ድለ

Christmas Day celebrations in Bangalore Christmas Day celebrations in Bangalore  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ንምርጫ ርእሲ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ኣጽዲቖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንቆነናዊ ምርጫ ሊቀጳጳሳት ብፁዕ ኣቡን ራፋኤል ታቲል ከም ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ኤጳእቅና ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ ናይ መላእ ሥርዓተ ሲሮ-ማላባር እትኽተል ቤተክርስቲያን ኣጽዲቕም ። ማር ራፋኤል ንብፁዕ ካርዲናል ጆርጅ ኣለንቸሪ ተኪኦም ሓለቓ ናይ ርእሰ ምሕድርቲ ሲሮ-ማላባር ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክኾኖ ኢዮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንብፁዕ ሊቀጳጳሳት ራፋኤል ታቲል ጳጳስ ሻምሻባድ ዓቢይ-ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ርእሰ ኤጳእቅናታት ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ (ህንዲ) ከምኡውን "ኣቦን ርእስን እዛ ፍቕርቲ ርእሰ ምሕድርቲ ቤተ-ክርስትያኖም "  ኮይኖም ንዝተመርጹሉ መዝነት ኣረጋገጹሎም ።

ሓንቲ "ርእሰ ምሕድርቲ ቤተክርስቲያን" (ብቋንቋ ላቲን  “ናይ ገዛእ ርእሳ ሕጊ ዝለዋ”) እትበሃል ቤተ-ክርስትያን "ናይ ክርስትያናዊ እምነት ማሕበር ኮይና፣ ብመሰረት ሕጊ ቆነና ኣብ ትሕቲ ስልጣን ሓደ መራሒ ሓድነት ዘለዋን በቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ቤተ-ክርስትያን ከም ሱዊ ዩሪስ ቤተክርስቲያን ተባሂላ ብንጹር ወይ ብስቕታ ኣፍልጦ ዝረኸበት ርእሰ ምሕድርቲ ቤተክርስቲያን ኢያ። (CCEO, 27)

ማር ራፋኤል ታቲል በቲ ኣብ ህንዲ ኣብ ዚርከብ ደብረ ቅዱስ ቶማስ ዝተጋብኡ ቀዋሚ ሲኖዶስ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ተመሪጾም ። ድሕር’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብመሰረት ሕገ ቀኖና ዘምስራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያን ዓንቀስ 153 (CCEO) ነዚ ምርጫ ኣጽደቕዎ ።

ሱዊ ዩሪስ ዝበሃላ ኣብያተ-ክርስትያን ናይ ገዛእ ርእሰን ሥስርዓተ ሊጢርጊያውን፣ ሥነ መለኮታውን፣ መንፈሳውን ስነ-ሥርዓታዊ ሓልዮትን፣ ባህልን ታሪኽን ዝውንና ኢያተን ። ከምዚኣተን ዝኣመሰላ ኣብያተ-ክርስትያን ምስቶም ናይ ሮማ ጳጳስ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብሓድነትን ኣብ ትሕቲ እቲ ዝለዓለ ስልጣንን ኰይነን ከም እርሰ ምሕዱራት መጠን ርእሰን ክኢለን ዝቆማ ኣብያተ ክርስቲያን ኢያተን ።

ጸሎት ምእንቲ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ማር ራፋኤል ንምርጫኦም ከጽድቑሎም ንዘቕረብዎ መሕትት መልሲ ንምሃብ ኣብ ዝጸሓፉሎም ደብዳበ - "ነቲ ዝሓተትኩምዎ መረጋገጺ ብፍታወይ ክህበኩምን ኣብ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎኒ ናይ ሕውነት ሰናይ ትምኒተይን ክገልጸልኩም እፈቱ ።" ክብሉ መለሱሎም ።

