ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ውግእ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን እዩ'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሉ ዓይነታት ውግእ "ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን ኢዩ!" ቢሎም ሰመይዎ፣ ሰባት ድማ በቲ ንዓመጻ ኣይፋል ዝብል ኣስተምህሮት ኣቢሎም ሰላም ብኸመይ ከም ዝምነዩ ኽመሃሩ ተማሕጺኖም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ውግእ ንባዕሉ ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን ኢዩ ። ደቅ ሰባት ሰላም የድልዮም አሎ ። ዓለም ሰላም የድልያ አሎ!" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ነጋድያንን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን ፣ ውግእ ኣብ ዓለም ኬብቅዕ ጻውዒት ኣቕረቡ ።

"ኣብ መጀመርታ ናይዛ ሓዳስ ዓመት ሰላም ንምርካብ ሰናይ ምንዮትና ተለዋዊትና ኔርና፣ እንተ ኾነ ግና ኣጽዋርና ካብ ምቕታልን ምዕናውን ኣየቋረጸን ዘሎ" ብምባል ጓሂኦም ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውግእ "ንጸገማትና እንፈትሓሉ መገዲ ኸም ዘይኰነ" ምእንቲ ክግንዘቡ ምእንቲ እቶም "ኣብ ልዕሊ እዚ ዘሎ ግጭታት ስልጣን ዘለዎም ሰባት" ኪጽልዩ ንኹሉ ተማሕጺኖም።

ውግእ "ኣብ መንጎ ሰላማውያን ሰባት ሞት ይዘርእ ንኸተማታትን ንመሰረታዊ ህንጻታትን ድማ የዕኑ" በሉ ።

ውግእ ንባዕሉ ኣንጻር ደቅሰብ ዝፍጸም ገበን ምዃኑ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ክቡር ኣባ ኢብራሂም ፋልታስ ናይቲ ኣብ የሩሳሌም ዝርከብ ናይ ቅድስቲ መሬት ቅዱስ ውርሻታት ዓቃቢ ዝኾኑ፣ ኣብ ናይ ኢጣልያ ተሌቪዥን ዘቕረብዎ መልእኽቲ ክከታተልዎ ከም ዝጸንሑ ገለጹ ።

ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ፣ ኣባ ፋልታስ ኣብ መደረዖም "ንሰላም ምስልጣን " ኣድላዪ ምዃኑ ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ውን "ንሰላም ክንምህራ ኣሎና" በሉ። "ከምዚ እንርእዮ ዝሎና እንተ ደአ ኮይኑ፣ ከም ዝመስል ጌና ንዅሉ ውግእ ደው ንምባል እኹል ትምህርቲ ዝረኸብና ኣይንመስልን። እዚ ጸጋ እዚ ክወሃበና በጃኹም ንጸሊ፣ ንሰላም ክንመሃራ ኣሎና!" ድማ በሉ።

ምእንቲ እቶም ኣብ ኮሎምብያ ግዳያት ምህማም ምድሪ ዝኾኑ እተገብረ ጸሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእንቲ እቶም ኣብ ኮሎምብያ ብሰንኪ ምህማም ምድሪ ግዳያት ዝኾኑ 34 ሰባት ህይወቶም ብምስኣኖም ምእመናን ክጽልዩሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኮሎምብያ ብርቱዕ ዝናም ድሕሪ ምዝናቡ ዝሓለፈ ዓርቢ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ንኸተማታት ኲድቦን ሜደሊንን ዜራኽብ ጽርግያ ምህማም ምድሪ ኣጋጢሙ ። በቲ ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ ብዙሓት መራሕቲ ማካይን ብኸቢድ ቆሲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

መበል 100 መዓልቲ ውግእ ቃዛ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ውግእ እስራኤልን ሓማስን ንመበል 100 መዓልቲ ቀጺሉሉ ኣብዘሎ ኩነት ብምዝካር ውግእ ደው ንኽብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ዳግም ሓደስዎ ።

ብ7 ጥቅምቲ ወተሃደራት ጉጅለ ሓማስ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ብምእታው ንሓያሎ ሰፈራታትን ማሕበረሰብን መጥቃዕቲ ፈነዉ፣ 240 ዝኾኑ ሰባት ድማ ጅሆ ሒዞም ወሰዱ፣ ንኣስታት  1,200 ዝዀኑ ሰባት ድማ ቀተሉ ።

እስራኤል በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ጉጅለ ሓማስ ውግእ ኣወጀት፣ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወሽመጥ ቃዛ ዝነበሩ ወተሃደራት ከኣ መጠነ-ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ፈነወት።

ብመሰረት እቲ ኣብ ቃዛ ዚርከብ ክፍሊ ጥዕና ሓማስ ኣብቲ ስዒቡ ዝቐጸለ ውግእ ኣስታት ልዕሊ 23,000 ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ። እስራኤል ከም ዝገለጾቶ ድማ ኣብታ ሃገር ኣስታት 8,000 ወተሓደራት ሓማስ ከም እተቐትሉ ኢያ እትሕብር ።

15 January 2024, 16:12