ድለ

2024.01.11 Membri dell'Istituto Secolare Sacerdoti Missionari della Regalita' di Cristo 2024.01.11 Membri dell'Istituto Secolare Sacerdoti Missionari della Regalita' di Cristo  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንዓለማውያን ልኡካነ ወንጌል ካህናት - ምእንቲ ዓለም ክትብሉ ኣብ ዓለም ኩኑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ሓደ ዓለማዊ ማሕበር ካህናት ብምርኻብ፣ ዓለማዊ ምዃን ክበሃል ከሎ "ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምግልጋልን ምምስካርን" ማለት ምዃኑ ገለጹሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህሩ - ሃገረ ቫቲካን
 "ቤተ-ክርስትያንን ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ሰብን ኣብ ዓለም ንዓለም እዩም፣ እንተኾነ ግን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።"
እዚ ቃላት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 11 ጥሪ ሓሙስ ንግሆ ምስ ኣባላት ዓለማዊ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ካህናት ዘመንግሥተ ክርስቶስ ኣብ እተራኸበሉ ዝለገሱሎም ቃል ኢዩ ዝነበረ ።
ኣባላት እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ትሕቲ ሰበኻዊ ጳጳስ ዝመሓደሩ ወይ ዓለማውያን ኮይኖም ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝነብሩ ናይ ሰበኻ ካህናት ኢዮም። ብሰበኻዊ ጳጳስ ድማ ተልእኾኦም ተቐቢሎም ዘገልግሉ ዓለማውያን ካህናት ኢዮም ።
እዚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ርክብ ክፍሊ ናይቲ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ምስረታ ናይ ማሕበሮም ኮይኑ፣ አብቲ ርክቦም እዞም ኣባላት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቡሩንዲ ዝህነጽ ዘሎ ሓድሽ ማእከል ስልጠና ዝገልጽ ንድፊ ኣቕረቡሎም።

ዓለማዊ ምኾንን ዓለማዊ ስነ ሓሳብ ምህላውን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገሱሎም ሰላምታን ቃለ ምዕዳንን "ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ህይወትን ኣገልግሎትን ካህናት ዘለዎ ዋጋ" ብምጕላሕ ሰፊሕ ኣስተንትኖ አቕረቡሎም።

"ዓለማዊነት (ሴኮላሪታ) ምስ ዓለማዊ ስነ-ሓሳብ ምህላው (ላይሲታ) ዘራኽብ የብሉን " በልዎም።
ኣብ ዓለም ኮይንካ ምግልጋል ምስቲ "ኣብዛ ዓለም እዚኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምግልጋልን ንምምስካርን" ዘለዋ ተልእኾ እተተሓሓዘ ምዃኑ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ዓለማዊነት ስፍሓት ቤተ ክርስትያን እንተ ዀይኑ ካህናትን ተራ ሰባትን ብህይወት ንምንባር ዝተጸውዕሉ ተልእኾ ህይወቶም ኢዩ ድማ በልዎም።

ካብ ቅድሱ ፍራንሲስ እተረኽበ ተሰውጦ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣስዕብ ኣቢሎም ነቲ እቶም ካህናት ዓለማዊ ጸዋዕታኦም ብምኽታል ንዝገርዎ ተበግሶ ብምጥቃስ ኣሞገስዎም ።
ኣባላት እዚ ማሕበር እዚ "ብመሰረት ፍራንቸስካዊ መንፈሳውነት" ኢዮም ዝነብሩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ "ኣሕዋትን ኣሓትን ንምግልጋል ትሑታትን ድሉዋትን " ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣመልከቱሎም ።
ብዘይካዚ "ብመሰረት ኣርኣያ ንግሥነት ክርስቶስ፣ ንኣገልግሎትን ንርእስኻ ብልግሲ ንምሃብን ከምኡውን ምስ ድኻታትን ምስ እተገለሉን ብሓድነት ንምንባር ዜጠቓልል ኣብነት ክርስቶስ እዮም ዚነብሩ " በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ኣባላት እዚ ማሕበር እዚ መዓልታዊ ናብ ቅዱስ ልቢ ካብ ዝጸልይዎ ጸሎት ብምጥቃስ መደረኦም ዛዘመ ።

"ወንጌል ልቢ ዓለም ምእንቲ ኪኸውንሲ ምስቶም ህዝቢ ምትሕግጋዝን ለውሃትን ሓቅን ሓድነት ይሃልወና!" በልዎም።

ኣብ ቡሩንዲ ክህነጽ ዝግበር ዘሎ ውጥን እዚ ማሕበር

ዓለማዊ ማሕብር  ልኡካነ ወንጌል ካህናት ናይ ንግሥነት ክርስቶስ ኣብ ጥቅምቲ 1953 ኣብታ ኣብ ኣሲዚ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ደሚያኖስ ተመስረተ ማሕበር ኢዩ።

ኣባላት እዚ ማሕበር ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እተኣከብሉ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ እዚ ማሕበር እዚ ኣብ ሃገረ ቡሩንዲ ዝሓንጾ ዘሎ ሓድሽ ናይ መንፈሳውነትን ስነ-መእበያን አብ መንጐ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተታትን ዝኻየደሉ ማእከል ዚኸውን ህንጻ ናይ ምህናጽ መደባቶም አቕረቡሎም ።

እዚ ሓድሽ ማእከል ነቶም ኻብ 2000 ዓ/ም ኣትሒዞ ኣብ ቡሩንዲ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልገሉ ዝነበሩ እሞ ብ2003 ኣብኡ እተቐትለ ሊቀ-ጳጳሳት ማይክል ኮርትኒ ክውፈ ኢዩ። ንሶም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተገብረ ሃገራዊ ዕርቂ ዓብዪ ግደ ዝነበሮም ኢዮም።

ሓደ ኻብቲ ዕላማ ናይዚ ማእከል ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ማሕበረሰብ ብዛዕባ ምህርቲ ማይን ዝናምን ብዛዕባ መጻረዪ ማይን ምስልጣን እዩ ።

12 January 2024, 16:47