ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ኣብቲ ፈቃር ኣምላኽና ዘሎና እምነት ምእንቲ ከነመሓላልፍ ንጽዓር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ምእመናን "ነቲ ንፈልጦ ኢና ኢሎም ዝሓስብዎ ኣምላኽ ብምሕዳግ" ከምኡውን "ዕለት ዕለት ናብቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌል ዘቕረበልና ፈቃርን ርሕሩሕን ኣምላኽ ክምለሱ" ከም "ቀዳማይ መንፈሳዊ ዕማም" ገይሮም ክሰርሑሉ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝሓልፈ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፣ ከምቲ ኢየሱሱ ሰናይ ይገብርን ወንጌል ይሰብኽን ዝነበረ፣ ምእመናን ውን "ኣብቲ ፈቃር ኣምላኽ ዘሎኩም እምነትን ተስፋን ናብ ካልኦት እናኣመሓላለፍኩም ኣብነት ጐይታ ስዓቡን ተኸተሉን።" ክብሉ አስተምሃሩ።

ኣብነት ኢየሱስ ብድሆ ይኾነና አሎ

ቅዱስ አቦና ነቶም ንጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ቅርዓት ቅዱስ ጲጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን፣ ነቲ ኢየሱስ ዝገብሮ ዝነበረ ዕዮ ምስእንዕዘብ "ብዛዕባ ኣምላኽ ገለ ኣገዳሲ ነገር ክነግረና" ከምኡውን "ኣብ እምነትና ዝኸበደ ገለ ገለ ሕቶታት ብምልዓል ብድሆ ይኾነና ኣሎ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ኢየሱስ ናብ ዝተጐድኡ ደቅሰባት ይኸይድ ገጽ ኣቦ ድማ የርእየና" በሉ።

ገሊኦም ሰባት ንኣምላኽ ከምዚ አብ "ርሑቕ" ዘሎ ገይሮም ኢዮም ዝርድእዎ፣ "ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ አብ ወንጌል ከም ዝነግረና ኢየሱስ ድሕሪ እቲ ኣብ ቤት ጸሎት  ዝመሃሮን እቲ ዝሰብኮ ዝነበረ ቃል ንሰባት ምእንቲ ኺበጽሖምን ምእንቲ ኺትንክፎምን ምእንቲ ኼሕውዮምን ከም ዝወጸ ኽንርዳእ የኽእለና።

ፈቃር ኣቦ ዝኾነ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ኢየሱስ ከምዚ ብምግባሩ "ኣምላኽ ካብ ላዕሊ ዚዛረበና እተገለለ ጐይታ ኸም ዘይኰነ ገለጸልና፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ገዛእ-ርእሱ ቀረባና ዝገብር ናብ ቤትና ዝበጽሓና፣ ኬድሕንን ሓራ ኼውጽኣናን ካብ ኵሉ ሕማም ስጋን መንፈስን ከሕውየና ዚደሊ ብፍቕሪ ዝመልአ ኣቦ እዩ።"

ቅዱስ ኣቦና ኸም ዝገለጽዎ ኢየሱስ ከየባተኸ ናባና ብምምልላሱ ንህይወትና ይቕልሰና እዩ።

"ኣምላኽ ወትሩ ቀረባና እዩ። ባህርያት ኣምላኽ ብሰለስተ ቓላት ኪጠቓለል ይከኣል እዩ ፣ እዚ ኸኣ ቀረባና ድንጋጸን ከምኡውን ርሕራሐ እዩ ። ነዚ ድማ ኣይትረስዕዎ ፣ እዚ ኸኣ ቅርበትን ድንጋጽን ለውሃትን እዩ ። እዚ ባህርያት ኣምላኽ እዩ" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ኣብ ኣስተንትኖኦም "ንገጽ ኣምላኽ ከም ናይ ኣቦ ምሕረት ጌርና ዲና እነለልዮ ወይስ ንሓደ ዝሑልን ርሑቕን ኣምላኽ ዲኻ ትኣምንን ትእውጅን? እምነትና ንጕዕዞ እተለዓዕለና ድያ ወይስ ዜህድኣናን ልኡም ምጽንናዕ እትህበናን ኢያ? ሰላም ምእንቲ ኺስምዓና ዲና እንጽሊ ወይስ እቲ እንሰምዖን እንሰብከሉን ቃል ልክዕ ከምቲ ናይ ኢየሱስ ምጽንናዕ ኣምላኽ ንኽንእውጅ ናብ ካልኦት ገጽና ከም እንኸይድ እዩ ዚገብረና?"

ናይ መጀመርታ መንፈሳዊ ዕዮና

"እምበኣር ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ጕዕዞ ንርኣዮ እሞ እቲ ቐዳማይ መንፈሳዊ ዕማምና እዚ ምዃኑ ንዘክር። እዚ ኸኣ ነቲ ንፈልጦ ኢና ኢልና እንሓስቦ ኣምላኽ ሓዲግና ናብቲ ኢየሱስ ኣብ ወንጌሉ ዘርኣየ ኣቦ ፍቕርን ርሕራሐን ዝዀነ ኣምላኽ ንመለስ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቲ ሓቀይና ገጽ ኣቦ ምስ ፈለጥና እምነትና ናብ ብጽሕና ገጹ ይዓቢ" ድማ በሉ። በዚ ኸምዚ "ናይ 'ሳክርስቲ ክርስትያን' ወይ 'ናይ ሳሎን ክርስትያን' ኴንና ኣይክንቕጽልን ኢና፣ ኣብ ክንዳኡስ ንናይ አምላኽ ተስፋን ፈወስን ክንጸውር እተጸዋዕና ከም ምዃና ክንፈልጥ ኢና።"

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ እታ ቅድስቲ ኣደ ንጐይታና ክንሰብኽን ክንምስክርን ካብ ገዛእ ርእስና ኽንወጽእ ክትሕግዘና ብምጽላይ ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ ።

05 February 2024, 18:14