ድለ

2024.01.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ግጭት ንምፍታሕ ሕያዋይን ትንቢታውን ርክብ የድልየና 2024.01.04 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ግጭት ንምፍታሕ ሕያዋይን ትንቢታውን ርክብ የድልየና  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ግጭት ንምፍታሕ ሕያዋይን ትንቢታውን ርክብ የድልየና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ኣስታት ሰላሳ ኣባላት ማሕበር ጀርመናውያን ካቶሊካውያን ጋዜጠኛታት ብምርኻብ፡ ካቶሊካውያን መራኸብታት ሓቀይና ሓበሬታ ኣብ ምሃብን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከይተረፈ ግርጭት ኣብ ዘይምልዕዓልን ዘለዎም ክቡር ተራ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ጥሪ ልኡካን ማሕበር ካቶሊካውያን ጋዜጠኛታት ጀርመን መበል 75 ዓመት ቅዋመኡ የብዕል ምህላዉ ሓጎሶም ገሊጾም፡ እቲ ማሕበር ጋዜጠይናታት፡ ውሁድ ኩለንተናዊ ምዕባለን ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ፣ ከምኡ’ውን ሰላምን ናጽነት ሰብኣዊ ክብርን ኣብ ምድንፋዕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ክቕጽል ኣተባቢዖም

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሕያዋይን ትንቢታውን ርክብ የድሊ

ብፍላይ ኣብ’ዚ ብዙሓት ግርጭታት ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ብመራኸቢ ብዙሓንን መግለጺታትን ኣብ ዝጓሃሃር ናይ ሎሚ ዓለም “ንስኻትኩም ኣብ ክርስትያናዊ እምነትኩም ኣጽኒዕኩም  ብወንጌል ልብኹም ካብ ወተሃደራውነት ናጻ ክትገብሩን ነቲ እትጥቀምሉ ቋንቋ ዘዕጥቃዊ ክትገሩ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ . . . ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ሕያዋይን...ትንቢታዊ" መራኸቢ ብዙሓን ኣገዳሲ እዩ”

“እዚ መሰረታዊ እዩ፡ ቃና ሰላምን ምርድዳእን ምድንፋዕ፡ ድልድላት ምህናጽ፡ ንምስማዕ ድሉው ምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣኽብሮታዊ ርክብ ምልምማድ።”

ናይ ጀርመን ሲኖዳላዊ መንገዲን ተልእኾኣዊ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያንን

ብድሕሪ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓሳባቶም ናብ መንገዲ ሲኖዳውነት ጀርመን ኣቕኒዖም፣ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብቤተ ክርስቲያን ጀርመን ዝተጀመረ መስርሕ ተሃድሶ ሓያሎ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዕቃበታት ዘበገሰ፣ ከምኡ’ውን ብመንጽር’ቲ ጎናዊ መስርሕ ሲኖዶስ 2021-2024 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ሓድነት ቤተ ክርስቲያን ክህልዎ ዝኽል ሳዕቤን ስክፍታኦም ገሊጾም፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ 2019 ዓ.ም. ናብ ህዝበ እግዚኣብሔር ጀርመን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘጉልሕዎ ክልተ ወሳኒ መዳያት ዘኪሮም፡ ማእከላይነት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ምሕዳስን “ኩላዊ ከምኡ’ውን ካቶሊካዊ ሸነኽ“ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ እምነት ህይወት ምስ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህላውን ሃገራውን ኵነታት ጥራይ ዝተኣሳሰር ገርካ ምርኣይ ከይህሉ ዝብል እዩ”።

“እቲ ንመንፈሳዊ ሸነኽ ዝግበር ሓልዮት፡ ማለት ምስ ቅጥዕታት ዓለም ዘይኮነስ ምስ ወንጌል ዝግበር ጭቡጥን ቀጻልን ምትዕጽጻፍ፡ ብምሥጢራትን ጸሎትን ውልቃውን ማሕበረሰባውን ምልዋጥ ዳግማይ ምርካብ፡ ንመንፈስ ቅዱስ እምበር ንናይ ግዜ መንፈስ ተኣዛዚ ዘይምዃን ዝብል እዩ”

በዚ መሰረት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ “ክቡር ተራ” ካቶሊካውያን መራኸቢ ቡዝሓን “ቅኑዕ ሓበሬታ ኣብ ምሃብ” በዚ ኸምዚ ድማ “ንሓድሕዳዊ ምርድዳእ እምበር ንምትህልላኽ ዘይሕግዝ” ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣዘኻኺሮም

ብተወሳኺ ኣብ ወንጌላዊ ተልእኾ ሸነኽ ቤተ ክርስቲያን “ሎሚ ዘሎ ኣገባባትን ተኽእሎታትን ናይ ምጥቓም ብቕዓት ዘለዎ ክኸውንን፣ “ብቐንዱ ኣብ ገዛእ ርእሳ ዝተዓጸፈትን ብርእሰ ተወካስነት እትሓምም ከይትኸውን” ድማ ኣጠንቂቖም።

ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን "ገለልተይናታት" ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም።

ካቶሊካውያን መራኸቢታት፡ “ካብቲ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ኣተሓሒዝካ፡ ‘ገለልተይና’ ኮይኖም ክተርፉ ከም ዘይክእሉ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ንጀርመናውያን ካቶሊካውያን ጋዜጠኛታት ኣቓልቦ ህዝቢ ናብ ድኻታትን ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ ወሰን ሃብታማት ሕብረተሰባትና ተሓሪጎም ንዝነብሩ ደቂ ሃገርን ዘይ ደቂ ሃገርን ሓዊሱ ኣቓልቦ ክስሕቡ ዓዲሞም።

ወትሩ ብዛዕባ ወጅሂ ሰባት ምሕሳብ

"ንታሪኽን ወጅህን እቶም ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይግበረሉም ሰባት ዜጕልሑ መራኸቢ ብዙሓን የድልዩ ኣለዉ።" ስለዚ - "ክትዘራረቡ ኸለኹም ወትሩ ገጽ ሰባት ብፍላይ ከኣ ንድኻታትን ትሑታትን ክትሓስቡ ኸለኹም ዋላ እውን ኣንጻር ንእቶት ዝብል ኣገባባት ብምኻድ ካብ ክውንነቶም ካብ ዘሕዝን ፍጻመታቶምን ተስፋታቶምን እትበገሱ ኩኑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 January 2024, 16:49