ድለ

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ርሑስ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮትን ሰላምታን ንምልውዋጥ ዕለት 8 ጥሪ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ንዓለም ዘዕኑ ዘሎ ግጭታትን ምፍልላይያትን ኣስተንቲኖም ሰላም ንምዕባይ ውልቀሰባትን ኣህዛብን ዘለዎም ሓላፍነት የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት “ስድራ ቤት ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት” ብዝብል ስም ገሊጾም፡ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምስ በሉ፡ ንልኡካነ መንግስታት ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ነፍሲ ወከፍ ሃገራቶምን ዘሎ ሰናይ ዝምድና ንምሕብሓብ ንዝገበርዎ ጻዕሪ  ኣመስጊኖም “ገበርቲ ሰላም ብጹኣን እዮም” እንክብሉ ብምዝኽካር ሰላም ኣብ ምሕናጽ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን የዘካኽሩ።

ብኡንብኡ ድማ ቅዱስነቶም ኣብቲ ሰላም ኣብ ዝብል ቀንዲ ቅዉም ነገር ብምትኳር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሰላም ውህበት ኣምላኽ እዩ። ንሱ እዩ ሰላሙ ዝሓደገልና። "እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ኩላትና ዝወረደ ሓላፍነት እውን እዩ” ቢሎም፡ ብዛዕባ እቲ ብዓለም ደረጃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት ዘለዎም ዓሚቝ ስክፍታ ብምግላጽ፡ እዚ ህሉው ኩነታት እዚ "በብቑሩብ እናተፈናጀረ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም" ፍሉያት ስነ ፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መልክኣ ምድሪ ቅልውላዋት ዝገልጽ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እስራኤልን ፍልስጤምን

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብምዝካር፡ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮኒኖም . . . “ነዚ ተግባርን ንነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ ግብረሽበራን ጸንፈይናነትን ደጋጊሞም ይኹንኑ። እዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ዝፈትሓሉ መንገዲ ኣይኮነን፤ እቶም ክትዓት ዘጋደዱን ንኹሉ ሰብ ስቓይ ዘስዕቡን ጥራይ እዮም።”

ከምኡ’ውን ነቲ ስዒቡ ኣብ ቓዛ ምሉእ ኲናት ዘስዓበ ዝወሃብ ዘሎ ወተሃደራዊ ምላሽ ብምኹናን - ልዕሊ 22,000 ሰባት ተቐቲሎም ሚልዮናት ድማ ቆሲሎምን ተመዛቢሎምን - ኣብ ቓዛ ሓያል ወተሃደራዊ ምላሽ እስራኤል ዘበገሰ... ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ፍልስጤማውያን፡ ብቐንዱ ድማ ሞት ሰላማውያን፡ እንኮላይ ብዙሓት መንእሰያትን ህጻናትን ዝርከብዎ ዘስዓበ እዩ፡ ፍሉይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ክሕሰብ ዘይክእል መከራን ኣስዒቡ እዩ።”

በዚ ድማ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል፣ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ህዝቢ ፍልስጤም ሰብኣዊ ሓገዝ ክረክብን ጻውዒት የቕርቡ።

ብተወሳኺ “ክልተ ሃገራት ክልተ መንግስታትን” ዝብል ፍታሕ፡ ከምኡ’ውን “ንከተማ ኢየሩሳሌም ብዓለምለኻዊ ደረጃ ውሕስነት ዘለዎ ፍሉይ ዂኔታ፡ ነባሪ ሰላምን ጸጥታን ዝዓለመ ምዃኑ ደጊሞም የረጋግጹ።

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'

ሶርያ፡ ሊባኖስ፡ ሚያንማር

ር.ሊ.ጳ.፡ በቲ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብንጹር ዝተጸልወ ኣብ መላእ ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘየቋርጽ ምርግጋእ ኣልቦ ዝኾነ ኩነታት ስክፍታኦም ገሊጾም።

ብፍላይ ድማ ኣቓልቦኦም ናብቲ “ብዝሓለፈ ለካቲት ዘጋጠመ ርእደ መሬት ኣብ ዝገደደ ቁጠባውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋእ ኣብ ዝነብር ዘሎ” ህዝቢ ሶርያ ኣቕኒዖም፡ “ህዝቢ ሶርያ ብሰንኪ ኣህጉራዊ ማዕቅብ ድሕሪ ደጊም ክሳቐ የብሉን፡ እቶም ዝምልከቶም ወገናት ሃናጽን ዕቱብን ዘተ ክገብሩን ሓድሽ ፍታሕ ክደልዩን ክተባብዑን” ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ነቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ከም በዓል ዮርዳኖስን ሊባኖስን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሶርያውያን ስደተይናታት ዓሚቝ ጭንቀት ከም ዘሕድረሎምን፡” ኣብ ሚያንማር ዝርከቡ ሮሂንጋውያን ዘጋጠሞም ዘሎ ጸገም ካብ ምጥቃስ ሸለል ዘይብሉ፡ “ነታ መሬት ተስፋ ንምሃብን... ንመንእሰያታ ክቡር መጻኢ ንምውሓስን (...) ነቲ ሮሂንጋውያን ቀጻሊ ዘጋጥሞም ዘሎ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ሸለል ከይበሃልን ሓደራ” ይብሉ።

