ድለ

2024.01.14 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ዘይስሩዕ መጻምድቲ፡ "ጎይታ  ንኹሉ . . .  ይባርኽ!" 2024.01.14 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ዘይስሩዕ መጻምድቲ፡ "ጎይታ ንኹሉ . . . ይባርኽ!" 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ብዛዕባ ዘይስሩዕ መጻምድቲ፡ "ጎይታ ንኹሉ . . . ይባርኽ!"

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኩነታት ኣየር ከመይ ይመስል ብዝብል ኣርስቲ ኣብ ዝምራሕ ናይ ኢጣልያ መደብ ተለቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ኲናትን ሓደጋታቱን ምብራኹ ከም ዘሰክፍን ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ሓላፍነቶም ብፍቓዶም ክለቁ መደብ ከም ዘይብሎም የነጽሩ። ናብ ፖሊነዥያን ናብ ኣርጀንቲናን ሓዋርያዊ ጉዕዞታት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎምን ከም እውን ብዛዕባ ኣዋጅ ‘ስኢል ተኣምኖ”፡ ኣብ ዝምልከት ሕቶ ድማ “ጐይታ ንኹሉ ይባርኽ . . . ንኹሉ ሰብ! እንክብሉ ይምልሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቡራኬ ንኹሉ፡ ዋላ “ንዘይስሩዕ - ዘይንቡር" መጻምድቲ፡ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ "ንኹሉ ዝባርኾ እንክብሉ ሓልዮትን ቡራኬን ኣምላኽ ንኹሉ ምዃኑ የብርሁ፡ ኣስዒቦም ብዛዕባ ህልው ኲነታት ዓለም ኣመልኪቶም ወተሃደራዊ ምዕባለን ካብ ህይወትን ወጅህን ህጻናት ፍሽኽታ ዝምንዝዕ ገበን ኲናትን፤ ካብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ክለቁ ሓሳብ ከምዘይብሎም ኣረጋጊጾም፡ ክልተ ሓዋርያዊ መገሻታት ከካይዱ መደብ ከምዘለዎምን እቲ ቀዳማይ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ፖሊነዥያ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ ናብ ትውልዲ ሃገሮም ኣርጀንቲና ምዃኑ የበስሩ።

ፍራንቸስኮ ነዚ መልሲ እዚ ዝሃቡ ኣብቲ ሰንበት ዕለት 14 ጥሪ ኣብ ዝተመሓላለፈ ኩነታት ኣየር ከመይ ይመስል ኣብ ዘርስቱ መደብ ተለቪዥን ኢጣሊያ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር “ስኢል ተኣምኖ” ዝርእስቱ ኣዋጅ፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ሓዊሱ ኣብ "ዘይስሩዕ" ኩነታት ንዝርከቡ መጻምድቲ ቡራኬ ናይ ምሃብ ተኽእሎ ዝኸፍት ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ ዘስዓበን ሰነድ ኣማእኪሎም እውን መልሲ ይህቡ።

"እግዚኣብሄር ንኹሉ፡ ንኹሉ፡ ንኹሉ ይባርኽ" እንክብሉ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡ “ነዞም ሰባት ብኢድና ክንሕዞም ይግብኣና፣ ካብ መጀመርታ ብዕሙት ክንኩንኖም የብልናን።” እዚ "ናይ ቤተክርስትያን ጉስነት ዕዮ ምዃኑ ድማ ኣብሪሆም፡ ነቶም "ንኹሉ ይቕረ ክብሉ" ንዝተጸውዑ ኣበ ነፍሳትን ኣናዘዝቲ ካህናትን "ኣገዳሲ" ዕማም እዩ ይብሉ።

ቅዱስነቶም ባዕሎም - ኣብ 54 ዓመታት ክህነቶም - "ብሰንኪ ምስሉይነት ሓንሳብ ጥራይ ምሕረት ከም ዘይሃቡ ይዝክሩ። ጐይታ “ብሓጢኣትና ኣይሰዓርን እዩ፣ ምኽንያቱ ኣቦ ስለዝኾነ፣ የሰንየና እዩ” ቢሎም ሲኦል ባዶ ክኸውን ይኽእል ዝብል ተስፋኦም ድማ ይገልጹ።

ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብዚ ኣዋርሕ ግጭት ማእከላይ ምብራቕን ኣብዚ ዓመታት ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ካልእ ኩሉ ኣብ ዓለም ዝረአ ኩናት ደጊሞም ይኹንኑ።

