ድለ

2024.02.14 Processione penitenziale, Santa Messa con imposizione delle Ceneri 2024.02.14 Processione penitenziale, Santa Messa con imposizione delle Ceneri  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ጐ. ኢየሱስ ኣብዚ ዘመነ ጾም ናብ ልብና ኽንምለስ ጸውዓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ንምእመናን ነቲ ኢየሱስ "ናብ ልብኹም ተመለሱ" እናበለ ንዘቕረቦ ጻውዒት ክቕበልዎ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ዓቢይ ጾም ኣብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን ጐይታናን መሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና "ናብ ውሽጣዊ ክፍሊ ቤተና ክንኣቱ " ጻውዒት ኣቕረበልና ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ናብ ቤትኩም እተው ክብለና እንከሎ ናብ ልብኻ ምምላስ ማለት እዩ ።... ኣብ ምሉእ ህይወትና እንተላይ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ካብ ውሽጥና ናብ ውሽጥና ምኻድን ንውሽጣዊ መንነትና ዘንጸባርቕን ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ዘመነ ጾም ንዅሉ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ እንኽደኖ ጭምል ናይ ገጽን ኣምሰሉነትን ብምውጋድ ናብቲ ሓቀይና ህይወትና "ተመሊስና" ንኽንጕዓዝ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኸም ዝፈጥረልና ገለጹ።

ስለዚ ኸኣ ኢዩ "ብጸሎትን ብትሕትናን ኣብ ርእስና ሓምዅሽቲ እንቕበል"— እዚ ድማ ሓመድን ሓምዅሽትን ምዃንና ዘዘኻኽረና ኢዩ፣ ግን ከኣ እቲ ኣምላኽ ዘፍቅሮን ዝዓቀቦን ሓመድ ኢና፣ "እቲ ኣብ ርእስና ዝተገብረ ሓምዅሽቲ ምስጢር ህይወትና ንኽንርዳእ ይዕድመና" ከምኡውን ኣምላኽ "ብዘለኣለማዊት ፍቕሪ" ከም ዘፍቅረና ንኽስምዓና ምልክት ይኾነና ።

ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ከነፍቅር ዝቐረበልና ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኣምላኽ ከም ዜፍቅረና ብምርዳእ ንሕና ውን ብግዴና ንኻልኦት ከነፍቅር ከም እተጸዋዕና ንኽንግንዘብ ከም ዚሕግዘና ኣስተምሃሩ ።

እቲ ትውፊታዊ ናይ ዘመነ ጾም ሥርዓተ ጸሎትን ጾምን ምጽዋትን "ደጋዊ ልምድታት ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ውሽጣዊ ልብና ንኽንምለስ ዝመርሓናን ናብ ሕመረት ክርስትያናዊ ህይወትና ዘብጽሓና መገዲ ኢዩ" በሉ።

ድምጺ ጐይታ ምስማዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም ምእመናን ድምጺ ጐይታ ማለት ነቲ "ናብ ውሽጣዊ ቤትኩም ኣተዉ " "ናብ ልብኹም ተመለሱ" ኢሉ ንዝጸውዓና ኽሰምዑ ተማሕጸንዎም ።

መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ኣብዛ ዅሉ ነገር "ማሕበራዊ" እናኾነ ኣብ ዝኸደላ ዘሎ ዓለም "ውሽጣዊ ኽፍሊ ዘይብልና ኮይና ክንርከብ ዝከኣል ኢዩ" በሉ ። ግናኸ ጐይታ ምእንቲ ኼሕውየናን ኬንጽሓናን ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ዘሎ ምስጢራዊ ኽፍሊ እዩ ዚወርድ።

 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "በጃኹም ናብ ውሽጣዊ ቤትና ንእቶ" ክብሉ ምሕጽንታ ኣቕረቡ ። "ጐይታ ኣብኡ ይነብር፣ ኣባኡ ድማ ንድኽመትና ይቕበል ብዘይ ቅድመ ዅነት ከኣ ንፍቀር።"

ብምሉእ ልብኻ ናብ ኣምላኽ ተመለስ

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና "ብምሉእ ልብና ናብ ኣምላኽ ንመለስ" ንዝብል ጻውዒት ጐይታ ኣስተንተኑ ።

ነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ እተረኽቡ ምእመና ኣብዚ ዘመነ ዓቢይ ጾም ናይ ጽሞና ግዜ ኽምድቡን ድምጺ ጐይታ ኣብ ህይወት ነፍስወከፎም ጽን ክብሉን ከምኡ ውን "ገዛእ ርእሶም ካብቲ ዓለማዊ መጻወድያታት ብምፍላይ ናብ ልቦም ክምለሱ " ከይፈርሁ ኣተባብዕዎም።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣምላኽ ዜፍቅረና ሓመድ ምዃና ምስክርነት ንሃበሉ ፣ ሳላኡ ኸኣ ካብ ሓምዅሽቲ ሓጢኣት ናብቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስን ኣብ መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ሓድሽ ህይወት ከም እንውለድ ነስተውዕል" እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ ።

መሥዋዕተ ቅዳሴ መኽፈቲ ዓቢይ ጾም ሥርዓተ ላቲን እትኽትል ቤተክርስትያን
15 February 2024, 09:56