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'

ሩስያን ዩክሬንን፣ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ “እቲ እናተፈናጀረ ዝካየድ ሳልሳይ ኲናት ዓለም” ቢሎም ዝገልጽዎ ኩነታት ዓለም ደጊሞም ብምዝካር፡ ሩስያ ኣንጻር ዩክሬን ዘካየደቶ ዳርጋ ክልተ ዓመት ዘቝጽር ዘሎ ሰፊሕ ኲናት “ብዙሓት ግዳያትን ሰፊሕ ዕንወትን” ዘስዓበን ኩነታት ደቡብ ካውካሰስ ኣብ መንጎ ኣርመንያን... ኣዘርባጃን፡ ዝፈጥሮ መዓታዊ ኩነታት ስደተይናታትን እውን ገሊጾም ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት፡ ንኣህጉራዊ ሕግን ሃይማኖታዊ ብዙሕነትን ብምኽባር፡ ዘተ ክካየድ እምሕጸን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ትኹረት ኣብ ኣፍሪቃ

ፍራንቸስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ዞባ ትሕቲ ሰሃራ ዘጋጥም ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ሳዕቤናት ግብረሽበራ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ኣመልኪቶም፡ ኣብ ትግራይ ዝረኣዩ ግጭታት ንምፍታሕ ከም ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝኣመሰሉ ውዕላት ኣብ ምትግባር ዕቱብ ጻዕሪ ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዘሎ ወጥሪ መፍትሒ ክርከብሉ እሓትት ቢሎም፡ እቲ ኣብ ሱዳን ዝተፈጸመ ኲናትን ኣብ ልዕሊ ሚልዮናት ተመዛበልቲ ዘስዓቦ ንምእላዩ ዓመታት ዝሓትት ሳዕቤን ከምኡ’ውን ኣብ ካሜሩን፡ ሞዛምቢክ፡ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ስደተይናታት ዘጋጠሞም ጸገማትን ይዝክሩ።

ብድሆታት ኣብ ኣሜሪካ

ኣብ ኣመሪካ ክፉት ኲናት ከምዘየለ ኣሚኖም፡ ኣብ መንጎ ሓያሎ ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ከም በዓል ቬንዙዌላን ጋያናን ከቢድ ወጥሪ ከምዘሎ ኣጉሊሖም፣ ኣብ ከም በዓል ፔሩን ኒካራጓን ዝኣመሰሉ ቦታታት ንዝርከቡ ዲሞክራስያዊ ትካላት ዝጸሉ ዝርአ ፖለቲካዊ ምትፍናን ስክፍታኦም ገሊጾም።

”ኩነታት ኒካራጓ ገና ኣሸጋሪ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ: ንሕብረተሰብ ኒካራጓ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘሕምም ሳዕቤን ዘለዎ ነዊሕ ቅልውላው” እንክብሉ ገሊጾም ቅድስቲ መንበር “ንረብሓ ካቶሊካውያን ንብምሉኡ ህዝቢ ክቡር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዘተ ንምትብባዕ ዝኣተወቶ ቃል ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዝተበታተኸት ዓለምን ሰብኣዊ ገጻት ኲናትን

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እታ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ውልቀ-ሰባት ብሰንኪ ግጭታት ዝሳቐዩላ እናተበላሸወት እትኸይድ ዘላ ዓለም ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ንገጽ ደቅሰብ ናይ ምግላጽ ልሙድ ተግባር ከቢድ ምጥሓስ መንነት ጥራይ ዘይኰነስ ንምውጋዱ ጻዕሪ ዝሓትት ገበናት ውግእ ምዃኑ ብምግላጽ ዝርአ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ጥሕሰት ይኹንኑ።

ዘመናዊ ውግእ ኣብ ንጹር ዓውደ ውግእ ጥራይ ከም ዘይግበር ብምግላጽ፥ "ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ሰላማውያንን ዕላማታትን ዘሎ ፍልልይ ኣኽብሮት ኣብ ዘይወሃበሉ ኩነታት ብዘይ ኣፈላላይ ንሰላማዊ ህዝቢ ዘየጥቅዕ ግጭት የለን" ብምባል ጓሂኦም ምስ ገለጹ፥ "እቲ ኣብ ዩክረይንን ቓዛን ዘጋጠመ ፍጻመታት ነዚ ንጹር መርትዖ ኢዩ" ኢሎም።

