ድለ

Israeli military operation on Gaza continues Israeli military operation on Gaza continues  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ነቶም ብውግእ ዚሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ዳግም ጸልዮምሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ኽግበረሉ ተማሕጸኑ፣ ኣምላኽ ኣብ ልቢ መራሕቲ ዓለም ዘርኢ ሰላም ክዘርእ ድማ ጸልዮም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ተምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ሰላም ንኽህሉ ምሕጽንታ እንደገና ኣቕሪቦም ።

ንነጋድያንን በጻሕትን ተዛረብቲ ቋንቋ ጣልያን ኣብ ዝለገስዎ ሰላምታን ቃል ምሕጽንታን፣ ቅዱስነቶም ምስቶም ነቲ ዜስካሕክሕ ውግእ ዝጾሩ ዘለዉ ህዝቢ ዘለዎም ቅርበትን ሓድነት ገለጹ።

"ምእንቲ እቶም ብጭካነ ዝፍተኑ ዝለዉ ፍቑራት ህዝቢ ዩክረይን ከምኡውን ምስቶም ኣብ ፍልስጥኤምን እስራኤልን ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለምን ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቅ ሰባት እንገብሮ ጸሎት ነሐድሶ" ክብሉ ተማሕጸኑ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኩሉ ሰብ ምእንቲ እተን ኣብ ውግእ ዘለዋ ሃገራት ክጽልዩ ኣባታዊ ጸውዒቶም አቕሪቦም ።

"ምእንቲ እዞም ንስቓያት ውግእ ዚጽመሙ ዘለዉ ንጸሊ፣ ኣብ ልቢ መራሕቲ ሃገራት ዘርኢ ሰላም ምእንቲ ኺዘርእ ከኣ ናብ ጐይታ ንጸሊ" በሉ።

ጳጳስ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ቕልውላው ይሻቐሉ ነበሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ሰላም ንኽግበር ዘቕርብዎ ዝለዉ ጻውዒት ወትሩ ምስ ህዝቢ አብ ዝገብርዎ ርክባት ዝውሩት ኣዝማች መደረታቶም ከም ዝገብረርዎ ዝዝከር ኢዩ ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ጕዳያት ዘለዎም ሻቕሎት ብዝርዝር ብምግላጽ ነቶም ናብ ቅድስቲ መንበር ተላኢኾም ከም ኣምባሳደራት ንዘገልግሉ ዘለዉ አካላት ዓመታዊ መደረ አብ ዘቕረብዎ ከም ዘመልከቱሎም ውን ዝዝከር ኢዩ ።

እቲ ኣብ ጋዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ከምኡውን እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሩስያ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦን ሻቕሎትን ዘድልዮ ዅነታት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ በጺሑ ከም ዘሎ ዘርኢ ኢዩ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ድማ ቅዱስነትም ነቲ "ኣዝዩ ብዙሕ ኣጽዋር" ናይ ምፍራይን ምዝርጋሕን ኩነት ኰነንዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ምሕጽንታኦም "እቲ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ምህርቲ ኣጽዋር ምኽዕባትን  ንኣጠቓቕማኦም ዘተባብዕን ምህርቶም የዛይዶምን እዩ " ድማ በሉ ። ቅዱስነቶም አብ መደምደምታ ኣጽዋር ጥርጣረ ዘሕድረልካን ንሃብቲ ዘዕኑን እዩ " በሉ።

10 January 2024, 16:59