ድለ

2024.01.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ፡ ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ኣብ ልብኹም ከም ዝሰዓረ ኣካፍሉ 2024.01.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ፡ ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ኣብ ልብኹም ከም ዝሰዓረ ኣካፍሉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተማሃሮ፡ ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ኣብ ልብኹም ከም ዝሰዓረ ኣካፍሉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተመሃሮ ናይቲ ምስ ኦርቶዶክስ ኣብያተ-ክርስትያንን ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያንን ዝግበር ባህላዊ ምትሕብባር ዝሓልይ ካቶሊካዊ ሽማግለ ኣባላት ኣብ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ቅዋሜ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ክርስቶስ ብኸመይ "ልብኹም ከም ዝማረኾን ህይወትኩም ብኸመይ ከም ዝጾሮን" ዘለኩም ተመክሮ ንሓድሕድኩም ክትካፈልዎ ኣተባብዕ”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብዚ ኣብ ሮማ ክትመሃሩ ከለኹም፡ ክርስቶስ ምእንታኹም መን ምዃኑ፡ ኣበይ ከም ዝተራኸብኩምዎን፡ ከመይ ጌሩ ልብኹም ስዒሩ ንህይወትኩም ከም ዝጾሮን፡ ነዚ ዝተራኸብክምዎ ኣምላኽ ከም ጎይታ ኣፍልጦ ንምሃብን ከምኡ'ውን ምስጋናን እተቕርብሉ ዝተፈላለየ ትውፊታትን ንሓድሕድኩም ክትካፈልዎ ዓቢ ዕድል ይፈጥረልኩም።" እዚ ሕመረት ናይቲ ቅዱሰንቶም ዕለት 12 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንተማሃሮ ካቶሊካዊት ሽማግለ ባህላዊ ምትሕብባር ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ምስራቓውያን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናትን ብምኽንያት መበል 60 ዓመት ቅዋመ እቲ ሽማግለ ተቐቢሎም ናይ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓድነት ክርስቲያን ኣሚቱ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝካየድ ናይ ሓባር ናይ ጸሎት መደብ ኣብ ዝመርሑ መዓልታት ምስቲ ናይቲ ናይ ባህሊ ሽማግለ ኣባላት ተማሃሮ ክራኸቡ ሓጎስ ከም ዝፈጥረሎም ይገልጹ።  

ንሓደ ኣካል ክርስቶስ ምግልጋል

እቲ ሽማግለ ካብ ኦርቶዶክሳውያንን ምብራቓውያንን ኦርቶዶክሳዊት ኣብያተ ክርስቲያናት ዝመጹ ተማሃሮ ኣብ ካቶሊካዊውያን መናብርተ ጥበባትን ተቕዋማትን ዘድሊ መደብ ሕንጸት ንኽረኽቡ ዕድል ዝህቦም ከም ዝኾነን፣ እቶም ነዚ ዕድል ዝረኸቡ ትምህርቶም ዛዚሞም ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ማሕበረሰባት ክምለሱን ዝረኸብዎ ፍልጠትን ተመኩሮን ከም ዘካፍሉን በዚ ኸምዚ ብስም መላእ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንኣሓት ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዚጠቅም ከምኡውን ነቶም "ሳላ መጽናዕቶም ንተልእኾ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ዜገልግሉ ኻህናትን ምእመናንን" ኣብ ምድላው ኣበርክቶ ዚገብር "ጭቡጥ ዝዀነን ዘይሻራዊ ኣገልግሎት" ከም ዘቕርቡ ገሊጾም። ኣብ ጭቡጥን ቀጥታውን ርክብ ምስ ጭቡጥ ማሕበረሰባት ድማ "ኩሎም ሓደ ዓይነት ድሌት ዘለዎም ነቲ ሓደ መምህር ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምስዓብን ንቤተ ክርስቲያኑ ንምግልጋልን እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣርጊጾም፥ "ንተማሃሮ ኦርቶዶክሳውያንን ምብራቓውያንን ኦርቶዶክሳውያን ኣቢያተ ክርስትያናት ጥራይ ዘይኮነ ዝሕግዝ፡ እቶም ካቶሊካውያን እውን፡ ንጽልኢ ንምስዓር፡ መናድቕ ንምፍራስን ድልድል ዘተን ዕርክነትን ንምህናጽን ዘተባብዕ እዩ - እዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ!” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዝተፈላለየ ግን ከኣ ሓድነት ዘለዎ

