ድለ

2024.01.15 ር.ሊጳ. ንተቕዋም መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ኣባላት ዕዮታትኩም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ 2024.01.15 ር.ሊጳ. ንተቕዋም መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ኣባላት ዕዮታትኩም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊጳ. ንተቕዋም መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ፥ ኣባላት ዕዮታትኩም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ካብ ዝመስረት መበል 100 ዓመት ዘቑጽር ናይ ዘሎ ፍራንቸስካኑም ተቕዋም ስነ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ምኽንያት ንኣባላት እቲ ተቕዋም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ቅዱስ መጽሓፍ ምስ ምርምር ስነ ጥንታዊ ኣብ ምውህሃድ ዝገብርዎ ውዕዉዕ ስራሕ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ጥሪ ንኣባላት ፍራንቸስካኑም ተቕዋም ስነ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይቲ መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ ዘብዕል ዘሎ ታሪኻዊ ተቕዋም ስነ መጽናዕቲ ቅዱስ መጽሓፍ ገለ ጎድንታቱ የዘኻኽሩ።

ቅዱስ ቅዱሳት መጻሕፍትን ስነ-ጥንታዊ ምርምርን

እቲ ቀዳማይ እቲ ተቕዋም "ምስ ቤተ መጻሕፍቱን ቤተ መዘክክሩን፡ ንኣገደስቲ ስነ ጥንታዊ መጽናዕትታት ድርኺት ምሃቡን እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት፡ ንናይ ስነ ጥንቲ ምርምርን ታሪኻዊ ጥንታዊ ቦታታት መጽናዕትታትን ክቡር ርኽበታት ንኽህሉ ኣብ ምግባር ዓቢይ ኣበርክቶ ሂቡን ይቕጽል እውን ኣሎ . . .  እዚ ሓቂ እዩ፡ "በዚ ምኽንያት እዚ እውን ኣብቲ ምስ ቅዱስ መጽሓፍ ፍልዩ ርክብ ኣብ ዘለዎ ቅዱስ ቦታታትን ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ብምዃኑ ፍልይ የብሎ - ቢሎም - እቶም ኣባላት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ዘለዎም ፍቕሪ "ኣብ ተመሳሳሊ ፍቓድ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝተመስረተ" ምዃኑ ኣስተብሂሎም።

ኣቀራርባ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ

ቅዱስ ቦናቨንቸር ዘባኞረጅዮ ኣብ ጽሑፋት ከም ዘዘካኽሮ ውህበት ቃል ኣምላኽ ንምቕባል "ብገርሀይና እምነት ናብ ኣቦ ብርሃን ምቕራብን ብትሑት ልቢ ምጽላይን" የድሊ ዝበሎ ጠቒሶም፡ እግዚኣብሔር ብወልድን ብመንፈስ ቅዱስን ኣቢሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ፍልጠት ይህበናን፡ ምስ ፍልጠት ድማ ፍቕሪ ይጽግወና።

ኣብዚ መበል ሚእቲ ዓመት ዝኽሪ እቲ ናይ ስነ መጽናዕቲ ቅዱስ  መጽሓፍ እንዝክረሉ እዋን፥ "ነቲ ቅዱስ ቦናቨንቸር ዘባኞረጂዮ ዝገልጸልና ዓይነት ኣቀራርባ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከይተጥፍኡ ሓደራ” ምስ በሉ፥ ዅሎም እቶም ኣብኡ እተኣከቡ ቃሉ ክሰምዑን ኣጸቢቖም ክፈልጡን "ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ምስትውዓል ዝመልኦን ስምዒት ዘለዓዕልን ዕዮኹም ክቡር ኢዩ" ከም ዝበሉን፥

ጸሎት ምንቲ ቅድስቲ መሬት

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እታ ተቕዋም ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከበላ ቅድስቲ መሬት እናሓሰቡ፥ እቲ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዘሎ ዘሕዝን ፍጻመ ምእንቲ ኸቋርጽ ክንጽልን ከይተሓለልና ሰናይ ስጉምትታት ኽንወስድን" ቅድሚ ምሕታቶም "እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ቅድስቲ መሬትን ኣብኣ ዝነብሩ ህዝብታትን ንዓና ዝትንክፈናን ዘሳቕየናን ኢዩ" ቢሎም ምንቲ ቅድስቲ መሬት ኩሉ ክጽሊ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 January 2024, 15:52