ድለ

2024.01.07 Angelus 2024.01.07 Angelus  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ምእትንቲ እቶም እተጨውዩን ብባህርያዊ ሓደጋታት እተጠቕዑን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቶም ኣብ ኮሎምብያ እተጨውዩ ሰባት ክፍትሑ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ። ምእንቲ እቶም ብብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ እተጐድኡ ተቐማጦ ሪፓብሊካዊት ኮንጎ ጸሎት ኣዕሪጎም ምስአቶም ዘለዎም ቅርበት ውን ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 07 ጥሪ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘቅረብዎ ምሕጽንታ፣ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን "ኵሎም እቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኮሎምብያ እተጨውዩ ሰባት ብዘይ ቅድመ ዅነት ናጻ ንኽወጹ" ንጸሊ ክብሉ ተማሕጸንዎም ።

ቅዱስነቶም ወሲኾም ከም ዝገለጽዎ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግዴታ ዝኾነ ተግባር እዚ፣ ኣብታ ሃገር እቲአ ናይ ዕርቅን ሰላምን ሃዋህው ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ ድማ በሉ ።

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ሰላም ክግበር ኣጽኒዖም ተማሕጸኑ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ "ዩክረይን እስራኤልን ፍልስጥኤምን" ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ካልእ ግጭታት ከቋርጽ ጻውዒት አቕረቡ ።

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ህዝቢ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘለዎም ጥቡቅ ርክብ ብምግላጽ፣ ነቲ ኣብታ ሃገር ብሰንኪ ምዕልቕላቕ ማይ ዘጋጠመ ሞት 300 ሰባት ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ገሊጾም ። ወግዓዊ ጸብጻባት ከም ዚሕብሮ ብሰንኪ ሕጽረት መግብን ጽሩይ ማይን ሓደጋ ለብዒ ኼጋጥም ከምዝኽእል ይሕብሩ ፣ ልዕሊ 43,750 ኣባይቲ ከአ ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ ዓንዮም ይርከቡ አለዉ ።

በዓል ልደት ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንኣባላት ኣብያተ-ክርስትያን ምብራቕ ነቶም ጁልያን ዓውደ አዋርሕ ንዝኽተሉ "ብሓጐስ ዝመልኦ መንፈስ ሕውነት ዝለዎ በዓል ልደት" ይግበረልኩም ክብሉ ሰናይ ምንዮቶም ገለጹሎም ።

08 January 2024, 15:28