ድለ

ተዓወትቲ ስልማት ዛይድን ደያኑን ሓጎሶምን ሞሳኦምን የካፍሉ ተዓወትቲ ስልማት ዛይድን ደያኑን ሓጎሶምን ሞሳኦምን የካፍሉ 

ተዓወትቲ ስልማት ዛይድን ደያኑን ሓጎሶምን ሞሳኦምን የካፍሉ

ካብቶም ናይ 2024 ዓ.ም. ስልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት ዕውታት ካብ ዝኾኑ ነኽልተ እስላማውያን ትካላት ኢንዶነዥያ ዝወከሉ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እተን ክልተ ተካላ ኢንዶነዥያ ዝወሃብ ክቡር ስልማት ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታዊ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ንምጽናዕን ንኻልኦት ንምድጋፍን ዘኽእል ሓድሽ ድራኸ ከም ዝኸውን ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት 2024 ዓ.ም. ንእናቴ ኔሊ ሊዮን ኮረያ ዝተባህላ ተወላዲት ቺለ ንእሱራት ዘገልግላ፡ ምስራዊ ሓኪም ማግዲ ያቆብ ሓኪም መጥባሕቲ ልብን ሳንቡእን፤ ከምኡ’ውን፡ ናህድላቱል ኡላማን መሓመድ ያህን ንእተሰምያ ክልተ ፍሉጣት እስላማውያን ትካላት ኢንዶነዥያን ብቑዓት ኮይኖም ከም እተሃረዩን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣብ 2019 ዓ.ም ኣብ ኤሚራት ዓረብ ኣብ ዘካየድዎ ዓለም ሓቆፍ መገሻ ምስ ናይ ምስሪ መንበረ ጥበብ ኣል ኣዝሓር ዓብይ መምህር ሸኽ ኣሕመድ ኣል-ጠይብ ብሓባር ከቲሞም ወግዓዊ ዝገብርዎ ሰብኣዊ ሕውነት ንሰላም ዓለምን ብሓባር ምንባርን ዘርስቱ ሰነድ ኣብ ሓምሻይ ዓመት ዝኽሪ ሕትመቱ ዝተኻየደ ኮይኑ ቅድሚ እቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ስልማት፡ ተዓወትትን ደያኑን ሽማግለ ስልማት ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ኣገዳስነት እቲ ስልማት ሓሳቦም የካፍሉ።

ናይ ተሰለምቲ ዓቢይ ሞሳ

ቅድሚ እቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ስልማት፡ ተዓወትትን ተዓወትቲ ዝመርጽ ሽማግለ ደያኑን ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን፥ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ናይተን ክልተ ተሰለምቲ ንምኽኣን ዝበቕዓ ናይ ኢንዶነዥያ እስላማዊ ትካል ወኪሎም ዝተረኽቡ ሓላፊ ሃገራዊ መሓውር ናህድላቱል ዑላማ ኡሊል ኣብሽር-ዓብዳላ ክኾኑ እንከለዉ፥ ኣብ ዋዕላ ሃይማኖትን ሰላምን ኢንዶነዥያ (ICRP) ብዓቕሙ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዘካይዶ ምትብባዕ፡ ብዛዕባ እቲ ስልማት ንዕኡን ነተን ክልተ ትካላትን ዘለዎ ዓቢ ኣገዳስነት ኣመላኺቶም፡ እቲ ስልማት ንእምነታት ዝሰግር ሰብኣዊ ስርሖም ንኸሰጉሙ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ኢንዶነዥያ እተን ትካላት ዘለወን ተወፋይነት ብዝበለጸ ንኽቕጽል ዘተባብዕ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

"እዚ ስልማት፡ ንሰብኣዊ ስራሕ ዝያዳ ተበግሶታት ኣብ ምስዓብ ክሕግዘና እዩ። ትካላት ትምህርትና፡ ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ እንህቦ ኣገልግሎት፡ ክንክን ጥዕናን መዕቆቢ ዘኽታማትን ተቕዋማትን ብዝበለጸ ንምምዕባል ክሕግዘናን ዕዮታትና ዘተባብዕን እውን እዩ" ይብሉ።

"ስልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት፡ ከም ማዕረ ስልማት ናይ ሰላም ኖቤል ኣብ ኣስላም ዓለም ክኸውን እንከሎ፡ ስለዚ ብሓቂ ነዚ ስልማት እዚ እተን ክልተ ትካላን ብቑዓት ተባሂለን ክሕረያ ብሓቂ ሓጎስ ይፈጥረለይ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነቲ ትካል ወኪሎም ነቲ ስልማት ዛይድ ዝተቐበሉ ሲያፊቅ መሓመድያ ሙግኒ እውን በቲ ዝተዋህቦም ክብሪ ሓጎሶም ገሊጾም። ኣብቲ ትካል መሪሕ ተራ ዝነበሮን፣ ኣብ ኢንዶነዥያን ወጻኢ ሃገራትን ኣብ ምትሕብባር ሃይማኖታትን ምትእትታው ማእከላይ እስልምና ብንጥፈት ዝሳተፍን ወኪል ይብሉ፡ እቲ ስልማት ንኻልኦት ምሕጋዝን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ዝዓሰሎ ሃዋህው ንምድንፋዕን ዝሕግዝ ምዃኑ የረጋግጹ።

"እዚ ንገብሮ ዘለና ንልምዓትን ወፍርን ህይወት ወዲ ሰብ ዝበቅዕ ምዃኑ ሓደ ዓይነት ኣፍልጦ እዩ፡ በዚ ስልማት ድማ ንኹነታት ደቂ ሰባት ልዕል ንምባል ዝያዳ ክንሰርሕ ኣለና” ከም ዝበሉን ናይ ስልማት ዛይድ ሽማግለ ደያኑ ኣባል ኢሪና ቦኮቫ፡ ንነፍሲ ወከፍ ተዓወትቲ ዘለወን ሓጎስ ብምግላጽ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ተዓወትቲ ምስክርነት ኣብ ልዕሊ ደያኑ ዓቢ እወታዊ ጽልዋ ዘለዎን ብርሃን ዝህብን እዩ - ቢለን - ብፍላይ ነቶም ተዓወትቲ ኢንዶነዥያ "ኣዝዩ ዝድነቕ ስራሕ ማሕበራዊ ሓቛፍነት ብምንቕቓሕ ዝግለል ከይህሉ" ንዝህቦ ውሁድ ኣገልግሎት ኣፍልጦ ብምሃብ ምስጋና የቕርባ።

ብፍሉይ መንገዲ፡ እናቴ ኔሊ ኣብ እዋን ኮቪድ - 19 ኣብ ዝነበረ ተፈናተን ውሽባን እዋን ምስተን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረን ቅርበት ኤሪና ቦኮቫ ንኢደን፡ እዚ ቀሊል ዕማም ከምዘይኮነን፡ ተስፋን ሓገዝን ከም ዝህብን፡ ዋላ’ውን ድሕሪኡ ምስ ስድራ ቤተን ክጽንበራ ከም ዝሓግዛን እዚ እውን ካብ ቤት ማሕቡስ ወጺአን ምስ ሕብረተሰብ ክጽንበራ ዘኽእለን ዘቕርብኦ ህንጸት ዝነኣድ እዩ። ብተወሳኺ ንዝተጸገሙ ንምሕጋዝ ፍቓደይና ዝኾነ ናይ ልብን ሳምቡን ሓኪም "በዓል ዓቢ ልቢ መላሲ እስትንፋስ" እንክብላ ዝገለጾኦም ተሰላሚ ምስራዊ ዶክተር ያኩብ ምስጋናአን ኣቕሪበን፡ ዋላ’ውን ዓቕምን ቁጠባዊ ዓቕምን ኣብ ዝጎደሎም እዋን፡ ዶክተር ያኩብ ዘቅርብዎ ሕክምናዊ ደገፍ ካብ ግብጺ ሓሊፉ ናብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን  ዝበጽሕ ብምዃኑ ኣብነታዊ ተግባር እንክብላ ይገልጻ።

06 February 2024, 16:10