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'

ምርጋፍ ጽዋርን ዓለማዊ ድሕነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ኣድላይነት ምርጋፍ ኣጽዋር ኣስሚሮም ብምግላጽ፣ ኣጽዋር መከላኸሊ ዝብል ክብሪ ከምዘይብሉን እንታይ ደኣ ንኣጠቓቕማኡ ዘተባብዕን ንግጭት ዝድርኽን ምዃኑ ኣረጋጊጾም። ወዲ ሰብ ንመሰረታዊ ጠንቅታት ግጭት ንምምካት ክሰርሕ ስለዘለዎ፡ "ነቶም ጸጋታት ኣብ ምድላይ ሓቀይና ዓለማዊ ድሕነት ምውፋር" ከም ዘድሊ ደጊሞም ብምግላጽ፡ "ሎሚ በቲ ነኣጽዋር ዝቐንዐ ጸጋታት ክንደይ ህይወት ንምድሓን ምተኻእለ?. “ብድሆታት ዘመንና ዶባት ሰግር እዩ፡ ከምቲ ካብቲ ንመጀመርታ ክፍለ ዘመን ዘመልክት ዝተፈላለየ ቅልውላዋት - መግቢ፡ ከባቢ፡ ቁጠባን ክንክን ጥዕናን - ንርእዮ ዘሎና እዩ። ኣብዚ ኣብ መወዳእታ ጥሜት ንምውጋድን ዘላቒ ምዕባለ መላእ መሬት ንምድንፋዕን ዓለማዊ መዋሊ ተቕዋም ክቐውም ዝብል እማመይ ደጊመ እገልጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ቅልውላው ከባብን ለውጢ ክሊማን

ካልእ ቅዱሰንቶም ከይጠቐስዎ ክሓልፍዎ ዘይደለዩ ሱር ጠንቂ ግጭት ዝኾነ “ብሓፈሻ ማሕበረሰብ ዓለም ሓዊሱ ብወገን ኩሉ ህጹጽ ምላሽን ምሉእ ተሳትፎን ዝሓትት” ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዘኪሮም፥ እቲ ኣብ ዱባይ ኣብ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐ ስምምዕ፡ "ወሳኒ ምቅልጣፍ መሰረት ናብ ስነ ምህዳር ምስግጋር'" ዝድርኽ ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ።

ስደትን ቅልውላው ማእከላይ ባሕርን

ነቶም ካብ መሬቶም ክሃድሙ ዝግደዱ ሰባት ክብርን ሓለዋን ክኽበር ከም ዘለዎ ዘተሓሳስብ ዕድል እዩ። “ወራር” ተባሂሉ ዝግለጽ ምስ ዝኸውን ግን፡ “ብቐሊሉ ልብና ክንዓጽዎ ይገብረና . . . እዚ ምዕጻው እዚ “ምስ ገጽን ኣስማትን ዘለዎም ሰባት ንራኸብ ከምዘለና ኣብ ምርሳዕ ዘቅላጠና ድማ ይኸውን ቢሎም እዚ ዘጒህይ ምዃኑ ኣመላኺቶም፥ ፡ ነቲ ፍሉይ ጸዋዕታ ናይቲ ‘ባሕርና’ (mare nostrum) ተባሂሉ ዝጸዋዕ መቓብር ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ህዝብታትን ባህልታትን ዝራኸበሉን ሀብትምን ቦታ ክነሱ ሸለል ንኽንብሎ ይድርኸና።

በዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና መሰልን ክብርን ውልቀሰባት እናኽበረ ስደት ዝቆጻጸር ሚዛናዊ ኣካይዳ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ንማእከላይ ባሕሪ ብዝምልከት፣ ናይ ስደተይናታት መካነ መቓብር ዘይኮነስ ብሓጎስ ተቕባል ሓለዋን ዝረኽብሉ ዝወሃሃድሉ “ቤተ ሙከራ ሰላም” ተገይሩ ክሕሰብ ናብ ዝብል ኣረኣእያ ለውጢ ክግበር ጸውዒት ኣቕሪቦም፡ "ብተመሳሳሊ ሰባት ኣብ ዓዶም ናይ ምዃን መሰልን ተዛማዲ ኣድላይነት ድማ ነዚ መሰል ብኣድማዒ መንገዲ ንምጥቃም ኩነታት ንምፍጣርን ክንጽዕር ኣለና" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'

ትምህርቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት፡ ዘተ

ፍራንቸስኮ ኣብ መወዳእታ እቲ ነዊሕን ኣዝዩ ንጹርን መደረኦም፡ ትምህርቲ ኣብ መጻኢ ወፍሪ ንምግባር ዝሕግዝ መሳርሒ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብፍላይ ኣብ ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሓደስቲ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት። ኣጠቓቕማ እደ ጥበባዊ ምዕባለታት ስነ-ምግባራውን ሓላፍነታውን ክኸውን ከምዘድሊ ብምዝራብ ኣገዳስነት ሰብኣዊ መሰላት ብምጉላሕ እውን ክኸውን ከም ዘለዎ የተባብዑ።

ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም ዝርአ ዘሎ ህልዩኣዊ መግዛእቲ “ናይ ሞት ባህሊ” ዘስዕብ ዝንባለቱን እውን ብምንቃፍ፡ ካብቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ህጻን ጀሚሩ ንህይወት ክብሪ ክወሃቦ  ከም ዝግባእ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከም መተካእታ ኣደነት ዝኣመሰሉ ተግባራት ድማ ምግሃስ ክብሪ ደቂ ሰባት እብንክብሉ ከም ዝነቐፉን

“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ህላወኡ፡ ህይወት ወዲ ሰብ ክዕቀብን ምክልኻል ክግበረሉን ኣለዎ፤ ኰይኑ ግና፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ብስም ናይ ሓሶት ርህራሄ ንቘልዑን ንኣረጋውያንን ንሕሙማትን ዚድርብየሉ ናይ ሞት ባህሉ ብቐሊሉ ዝርአ ዘሎ ምስፍሕ” የስተብህሉ።

ኣብ መወዳእታ ነቲ መደረ ብፍላይ ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ሰላም ኣብ ምምጻእ ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ ደጊፎም። “መንገዲ ሰላም ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ብዝግበር ዘተ እውን ዝሓልፍ እዩ፣ እዚ ድማ ቅድሚ ኩሉ ሓለዋ ሃይማኖታዊ ናጽነትን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ምኽባርን ዝሓትት እዩ” ብምባል ቁጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሃገራት፡ ብፍላይ ከኣ ብብዝሒ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ብማእከላዊ ጽፍሒ ዝቆጻጸር ቅጥዕታት ይኽተላ ምህላወን” እዚ እውን ከም ዘሕዝኖም ገሊጾም። ውሁዳን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ክኽበሩ ጸዊዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብ ገሊኡ መዳያት ግብረ-ሽበራ ኣብ ባህላዊ ውርሻኦም ዝወርድ መጥቃዕቲ ከምኡውን ከም ምብዛሕ ሃይማኖት ምቕያር ዘቕጽዕ እዩ ዝብል ናይ መቆጻጸሪ ሕግታት ምጽዳቕን ናይ ምርጫ ሕግታት ምቕያርን ቍጠባዊ ቐይድታትን ዝኣመሰለ ረቂቕ ስጕምትታት ከይህሉ ዝገብር እዩ።" ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ብምቕጻል፡ ንኹሉ ተግባራት ጸረ-ሴማውነትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዝፍጸም ዘሎ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ኣድልዎን ደጊሞም ከም ዝኾነኑን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ዓመት

ነቶም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ቀድስቲ መንበር፥ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ዚቕጽል በዓል ልደት ዝኽፈት ቅዱስ ዓመተ ኢዮቤል ትዳሎ ከም ዘላ ብምዝኽኻር፥ “ሎሚ ምናልባት ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፡ ቅዱስ ኢዮቤል ዓመት የድልየና ኣሎ፡ እዚ ድማ ምሕረት ኣምላኽን ውህበት ሰላሙን ክንረክብ ዘኽእለና ወቕቲ ጸጋ ስለ ዝኾነ።

ኣብ መንጎ እቶም ብቐጥታ እተጐድኡ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብምሉኡ ሕብረተሰባትና ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝስምዖም ዝገብር ብዙሕ ምኽንያታት ኣብ መንጎ እቲ መንእሰያት ዘጋጥሞም ጸገማት "ዝሓሸ መጻኢ ኣብ ክንዲ ዝሓልሙ መብዛሕትኡ ግዜ ረዳኢ ዘይብሎምን ቀቢጸ ተስፋ ኰይኖም ኢዩ ዝስምዖም " ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ክንዲ ዝጐድል ዝሰፍሕ ዘሎ ዝመስል ግብ ዝበለ ጸልማት ዓለም ከም ዘሎ ገሊጾም። "ዓመት እዮቤል ኣምላኽ ንህዝቡ ፈጺሙ ኸም ዘይጥንጥኖምን መዓጾ መንግስቱ ወትሩ ከም ዝቐፍተሉን ዚገልጽ ኣዋጅ እዩ” እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
ፍራንቸስኮ፥ 'ሰላም ኣብ ኩላትና ዝተዋደደ ሓላፍነት እዩ'
09 January 2024, 16:11