ድለ

2024.01.11 ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምጽላይ ክንደይ ሰናይ እዩ' 2024.01.11 ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምጽላይ ክንደይ ሰናይ እዩ'  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ፍራንቸስኮ፡ 'ምስ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምጽላይ ክንደይ ሰናይ እዩ'

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ "ሓለውቲ ቅድስቲ ስድራ ቤት" እተሰምየ መረብታዊ ማርያማዊ ጸሎት ዘነቓቕሕ ማሕበር ልኡኻት ዕለት 11 ጥሪ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓቢርካ ምጽላይ ዋላ እቲ ንእሽቶ እንብሎ ተግባራትና ውጽኢታው ክኸውን ንዝገብር እግዚኣብሔር ምሕጋዝ ማለት ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሓሙስ ዕለት 11 ጥሪ ምስቲ "ሓለውቲ ቅድስቲ ስድራቤት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማርያማዊ መርበብ ጸሎት ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን "ምስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓቢርካ ምጽላይ ነቲ ጸሎት ዓሚቝን ብሉጽን ይገብሮ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ መርበብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ቤልጅየም ዝተመስረተ ኮይኑ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብጸሎት ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ንማርያም ንምቕራብ ዝዓለመ ክኸውን እንከሎ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጨንፈር ዘለዎ ከም ዝኾነን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስ ኣቦና ነተን ልኡኻት እንቋዕ ደሓን መጻእክን እንክብሉ ብምቕባልን ምስ ቅድስቲ እኖና ድንግል ማርያም ብምትሕብባር ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝያዳ ውዕዉዕ ጸሎት ንምኹስኳስ ንዝገብረኦ ሰናይ ተበግሶታት ከም ዘመስገኑ ኣፍሊጡ።

ትሕትናን ገርሀይናነትን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብትሕትናን ገርሀይናነትን መንፈስ ብሓባር ምስ ማርያምን በማላድነት ማርያምን ዘቕርብኦ ጸሎት ከም ዘድንቑ ገሊጾም፥ "ካብ ሓደ 'ሓላዊ' ክኸውን ዝደሊ ሰብ ዝጥለብ ተወፋይነትን ገርሀይናን ዝብል ባህርያት እዩ . . . መዓልታዊ ጸሎት መቑጸርያ ምድጋም ዋላ እውን ብኻልኦት ዝናዓቕን እኳ እንተመሰለ ትሑትን ገርሀይናን ጸሎት ብምዃኑ ንልቢ ኣምላኽ ቀረባ እዩ፡ ብዓይኒ ሰባት ንእሽተይ እዩ፡ ግናኸ፡ ምስ ግዜ ብእምነትን ብመንፈስ ሕብረት ኣብ መንጎኽን ብተኣማንነት እንተተገይሩ፡ ብዓይኒ ኣምላኽ ዓቢ እዩ።"

"እግዚኣብሄር ትሑትን ገርሀይናን ጸሎት ይፈቱን ፍረ ከም ዝህብ ድማ ይገብሮ"

እንክብሉ ከም ዘረጋገጹን፡ እቲ ማርያማዊ መረብታዊ ጸሎት ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዝቖመ ምዃኑ ተዓዚቦም፣ እዚ ድማ ንኣምሳል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብምምሳል ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ጸዋዕታ ዘጉልሕ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ማርያምን ብኣብነታ ምስኣ ምዃንን

ቅዱስነቶም ነትን ናይቲ ማሕበር ኣባላት ስለ እቲ በማላድነት ማርያም ዘቕርብኦ ጸሎት ኣመስጊኖም፡ ብፍላይ ግን "ምስኣን ምስ ኣደነታን" ክራኸባን "ንኹሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያንን ንዓለም ንእግዚኣብሄር ከም ኣደ ኮይና ኣብ ዘቕረበቶ ናይ ኣማላድነት ጸሎት" ክሓብራ ንዘለወን ድሌት ኣመስጊኖም፡ "ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሕይወት ይሃልኽን፡ ምስ ማርያም ኩልኽን ኣዴታት ኢኽን . . .  "ጸሎትክን ከም 'ሓለውቲ' ተወፋይነትክን ብመሰረት ኣርኣያ ማርያም ዝቐንዐ ባህርይ ዘለዎ እዩ።"

ነቲ ኣብ ካልኦትን ኣብ ክውንነት ዓለምን ዘሎ ምስ ኩሉ መዓትን ብድሆታቱን ዝህብኦ ተገዳስነትን ጠመተን ኩሉ ግዜ "ከም ናይ ድንግል ማርያም፡ ኣደኣዊ ኣጠማምታ ከም ዝኾነን ንሱ ኽኣ፡ ትዕግስቲ፡ ዝርዳእን ርህሩህን" ክኸውን ከም ዝኽእል ትስፉው ምዃኖም ገሊጾም።

"ማርያም ንህጻን ኢየሱስ ብድኽነት ክሳቐ ምስ ረኣየት፡ ተስፋ ኣይትቖርጽን ኣየማረረትን" እንታይ ደኣ "ብጽሞና ንኹሉ ኣብ ልባ ትዓቑሮን ተስተንትኖን ነይራ፥" ዝበሉ ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም፥"እዚ እዩ ኣዴታት ዝገብርኦ: ዕንቅፋታትን ግርጭታትን ከመይ ጌረን ከም ዝስዕራ ይፈልጣ፤ ሰላም ከመይ ጌረን ከም ዘስርጻ ይፈልጣ። እዚ ድማ እዩ ንጸገም ናብ ዕድላት ዳግማይ ልደትን ዕብየትን ክቕይርኦ ዝኽእላ" ኣንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ነትን ናይቲ ማሕበር ልኡካን፡ ሰባት ትርጉም ሕይወቶም ንኽረኽቡ ወትሩ እምነትን ተስፋን ክሕልዉ ኣብ ዝቕርብኦ ሓገዝ ክቕጽላ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣገዳስነት ለውሃት

እዛ ዓለም እዚኣ ንስቓይን ድሌትን ጐረባብትና “ዘይተሃዋሲትን ጸማምን ከምኡውን ዘይግደስን ብምዃን ኣብ እትነብሮ ትረት ልቢ” ለውሃት ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን "ማርያም ንየሱስ ለዋህን ርሕርሕትን እያ ነይራ፣ ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ከኣ ለዋህን ርሕርሕትን እያ።"

ነዚ ኣብነት ናይ ለውሃት ምንባር "ሓደ ናይቲ ‘ሓለውቲ ቅድስቲ ስድራ ቤት’ ተግባር እውን ኢዩ እዚ ድማ ማርያም ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ዘለዋ ለውሃት ምስጋው” ዝብል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ንኹለን ነተን ናይቲ ማሕበር ኣባላት ልኡካን ስለቲ ዝገበርዎ ምብጻሕ ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ተወፋይነትን ኣመስገኖም ብትብዓትን ብገርሀይናን ልቢ ጽኑዓት ክኾና ተማሕጸኖም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዛዚሞም።

12 January 2024, 14:25