ድለ

2024.01.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ ትህኪት ዘይብልኩም ኩኑ፡ ሓደጋ ውሰዱ 2024.01.12 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ ትህኪት ዘይብልኩም ኩኑ፡ ሓደጋ ውሰዱ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፡ ትህኪት ዘይብልኩም ኩኑ፡ ሓደጋ ውሰዱ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ማሕበር ሞያውያን መንእሰያት ቶንዮሎ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ህይወት "ክውሃብ እምበር ክትዕብልሎን ክትቖጻጸሮን ኣይተዓደለን" ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህንጡያት ኩን፡ ውሕስነት ኣብ ዝህበኩም ልማዳዊ ምንባር ከይወደቕኩም ብድሆ ክይፈራሕኩም፡ ናይ ምግራም ስምዒትታኩም ድማ ፈጺምኩም ኣይተጥፍኡ። ቅዱሰንቶም ነዚ ዝበሉ ዕለት 12 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ማሕበር መንእሰያት ሞያውያን ቶንዮሎ ኣብ ዝተዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ንዝሳተፉ መንሰያት ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕድን ክኸውን እንከሎ፥ - ነቶም መንሰያት ኣብቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ሕቡራት ሃገራት እተካይዶ ዕዮታት ዝነብርዎ ኣገልግሎቶምን ተወፋይነቶምን ዘኪሮም ከም ዘመስገንዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

'ሓጺር ሓሳብ'

ፍራንቸስኮ እቶም መንሰያት ካብቲ ‘ርሑቕ ዘይጥምት ሓጺር ሓሳብ’ ክጥንቀቑ ብዝጽውዕ ምዕዳን መደረኦም ኣበጊሶም፥ ‘ሓጺር ሓሳብ’፡ “ብውሑዳት ገጸ ባህርያት ዝቖመ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ድማ ይበንን፤ ንላዕልን ንቕድሚትን ዘይጥምት፡ ኣብዝን ሕጅን ዝዕጸፍ ምጥማት . . . ንድሕሪት ተመሊሱ ንታሪኽ ካብ ዘይጥምት ሓሳብ” ተጠንቀቑ . . . ምስ ዝተሓላለኸ ሕይወትን ዓለምን ኣብ ዝገጥመሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ንጽቡቕ ናይ ካልኦትን ናይ ኩሎም ... መጻኢ ምጥማት ሓጺር ሓሳብ ናብ ሓፈሻውነትን ነቐፌታን፡ ናብ ምቕላልን ምዝምባዕን ክውንነት ዝድርኽ እዩ፡” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሓደጋታት፡ ዕረፍቲ ዘይምህላው፡ ምግራም

‘ሓጺር ሓሳብ’ ብኸመይ ክንቃወሞ ንኽእል? እንክብሉ ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፥ ህንጡይነትን፡ ስግኣትን ምግራምን ዝብሉ ሰለስተ መላታት መሰረት ገይሮም ምዕዳኖም ብምቕጻል፥

ነቶም መንእሰያት “ትሓልሙ ዶ?” . . . “ኣብ ሓሳብኩም፡ ኣብ ልብኹም ቅሳነት ኣሎ ድዩ? ዕረፍቲ ዘይብልኩም ዲኹም ወይስ ድሮ 'ጡረታ ዝወጹ' መንእሰያት ኢኹም? ኣይትረስዑ: ኣብ ዝለኻሉ ጉዳያት ንህንጡይነት ካብ ዝዕፍን ሕልሚ ረሓቑ፥ ህንጡይነትኩም ዘወዓውዕ ሕልምታት ይሃልኹም! ስግኣት ኣየፍርሕኩም . . . ብፈተናታት ምሕላፍ ኣየፍርሕኩም!”

 “ኣብ ሓደጋ እንተዘይኣእቲኻን እንተዘይኣቲናን መን ደኣ እዩ ነገራት ዝሕድስ?”

ኣብ መወዳእታ፡ “ምግራም” ከም ፈውሲ ጸረ ‘ሓጺር ሓሳብ’ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ “ናይ ምግራም ዓቕሚ ድየ ስኢነ ቢልኩም ንገዛእ ርእስኹም ሕተቱ!”

"መንእሰይ ናይ ምግራም ዓቕሚ ምስ ዝስእን፡ ምግራም ዓቕሚ ዘጥፍእ ሓደጋታት ከቢብዎ ስለ ዘሎ፡ ድሮ ጡረታ ዘወጸ ይኸውን ኣሎ!

ህይወት ክትወሃብ እያ ተፈጢራ

ኣስዒቦም “ህይወት ክትውሃብ እምበር ክትዕብልላን ክትዓቑራን ኣይኮነትን ዝተዓደለትና . . .

ዝምስጠካ ምድላይ፡ ካብ ልቢ ዝመጽእ ጸሎት፡ ዘነቓቕሓካን ካብ ልምሰት ዘበራብረካ ሕቶታት፡ ንኻልኦት እትህቦ ገጽ፡ ክጭበጥ ዘለዎ ሕልሚ፡ ነቶም ክምልሱ ዘይክእሉ ናይ ፍቕሪ ምልክት እዩ . . . ። ኣምላኽ ንዓለም ብናጻን ልግስን ፈጢርዋ፣ እዚ ድማ ካብቲ ዕዳጋውን - ‘ኣታዊ ክረክብ እሰርሕ ካብ ዝብል ስነ-መጐት ሓራ ዘውጽእ እዩ”

እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

13 January 2024, 16:56