ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ናይ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓላፍነት እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ናይ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓላፍነት እዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰላም ናይ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓላፍነት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዕለት 4 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ደጊሞም ነቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ ጸሎቶም ከም ዝዘከሩን፣ ነቶም ዑደት ወርሒ ተኸቲሉ ዝኸይድ ዓውደ ኣዋርሕ መሰረት ሓድሽ ዓመት ንዘብዕሉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ክፋል ህዝቢ ዓለም ሰላምታ ከም ዘቕረቡን፣ ዕለት ኣርባዕተ ለካቲት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ምዃኑ እውን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱሰንቶም ዕለት 4 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋድያን ሓቢሮም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣቃልቦኦም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ሞት፣ ስቓይን ዕንወትን ዘስዕቡ ዘለዉ ውግኣት ገይሮም፥ ቡራኬ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ኩሉ ተማሕጺኖም፡ “ዓለም ኣዝያ እትናፍቖን ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ሓደጋ ስለ እትርከብ ምንቲ ሰላም ክጽልዩ ዓዲሞም፡ ሰላም ናይ ውሑዳት ዘይኮነስ ናይ መላእ ሰብኣዊ ስድራቤት ሓላፍነት እዩ፡  ኩላትና ብናይ ርህራሄን ትብዓትን ምልክት ክንሃንጻ ንተሓባበር!

“ብፍላይ ምእንቲ ኣብ ዩክሬን፣ ፍልስጤምን እስራኤልን ብኲናት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ኣነዕርጎ ጸሎት ኣይነቋርጽ”

ቢሎም ኣስዒቦም እውን ኣቓልቦኦም ናብቶም ኣብ ምብራቕ ኤስያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለምን ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ዕለት 10 ለካቲት ወርሓዊ ሓድሽ ዓመት ንዘብዕሉ ዘኪሮም፥

“እዚ በዓል እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ዝረኽበሉ፡ ናይ ምትሕግጋዝን ሕውነትን ሕብረተሰብ ንምፍጣር ኣበርክቶ ዝገብር ዝምድናታት ፍቕርን ናይ ሓልዮት ምልክትን ንኽመሃረሉ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፡ ምዉቕ ሰላምታይ አመሓላልፍ፥”

ብሔራዊ መዓልቲ ንህይወት ኣብ ኢጣልያ

ከም ዝበሉን ከምኡ እውን ኣብ ኢጣሊያ ሰንበት ዕለት 4 ለካቲት መዓልቲ ሕይወት ከም ዝኽበርን ናይቲ ናይ 2024 ዓ.ም. ዝተመርጸ መራሕ ቃል ድማ “ሓይሊ ሕይወት የገርመና” ዝብል ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥

"ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሕይወት፡ ዋላ እቶም ብድሩትነት ኣዝዮም ዝልለዩ፡ ዘይተኣደነ ዋጋ ከም ዘለዎምን ንኻልኦት ገለ ነገር ናይ ምሃብ ዓቕሚ ከም ዘለዎምን ዳግማይ ንምርካብ፡ ስነ-ሓሳባዊ ራእይ ክብድህ ምስ ዝምነዩ ጳጳሳት ኢጣሊያ እሓብር ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓለማዊ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሮማ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎትን ንቕሓትን ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንዝሳተፉ ፍሉይ ሰላምታ ኣቕሪቦም፥

ዓለማዊ መዓልቲ ጸረ ንግድ ሰብ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 8 ለካቲት ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል እታ ካብ ጊልያነት ናጻ ኮይና ገዳማዊ ህይወት ዝሓረየት ሱዳውናዊት ቅድስቲ ጆሴፊን ባኪታ መነኮስ እተብዕለሉ ዕለት እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፥

“ሎሚ እውን እንተኾነ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ብናይ ሓሶት መብጽዓታት ተታሊሎም ኣደዳ ምዝመዛን ግህሰትን ከም ዝኾኑን ኩላትና ነቲ መዓታዊ ዓለማዊ ተርእዮ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምምካት ንጠርነፍ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ማእከላይ ቺለ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ሓሳቦምን ጸሎቶምን ናብቶም ኣብ ማእከላይ ቺለ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ሓዊ ዱር ናይ ሞት ሓደጋ ንዝወረዶምን ዝተሃስዩን ገይሮም፥ "ኣብ ማእከላይ ዞባ ቺለ ኣብ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ ናይ ሞት ሓደጋን መጉዳእቲን ንዘጋጠሞም ንጸሊ፥ ከም ዝበሉን የመላኽት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ቺለ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ እተገብረሉ ኣዋን ብርቱዕ ኩነታት ባርዕ ዱር ከም ዘጋጠመን ብውሕዱ 51 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊጾም፥ እቲ ዘጋጠመ መዓት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ቁጽሪ ግዳያት ብርግጽ ክውስኽ ከም ዝኽል ዘለዎም ስግኣት ከምዝገለጹን፡ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ነተን እዋን እቶ እቶ ዝተወሰነለን ዞባታት ማርጋ ማርጋን ቫልፓራይሶን ዝምልከት ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ኣስታት 92 ንጡፋት ባርዕ ሓዊ ከምዘሎን ክሳብ ሕጂ ድማ ኣስታት 43 ሽሕ ሄክታር ከምዝጸለወን ምጭታታ ሓበሬታ ቺለ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ነጋድያን ተስፋ ኣብ መንገዲ ሰላም

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ካብ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝመጹ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ልኡካነ ወንጌል ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ “ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብ መንገዲ ሰላም" ብዝብል ኣርእስቲ ጉዳይ ሰብ ውፉይ ህይወትን ማሕበራት ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ዘለዉ ሰላምታ ከም ዘቐረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

05 February 2024, 15:40