"ሰላም ምፍጣር ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን፡ ኲናት እቲ ዝዛየደ ሓደገይና ጉዳይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ካብ ዩክሬን ዝመጹ ልኡካት ህጻናት ዘካየድዎ ርክብ እውን ዘኪሮም። “ዋላ ሓደ ካብኣቶም ፍሽኽ ዝብል ኣይነበረን . . . ህጻናት ብባህርይኦም ፍሽኽታ ዘለዎም እዮም። . . . ንሳቶም ግን እዚ ፍሽኽታ እዚ ኣብ ገጾም ኣይነበሮምን። በቲ ዘሎ ኩናት ምኽንያት ከመይ ጌርካ ፍሽኽ ከም እትብል ዝረስዕዎ ይመስሉ፡ ሓደ ቆልዓ ባህርያዊ ፍሽኽታኡ ክርስዕ ምብግባር ዓቢይ ገበን እዩ። እዚ ውግእ ዘስዕቦ ዘሎ መጉዳእቲ እዩ፥ ናይ ምሕላም ተኽሎታቶም ዘብርስ ተግባር።”

ጳጳስ ሮማ ኣስዒቦም "ብድሕሪ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ውግኣት ንግዲ ኣጽዋር ኣሎ" . . . ብዛዕባ ምስፋሕ እቲ ግጭት ዘለዎም ስግኣት እውን ኣካፊሎም፡ "ወተሃደራዊ ግፍዕታት የፍርሓኒ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ኣብ ዓለም እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ከመይ ጌርና ኢና ደው እነብሎ? ኣቶሚክ ኣጽዋር፡ ንኹሉ ዘጥፍእ. ኣጽዋር እናሓሰቡ ። ከመይ ጌርና ኢና እነወግዶ"። መርከብ ኖህ ዘድልይ ከይከውን የፍርሓኒ እዚ የፍርሓኒ: እቲ ሎሚ ወዲ ሰብ ዘለዎ ናይ ነብሲ ምጥፋእ ዓቕሚ ብሓቂ የፍርሓኒ”

ኣብቲ ቃለ መሕትት ቅዱሰነቶም ኣብ መንጎ ቱኒዝያን ሊብያን ኣብ ዝርከብ በረኻ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን ዝሰኣነ ካሜሩናዊ መንእሰይ ፓቶ ዝተባህለ ስደተይና ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝተራኸብዎ ይዝክሩ።

"እዞም ስደተይናታት ካብ ገዝኦም ወጺኦም ክሳብ ኣብዚ ኤውሮጳ ዝበጽሑ ዘጋጥሞም ኣተሓሕዛ ብዙሕ ጭካነ ዘለዎ እዩ ዝመስል። . . . "ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱን ሃገሩን ክጸንሕ ወይ ክስደድ መሰል ኣለዎ።" ኣስዒቦም "ጸገም ስደተይናታት ንስደት ዝዳርጎም ዘጓንፎም ምዝመዛን ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታትን ማፍያታትን ንምውጋድን" ዝሕግዝ "ንጹርን ስናይ ኣመለኻኽታ ዘለዎ ጉዳይ ስደተይና ዝምልከት ስርዓትን ሕግን ክህሉ ድማ ጻውዒት የቕርቡ።

ፍራንቸስኮ ካብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብቲ ናይ ተኸታል ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ብፍቓዶም ክትልቁ መደብ ኣለኩምዶ? ንዝብል ሕቶ "ሓሳብ ይኹን ስክፍታ ወይ ድሌት የብለይን - ቢሎም - . . . ይኣኽለኒ ናይ ምባል ተኽሎ ክፉት እዩ፣ ሕጂ ግን ኣብ ማእከል ሓሳባተይ የሎን ስክፍታታተይን፣ ስምዒተይን እውን ኣይኮነን።" እንክብሉ ይምልሱ።

ቀጺሎም ቅዱሰንቶ ኣስዒቦም ብዛዕባ መስርሕ መገሻታቶም ንዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፥ ክልተ መገሻታት ከም ዘለዎምን እቲ ሓደ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ሃገራት ፖሊነዥያ፡ እቲ ሓደ ድማ ናብ ትውልዲ ዓዶም ኣርጀንቲና፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ዘካይድዎ ምዃኑ ይሕብሩ።

15 January 2024, 15:21