ድለ

FILE PHOTO: Pope Francis leads the Angelus prayer at the Vatican FILE PHOTO: Pope Francis leads the Angelus prayer at the Vatican  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ 'ንስቓይ ካልኦት ብቓላት ዘይኰነስ ብተግባር ክትንክፍ ንመጣጠር'

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ንመበል 32 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ምኽንያት ብምግባር፣ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ክሰምዕዎምን ክበጽሕዎም ዓደምዎም፣ እዚ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ምስቶም መከራ ዝወርዶም ዝነበረ ሰባት ዝገብሮ ዝነበረ ብሒደት ቃላትን ጭቡጥ ተግባራትን ክበጽሕዎም ኣዘኻኸርዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከምዚ በሉ - "ፍቕሪ ጭቡጥ ህላወን ምርኻብን ግዜን ከምኡውን ቦታን ዘድልያ ኢዩ። ብባህ ዜብል ቃላት ጥራይ፣ ብስእልን ኣካላዊ ምርኻብ ብዘይብሉ መንገድን፣ ብመልእኽትታን እትግለጽ አይኮነትን።"

ኣብዛ ዕለት እዚኣ ቤተ-ክርስትያን ብ11 ለካቲት መበል 32 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሕሙማት ኣብ እትዝክረሉ ዘላ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ናይቲ ለምጻም ሰብኣይ ዘዘንቱ ካብ ናይ ዕለቱ ወንጌል (ማር 1፡ 40-45) ብምጥቃስን፣ ንኣብነት ኢየሱስ መሰረት ብምግባርን ምስቶም ዝሳቐዩ "ብሒደት ቃላትን ብጭቡጥ ተግባራትን ንራኸብ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኢየሱስ ብዙሕ ይዛረብ ኣይነበረን ንቓላቱ ድማ ግብሪ ይስዕቦ ነበረ

ቅዱስነቶም ኣብ ስብከቶም ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ብተደጋጋሚ ብቃልን ብግብርን ንሰባት ክፍዉስን ክርከበሎምን ከም እተገልጸ ዘኪሮም ፣ እዚ ኸኣ ንጽሙማንን ዓባሳትን (ማር 7፡ 31-37) ነቶም ዝለመሱ (ማር 2፡ 1-12) ከምኡውን ንብዙሓት ስኡናት (ማር 5) ኬሕውዮም ከሎ "ኵሉ ሳዕ ከማኡ ይገብር ነብረ፦ ብዙሕ ይዛረብ አይነበረን፣ ንቓላቱ ኸኣ ብቕልጡፍ ብግብሪ ይፍጽሞ ነበረ" በሉ።

"ኢየሱስ ብዘረባ ወይ ብምዝርብ ጥራይ ዘይኰነ ከምውን ብምምስኻንን ወይ ምድንጋጽን ጥራይ ተሓጺሩ አይተርፍን ኢዩ ። ኣብ ክንዳኡስ ኣቓልቦ ሰባት ናብ ርእሱ ኸይሰሓበ ጽን ኢሉ ዚሰምዕን ቅልጡፍ ስጕምቲ ብምሳድን ተነቃፍነት ናይ ደቅሰባት ዝርዳእን ምዃኑ የርኢ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ነዚ "ዜደንቕ መገዲ ፍቕሪ" እዚ ኣብቶም ኣብ ህይወትና ዜጓንፈና ሰባት እውን ክንረኽቦ ከም እንኽእል ገለጹ - "ብቓላት ቀይዲ እኳ እንተ ተገብረሎም ብግብሪ ግን ለጋሳት ኢዮም፣ ካብ ረኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብሉ ግናኸ ኺሕግዙ ድሉዋት ዝኾኑ፣ ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ክንዲ ዝኾኑ ንምሕጋዝ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ። 'ክትሕግዘኒ ዶ ትኽእል?' ኢልና ኽንሓትቶም ንኽእል ብጾት ኢዮም፣" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ብፍላይ ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ብጭቡጥ መገዲ ፍቕሪ የድልየና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ እዚ ጭቡጥ ኣተሓሳስባ እዚ ኣብዛ  እዛ ሎሚ ዘላ ዓለምና ውን ከይተረፈ ኣብዚ "ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ርክብ ኣምሳላዊ ዝኾነሉን ናይ ርሑቕ ዝምድናታት ዝበዝሓሉ ውን እንተ ኾነ ። " እዚ ዓይነት ጭቡቕ ፍቕሪ አገዳሲ ኢዩ።

"ፍቕሪ ኣብ ጽቡቕ ቃላት ኣብ ናይ ግሊ ስልክና እንሪኦ ስእልታት ብሓሳብ ጥራይ እነሰላስሎ  ወይ ከኣ ብታህዋክ ብእንልእኾ መልእኽቲ ዝግለጽ ኣይኮነን ። እዚ ጠቓሚ ናውቲ እኳ እንተ ዀነ ንፍቕሪ ግና እኹል ኣይኰነን፣ ነቲ ብጭቡጥ መገዲ ዝፍጸም ተግባራዊ ፍቕሪ ኺትክኡ ኣይክእሉን እዮም" በለ።

ጽን ምባልን ምብጻሕን

ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመና ንጽጉማት ጽንክብልዎምን ኪሰምዕዎን ዜድልዮም ነገራት ኬማልኡሎምን ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም ወይ ድማ ብኣንጻሩ "መመኽነይታታት ኬቕርቡን ከምኡ ውን ብረቂቕን ብዘይጠቅምን ቃላት ዝሓባብሉን እንተ ዀይኖም" ገዛእ ንርእሶም ክምርምሩ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

12 February 2024, 18:07