ቅዱስ አቦና ኣስዕብ ኣቢሎም ንማር ራፋኤል ነቲ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣቦታት ዝገደፉሎም ኣብነት ብምስዓብ "ነቶም ሕጂ ብሕድሪ እተቀበልዎም መጓሰ ብልግስን ፍረ ብዘለዎ ኣገልግሎትን ክጓስዩን" ከምኡውን "ንድኻታትን ንስኡናትን ኪዝክሩ" ኣተባብዕዎም።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም "መንፈስ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኣቡነ [ማር ራፋኤል] ንሓድነትን ተኣማንነትን ተልእኾን ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ምእንቲ ኽዕብን ክዓምብብን ከደልድሎን ጸሎተይ ኢዩ" ብምባል ጸለዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምርጫ ማር ራፋኤል ድሕሪ ምጽዳቖም ካብ ሃገረ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ከም ዝመልክቶ፣ ማር ቦስኮ ፑተር ብተወሳኺ ኣገዳሲ ምድላዋት ክሳዕ ዚግበር ብምሉእ ፍቓድ ቅድስቲ መንበር  ከም ሓዋርያዊ መስተናብር ናይ ርእሰ ኤጳእቅናታት ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ ኰይኖም ኸም ዚቕጽሉ ተገሊጹ አሎ ።

ናይ ቢቲቱድ ራፋኤል ታቲል ስርዓተ - ትምህርቲ

ማር ራፋኤል ታቲል ብ21 ሚያዝያ 1956 ኣብ ትሪኩር (ትሪሱር) ህንዲ ተወልደ ። ኣብ ቫዳቫቶር ኣብ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ድሕሪ ምእታው ፣ ካብቲ ኣብ ሮማ ካብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ተቅዋም ዘምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ብሕገ ቀኖና ዘምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ሊቅነት መዓርግ ተቐበሉ ። ቋንቋ ማላያላምን እንግሊዝን ኣጸቢቖም ዝመልኩ፣ ቋንቋ ጣልያንን ጀርመንን ከኣ ዝዛረቡ ኢዮም ።

ብ21 ታሕሳስ 1980 መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣ ኣብ ኣራናቱካራ ድማ ተራዳኢ ቪካር ኮይኖም ተመዘዙ  (1981)፣ ሓለቓ ናይ ንኡስ ዘርኣ ክህነት (1982)፣ ምክትል ዋና ጸሓፊ ናይ ኤጳእቅና (1988) ፣ ምክትል ኣመሓዳሪ ንኡስ ዘርአ ክህነተ (1991)፣ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ኤጳርቅናዊ ማእከል ቅዱስ መጽሓፍ ትምህርተ ክርስቶስን ሊቱርጊያን (1992-1995)፣ ዋና ጸሓፍን ዳኛ ናይ ኤጳእቅናዊ መንፈሳዊ ቤትፍርድን (1995-2000) ፣ ቀዳማይ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ዘርኣ ክህነት ሜሪ ማታ (1998-2007) - ኣብ ዕቤት እቲ ዓብዪ ዘርኣ ክህነተንትን ዝገበርዎ ኣበርክቶምን፣ ከም ዓቃቤ መንበር ናይ ርእሰ ኤጳርቅናታት ትሪኩር (2007-2010) ኮይኖም አገልገሉ ።

ብ18 ጥሪ 2010 ብሲኖዶስ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር  ከም ተራዳኢ ጳጳስ ናይ ርእሰ ኤጳርቅናታት ትሪኩር ኰይምኖም ተመዙ፣ ብ10 ሚያዝያ 2010 ድማ ቅብአተ ጵጵስና ተቐበሉ ። ብ23 ታሕሳስ 2013 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይቶም ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ ኣብ ህንዲ ንዝነብሩ ምእመናን ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ሓዋርያዊ በጻሒ ገይሮም ተመዙ ።

ብ10 ጥቅምቲ 2017 ኤጳእቅና ሻምሻባድ ምስ ተመስረተ ናይ መጀመርታ ኤጳርቃ ኰይኖም መንበር ተቐበሉ።

ብ9 ጥሪ 2024 ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳት ኰይኖም ተመርጹ፣ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ሲኖዶሳዊ ምርጫኦም ኣጽደቁሎም ።

 

11 January 2024, 13:28