ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲና ን16 ሕጻናት ምስጢረ ጥምቀት ሠሪዖም

ከምቲ ዝጸንሐ ልማድ ኣብ በዓል ጥምቀት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቤት ጸሎት ሲስቲና ን16 ሕጻናት ብሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ኣጠሚቆም ናብቲ ሓድሽ ናይ እምነት ህይወቶም ሓንጐፋይ ኢሎም ድማ ተቐበልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ በዓለ ጥምቀት ጐይታና ን16 ሕጻናት ኣጠሚቖም።

ቅዱስነቶም ኣብ ትሕቲ ቅብኣ ኣሳእል ቤተ-ጸሎት ሲስቲና፣ ነዞም 16 ህጻናት እዚኣቶም ነቲ ህያብ ጐይታና ዝኾነ እምነት ምስ አቐበልዎም፣ ቀጺሎም ቅዱስ አቦና እዞም ህጻናት እዚኣቶም ውን ብኸመይ ነዚ ህያብ እዚ ከም እንቕበሎ ስለ ዝምስክሩልና ቀለስቲ አካላት ናይዚ ሥርዓት እዚ ኢዮም ክብሉ ግለጽዎም ።

እዞም ሕጻናት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ይዛረቡሉ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ስቕ ኢሎም ብምንባሮም፣ ቅዱስነቶም ከምዚ በሉ "ነታ ቐዳመይቲ ምልክት ድምጺ ንምሃብ ሓደ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዘድሊ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ይጅምር"። ግን እዞም ህጻናት ክበኽዩ ነይርዎም ሓቀይ፣ "ይበኽዩ ግደፍዎም!"  በሉ ። እኳ ደአ "እንተ ጠምዮም መገብዎም" ። አብዛ ዕለተ በዓል እዚኣ ነቲ ህያብ እምነት ክቕበሉ ኣብ ዝሰናደውሉ ዝለዉ ውሳኔ ኢዮም ዝወስዱ ዝለዉ ድማ በልዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ሓቁ እኳ ደአስ፣ ንዓና እውን ኣብነት እምነት ኢዮም ዝኾኑና ዝለዉ ። እዚ ድማ "ንእምነትና ብኸመይ ብንጽህናን ብኽፉት ልብን ከም እንቕበል ኢዮም ዘርእዩና ዘለዉ።"

ድሕርዚ ቅዱስ ኣቦና ንነፍሲ ወከፍ ህጻን በብሓደ ብምጥማቕ ንነፍሲ ወከፎም ናብ ዝኣትውዎ ዝለዉ እምነት ሓንጐፋይ ኢሎም ተቐበልዎም ።

ኣስዒቦም ቅዱስ አቦና ምስቶም ንነፍስወከፍ ህጻንን ወለዶምን ዘሰንይዎም ንዝነበሩ ኣቦታትን አደታትን ጥምቐት እንክዛረቡ፣ ኣብ ሥነ መዕበያ እዞም ህጻናት እዚኣቶም ከሰንይዎምን ክሕግዝዎምን ፍቓደይናታት ምዃኖም ሓተትዎም፣ ከመይሲ እዚ እውን ንእምነት ዝሕግዙሉ መገዲ ክንዲ ዝኾነ ።" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም "ስለ ምስክርነትኩም አመስግነኩም" ድማ በልዎም።

ብድሕርዚ ቅዱስነቶም ነቶም ወለዲ ንዕለት ጥምቀት ነፍስወከፎም ከም "መዓልቲ ልደቶም" ገይሮም ኪርእይዋን ከኽብርዋን ኣተባብዕዋም ። ቅዱስነቶም እታ እምነት እተቐበልናላ መዓልቲ ክትከብር ዘለዋ መዓልቲ ከም ምዃና መጠን "ንደቅኹም ከምኡ ኽትምህርዎም ኣሎኩም" በልዎም ።

ኣብቲ እዋን ምስጢረ ጥምቀት ንነፍሲ ወከፍ ኣቦ በብሓደ ሽምዓ ከብርህ ተዋህቦ ። በዚ ኸምዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነዚ ሽምዓ እዚ ምሳኹም ናብ ቤትኩም ውሰድዎ ኢኹም" ክብሉ ኣተባብዕዎም። ኣስዒቦም ቅዱስ አቦና ነቶም ስድራቤታት ኣብ ግዜ ፈተና ናብዛ ሽምዓ ገጾም ክምለሱ ብምዕዳም "እዚ ፈጺሙ ክጠፍእ ዘይብሉ ክርስትያናዊ ብርሃን ኢዩ ዘመልክት" ድማ በልዎም ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ወለድን ኣቦን ኣደን ጥምቀት ብዝማሬ አብ ዝተሰነየ ሓዋህዎ መቝጸርያ ዓደልዎም፣  ምስ ቅዱስነቶም ውን እተወሰነ ቓላት ክለዋወጡ ከአሉ፣ ቅዱስ ኣቦና ውን ንነፍሲ ወከፍ ህጻን እናዞሩ ብምብራኽ ነቲ ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ዝተፈጸመሉ መደብ ዛዘምዎ።

09 January 2024, 16:21