እዚ ድማ ብዛዕባ እቶም ቀዳሞት ማሕበረሰባት ክርስትያን፡ እቶም ሓዋርያት ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ፡ ትውፊትናን ባህልታትናን ከም መበገሲ ዝውከስዎም ‘መበቆል’ ምዃኖም ድማ ኣዘኻኺሮም፥ "ብደቂቕ እንተርኢናዮም ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ምንባሮም ንርኢ: ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ መጥምቅ: ቀናእተይናታት: ገፈፍቲ ዓሳን መጸብሓንን ዝብል ድሕረ ባይታ ዝነበሮም: ብባህርያቶምን ብርህራሄን ኣዝዮም ዝተፈላለዩ! ከም ዝነበሩ ግን ከኣ ዝያዳ ስምረት ዝነበሮም እያቶም” ምስ በሉ ኣስዒቦም፥

“ውህደቶም ኣብ ኢየሱስ ዝረኸቡ። ኣብ ኣሰሩ እናተጓዕዙ ድማ ኣብ ጎኒ ነንሕድሕዶም ዝተጓዕዙ”

ክርስቶስ ልብና ስዒሩ እዩ

ኣብ ግብረ ሰናይ ዝነበሮም ሓድነት ብመንፈስ ቅዱስ ዝተሰነደ ምዃኑን፡ ንሱ ድማ ናብ ርሑቕን ሰፊሕ ዓውዲ ዝለኣኾምን በዚ ድማ ዝያዳ ኣብ ነንሕድሕዶም ቀረባ ክኾኑ ከም ዘተኣሳሰሮም ገሊጾም። “ንኣዕሩኽቱ" ብሓደ መንፈስ ተመሪሖም ብኣሰር ክርስቶስ ብሓባር ኣብ ምጉዓዝ ሓደ መንገዲ ክስዕቡ ድማ ነገሮም።

ቅስነቶም ነቶም ተመሃሮ፥ ኣብ ሮማ ኣብ ዝጸንሕሉ ናይ ትምህርቲ ግዜ፡ ክርስቶስ ንሕይወቶም ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ኣብ ምክፋል ብዝበለጸ ክጥቀሙሉ ከም ዝግብኦም ድማ ኣተሓሳሲቦም፥ "ክርስቶስ ንዓኻትኩም መን ምዃኑ፡ ኣበይ ከም ዝተራኸብኩምዎ፡ ከመይ ጌሩ ንልብኹም ስዒሩ ንህይወትኩም ከም ዝጸሮ፡ ከምኡ'ውን ንእኡ ምስጋና እተቕርብሉን ከም ናትኩም ኣፍልጦ እትህቡሉን ዝተፈላለየ ትውፊታትኩም ንሓድሕድኩም ክትካፈልዎ ኣምላኽ ይጽውዓኩም።”

. . .  "ብመሰረት እትካፈልዎ ሕውነታዊ ተመኩሮ ብጌጋን ዘይምርድዳእን፡ ሓጢኣትን ጽልእን ዝተበላሸወ ሕሉፍ ታሪኽና፡ በብቑሩብ ክፍውስ ከም ዝኽእል እኣምን፡ ከም ብሓድሽ ከም ክፍሊ ኣካል ናይቲ 'ንቤተ-ክርስትያን ኣፍቂሩ ምእንታኣ ዝሐለፈ' ክርስቶስ ዝነበሮ ተኣማንነት ጌርካ ምርኣይ ዝብል መገዲ።"

ትንቢት ምጽዋት፡ ዘርኢ ሓድነት

ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያናት "ንውዳሴን ክብርን እግዚኣብሄር፡ እዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ብሓድሕድ ተቐባልን ሕውነታዊ ምክብባርን፡ ዘተን ምክፍፋልን፡ ትንቢት ውፉይ ግብረ ሰናይ ዘርኢ ሓድነትን ኮይነን ክረከባ ተስፋይ እዩ" ቢሎም፥ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ክርስትያናት፡ ከምኡ'ውን ንዓለም ረብሓ ምዃኑ ገሊጾም፥  "ሓድሽ ዘርኢ ሰላምን ሕብረትን ንምዕምባብ ኣዝዩ ዘድልይ እዩ።”

ቅዱስነቶም ነቶም ተመሃሮ ስለ ዝገበረዎ ምብጻሕ ብምምስጋንን "ንመሰረት ኣገዳሲ ዝኾነ መንፈሳውን ጉስነታውን መዳያት [ንመጽናዕቶም] ፈጺሞም ሸለል ከይበሉ፡ መጽናዕቶም ውጺታዊ ክኸውን" ብምትብባዕ መደረኦም ምስ ዛዘሙ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም፣ ብጸሎትኩም ድማ ተዘከሩኒ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 January 2024, 16:52