም ናይታ '“'Smaschilizzare la Chiesa'? Confronto critico sui 'Principi' di H.U. Von Balthasar” (ተባዕታዊ መንነት ቤተ-ክርስትያን ምቕናስ? ንጽጽራዊ ገምጋም ‘መትከላት’ ሃንስ ኡር ፎን ባልታሳር) ዘርእስታ ብሊንዳ ፖቸርን ሉቺያ ቫንቲኒን ከምኡውን ሉካ ካስቲግሊዮኒን ዚበሃሉ ሊቃውንቲ ሥነመለኮት እተጻሕፈት መጽሓፍ ጽሒፎም። እዛ መጽሓፍ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋንት እተገብረ ጉባኤ 9ቱ ካርዲናላት ናይ ቀረባ መማኽርቲ ቅዱስነቶም፣ ዘቕረብዎ መግለጺታት ብዛዕባ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝሓዘት መጽሓፍ ኢያ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕርና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘሕተምዎ መቕድም ነቕርበልኩም።

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ተግባርን ኣብ ህይወትን ዕቤትን ኣቅላስያዊ ማሕበረሰብ ኣበርክቶ ዝገበረን፣ ንቤተ - ክርስትያን ወትሩ ዘሃብትምን ብሓቂ ድማ ኣብ መንነታ ዘቝማን ኢዩ ። እንተዀነ ግን ብፍላይ ኣብ ምድላውን መስርሕን ሲኖዶስ፣ ንድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከምቲ ዝድለ ከም ዘይሰማዕናዮን፣ ቤተ-ክርስትያን ገና ኻብኣታተን ብዙሕ ክትመሃር ከም ዘለዋን ተገንዚብና አሎና ።

ቤተ-ክርስትያን ሓንቲ እምነትን ሓንቲ ጥምቀታዊ ክብርን ብዝካፈሉ ብናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ሕብረት ዝቆመት ማሕበር ስለ ዝዀነት፣ ንቤተ-ክርስትያን ካብቲ ተባዕታዊ መንነትንምንካያ ፣  [Italian: “‘smaschilizzare’ la chiesa”, literally “‘de-masculinize’ the Church”]ንሓድሕድኩም ጽን ክበሃሃሉ ኣድላዪ ኢዩ ። ደቂ ተባዕትዮ ንደቂ ኣንስትዮ ብሓቂ ጽን እንክብሉ ከለዉ ንኽውንነት ብኻልእ ገጹ ንዘስተውዕላ ኢዮም ዝሰምዑ ፣ ስለዚ ንመደባትናን ንቀዳምነታትናን ዳግመ ግምት ክንገብረሉ ንኽእል ኢና ማለት ኢዩ ። ሓድሓደ እዋን ድንግር ግልር ይብለና ይኸውን ። ሓድሓደ ግዜ እቲ እንሰምዖ ነገራት ካብ ኣተሓሳስባናን ኣረኣእያናን ኣዝዩ እተፈልየን ካብ ምዃኑ እተላዕለ ትርጕም ዘይብሉ ዀይኑ ስለ ዚስምዓና ንፈርህ ኢና ። እዚ ምድንጋር እዚ ግና ጥዑይ እዩ፣ ከም እንዓቢ እዩ ዚገብረና።

ካብ ሓድሕድካ ብሓቂ ንኽትመሃሃርን ብፍልልያት ሃብታም ግን ከኣ ብሓንሳእ ንኽትመላለስን፣ ትዕግስትን ሓባራዊ ኣኽብሮትን ጽን ምብህሃልን ግሉጽነትን ይሓትት ።

ስለዚ ኸኣ ኢየ ንሓንቲ ሊቅ ሥነ መለኮት ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ንቤት ምኽሪ ካርዲናላት ብዛዕባ ህላወን ግደን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣስተንትኖ ከተቕርበልና ዝሓተትክዋ ። እቲ መበገሲ ነጥቢ ናይዚ መገዲ እዚ ሃንስ ኡርስ ቮን ባልታሳር ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ማሪያማውን ጴጥሮሳውን ባህርያት ዝገብሮ ተበግሶ ኢዪ፣ እዚ ድማ ነዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ናይዞም ህልው ተኸታሊ ቅዱስ ጴትሮስ ብዛዕባ እዚ እተፈላለየ ህላወ ሰብኡትን ኣንስትን ንኽርድእዎን ኣኽቢሮም ክርእይዎን ዘለዓዓሎም ።

እቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ግና ኣብ ኢድ ኣምላኽ እዩ ። ንቅሓት ሕድሕዳዊ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ኣብ መንጐ ደቂ ተባዕትዮን ድቂ ኣንስትዮን መታን ክዓቢን፣ ኣብ ቤተክርስቲያንን አብ ዓለምን ነዞም አብዚ ዘመን እዚ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን ብሓድነት ምእንቲ ከነሳትፎምን ውጽኢታዊ ዝኾነ ቋንቋን ኣተሓሳስባን ከነማዕብል መታን ክሕግዘና ናብ መንፈስ ቅዱስ ንጸሊ ።

በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣቢለ እቲ ሉቺያ ቫንቲኒ ሉካ ካሲግሊዮኒ ከምኡውን ሊንዳ ፖቸር ንቤት ምኽሪ ካርዲናላት ዘቕረብዎ ሓሳባት፣ ነቶም ኣብቲ ናይ ሲኖዳውነት ዘተታት ክሳተፉ ዝደልዩን ነቲ ኣብ መንጎ ሰብኡትን ኣንስትን ዘሎ ኣቅላሲያዊ ርክብ ከዕሙቑ ንዝደልዩን ክሰናደወሎም ምኽኣሉ ከም ዘሐጐሰኒ ክገልጽ እፈቱ ። እዞም ኣስተንትኖታት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ምዕጻው ዝኸፍቱን፣ ንኽንሓስብ ዘለዓዕሉናን፣ ንኽንደሊ ዝዕድሙናን አብ ጸሎት ዝሕግዙናን ኢያቶም ።

ኣብዚ ናይ ሲኖዶስ መስርሕ እዚ ነዚ ኢየ ዝምነ - ክንጕዓዝ እንከሎና ጥራይ ኢና ብሓንሳእ ንምኻድ ዘይንደክም፣ ስለዚ ኢዩ እምበር ክንጐዓዝ ክንወጽእ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዘይ ፍርሂ ኣብ ጐደናታት ዓለም ክንራኸብ ዘሎና። ማርያም ኣደ እምነት ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ተሰንየና!

ከተማ ቫቲካን ፣  8 ታሕሳስ 2023 -

ፍራንቸስኮ

09 February 2024, 16:55