ድለ

2024.01.11 Membri del Sodalizio "Facchini di Santa Rosa" da Viterbo 2024.01.11 Membri del Sodalizio "Facchini di Santa Rosa" da Viterbo  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ንምስባኽ ልጓም ዘይብሉ ፍቓድ ዘለዎም ቅዱሳን የድልይዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ኣባላት ኢጣልያውያን ማሕበር "ጸወርቲ ቅድስቲ ሮዛ " ተራኺቦም፣ ንክርስትያን ምእመናን ከኣ ካብ ኮረሻ ወሪዶም ወንጌል ክርስቶስ ንምስፍሕፋሕ ክዓዩ ኣተባብዕዎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ሎሚ እውን እንተ ዀነ ቅዱሳን የድልዩና ኣለዉ- እዚአቶም ከአ ብምቾት ዘይተታሕዙ አብ ሳሎን ጠንቀላዕላዕ ዘይብሉ ግን ከኣ ንወንጌል ንምባርን ንምስባኽን ብርቱዕ ዘይዕገት ባህጊ ዘለዎም ብውዕዉዕ ስምዒት ቅድስና ዘመሓላልፉ ሰባት ኢዮም።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 11 ጥሪ ምስቶም "ጸወርቲ ቅድስቲ ሮዛ" ተባሂሎም ምዝተሰምዩ ማሕበር አብ ዝተራኸቡሉ ዘቕረቡሎም ጻውዒት ኢዩ ዝነበረ ።

እቲ ኣብ ማእከላይ ኢጣልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ቪተርቦ እተመስረተ ማሕበር፣ ንቅድስቲ ሮዛ ዘቪተርቦ እተወፈየ ኢጣልያዊ ማሕበር ኢዩ፣ ብ1978 እኳ እንተ ተመስረተ ዝያዳ ጥንታዊ ውርሻ ግን ዘለዎ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝለገሱሎም ሰላምታን ቃለ ምዕዳንን፣ እዚ መካነ ሕውነት እዚ ኣብ መንፈሳዊ ውርሻ ቅድስቲ ሮዛ እተመስረተ ምዃኑ ገለጹ፣ ቅርያት እዛ ቅድስቲ እዚአ ኸኣ ብትእዛዝ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሌክሳንደር ራብዓይ ናብቲ ሕጂ ብስማ እተሰምየ ቤተ መቕደስ ብ1258 ከም ዝገዓዘ ኣመልኪቶም ።

"መበቈል ታሪኽኩም ናብቲ ቕዱሳን ኣብ ቪተርቦ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዘመን ኢዩ ዝመልሰና፣ ኣብኡ ድማ ንብምልእታ እታ ኸተማ ብሓይልን ክርስቲያናዊ ህይወት እተነቃቕሕን ብመንፈሳውነት ከም ዝለኣዓሉ ክትገብሮም ዘኽኣላ ሓያል ተመስጦኣዊ ተመክሮ ኣሕሊፋ ኢያ" በልዎም።

'ብመንፈስ ቅዱስ እተነቃቕሑ' ቅዱሳን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወ ቅድስቲ ሮዛ እንከስተንትኑ፣ ቅድስቲ ሮዛ (1233-1251) ገና ብንእስነታ እንከላ ኣብ ፍጹም ምናኔን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ክትነብር ከም ዝወፈየት ገለጹ።

ቅዱስ አቦና ከም ዝገለጽዎ ንብዙሓት ተቐማጦ እታ በቲ ግዜ እዚ ክፍሊ ጳጳሳዊ ግዝኣት ዝነብረት ቪተርቦ ንኢየሱስ ብዝያዳ ኸም ዜፍቅርዎ ገበረቶም፣ ብሰንኪ እቲ ንሰበ ስልጣን ናይቲ ኸባቢ ዘሸገሮም ዝነበረ ስብከታ ምስ ስድራ ቤታ ተሓዪራ እያ።

"ብመንፈስ ቅዱስ ኣዝያ ስለ እተተንከፈት ውሽጣዊ ተመክሮኣ ኽሕባእ ኣይከኣለን፣ የግዳስ ከምቲ ብርሃን ንቤት ዘብርሆ ደሚቓ ክትብርህ ከአለት ክንብል ንኽእል ኢና" በሉ ቅዱስነቶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብነታ ነቶም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን ምእመና ውን ከም ሓደ ጻውዒት ገይሮም ኣቕረቡሎም ።

ሓድነት አብ መካነ ሕውነት

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቶ ኣባላ መካነ ሕውነት "ጸወርቲ ቅድስቲ ሮዛን"  ከምኡውን ናብቲ 30 ሜተር ዝቝመቱ ምስሊ ናይታ ቅድስቲ ዘለዎ "ተድባብ" ናይ ምስካም ልምዶም ምልስ ብምባል መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም ።

"ንብምልእታ እታ ኸተማ ብመንፈሳውነት ዘለዓዕላን ካብ መላእ ዓለም ንዝመጹ ብዙሓት ነጋድያንን በጻሕትን መስተንክር ዝኾነ መስሕብ ዘለዎ ምልክት ኢዩ" በልዎም።

ካብ 2013 ኣትሒዙ እዚ ተድባብ ቅድስቲ ሮዛ ብዩኔስኮ ባህላዊ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም "ዘይትንከፍ ውርሻ ደቂ ሰብ" ኮይኑ ክዕቀብ ጸኒሑ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ መልእኽቲ እዚ ምስሊ ቅድስቲ ሮዛ ናይ ምጻር ዕማም ካብ ባህላዊ ኩነት ንላዕሊ ምዃኑ ገለጹ ።

"እዚ እምበኣር እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኢዩ - ወንጌል ብቅድስቲ ሮዛ ኣቢሉ ምስፍሕፋሕን ንምግላጽ ዝዓለመ ኢዩ፣ ነዚ ድማ ብሓድነትን ብድርገትን ሕውነትን ንምግባር ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱ 'ብእምነት ንምብርታዕን ከምኡውን ‘ብፍቓድን' 'ብኣኽብሮትን ብትሕትናን' ንምንባር ኢዩ ክኸውን ዝለዎ" በልዎም።

ኣብ ህይወት ብሓባር ምዕያይ

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መንፈሳዊ ዑደታት ልክዕ ከምቲ ህይወትና ንበይናን ክንብሮ ዘይከአል ንበይንና ክፍጸም ዘይክእል ዓበይ መንፈሳዊ ተግባር ምዃኑ ኣዘኻኸርዎም ።

ነቶም "ጸወርቲ ቅድስቲ ሮዛ " ንልምድን መንፈሳዊ ውርሻን ቅድስቲ ሮዝ ዘቪተርቦ ህያው ገይሮም ክሕዝዎ ድማ ኣተባብዖም ።

"ስለቲ ዝገበርኩምዎ ኣገልግሎታትኩም አመስግነኩም፣ ነቲ ኣብ ህይወት ሰባት ብፍላይ ከኣ ነቶም ዝያዳ ስኡናት ብጭቡጥ መገዲ እትገብርዎ ብዙሕ ደገፍን፣ ባህላውን መፈሳውን ስነ-ምግባራዊ ንጥፈታትኩምን ድማ አመስግነኩም" በልዎም ።

12 January 2024, 16:42