ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ካልኣይ ዋና ጸሓፊ ሰሚዮም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ካልኣይ ዋና ጸሓፊ ሰሚዮም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ካልኣይ ዋና ጸሓፊ ሰሚዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብዚ እዋን’ዚ ስብከተ ወንጌል ኣብ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ጉዳያት ምሕደራ ካልኣይ ክፍሊ ልኡኽ ኮይኖም ንዘገልግሉ ዘለዉ ቤንጃሚን ኤስተቨዝ ደ ኮሚንገስ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ቁጠባ ካልኣይ ዋና ጸሓፊ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤንጃሚን ኤስተቨዝ ደ ኮሚንገስ ሕጂ ካልኣይ ክፋል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያ ስብከተ ወንጌል ኮይኑ ናይ ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣስፍሆተ እምነት ልኡኽ ኣመሓዳሪ ኮይኖም ካብ ዝስየሙ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ቁጠባ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ካልኣይ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ከም እተመዙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቤንጃሚን ኤስተቨዝ ደ ኮሚንገስ ኣብ 1974 ዓ.ም. ኣብ ስፓይና ከተማ ቪጎ ዝተወልዱ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ከም ብስነ-ቁጠባን ምምሕዳር ንግድን ምሩቕ ሊቅ ስነ ምህንድስና መራኸብታት ከም ዝኾኑን ብተወሳኺ ኣብ ማሳቹሰትስ ካብ ስሎኣን ተቕዋም እደ ጥበብ (MIT) ብስነ ፍልጠት ስነ ምሕደራ ዝተመረቑን ምዃኖም ይሕብር።

ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት መራኸብታት ብዝለዓለ ሓላፍነት ዘገልገሉ ኣብ ስፐይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንጡፍ ምእመን ኣብ 2013 ዓ.ም ምስ ቤተ ክርስቲያን ሞያዊ ርክብ ዝጀመሩን ኣብ ስፔን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መናብርተ ጥበብ ተባሂሉ ኣብ ዝንገረሉ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኮሚላስ ዋና ኣመሓዳሪ ጉዳያት ቁጠባ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ኣብ ናይ ኣስታት 10 ዓመት ኣገልግሎቶም ኣብቲ መንበረ ጥበብ ዘመዝገብዎ ፍሉይ ኣፈጻጽማ ምሕደራ ጉዳያት ቁጠባ ምኽንያት እውን ኣብ ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ኣስፍሆተ እምነት ልኡኽ ኣመሓዳሪ ንኽኾኑ ከም እተመዙን ድሕሪ ምስያሞም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ቅዱስ ኣቦና ኣብ ልዕለይ እምነት ከሕድሩ ዓቢይ ዕድል ጥራሕ ዘይኮነ ዓቢይ ሓላፍነት እውን እዩ፡ ስለዚ ድማ እቲ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ዓቢ ምዃኑ እፈልጥ እየ፡ ብሓገዝ ኣምላኽን ደገፍ ስድራ ቤተይን ድማ ነዚ ሓድሽ ዝተወሃበኒ ዕይ ብቑዕ ኮይነ ብግቡእ ከሳልጥ ተስፋ እገብር” ይብሉ።

02 February 2024, 15:06