ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ህሩፍ ምዃን ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት 'ናይ ዕለት እንጌራና' የዛብዖ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣትን መንፈሳውያን ሓይላትን ዝገብርዎ ዘለዉ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል ብፍላይ ከኣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ብዛዕባ ሓጢኣት ህርፋን መጠንቀቕታ ክኸውን ዝኽእል ትምህርቲ ኣመሓላሊፎም ። ኢየሱስ ብዛዕባ ጽቡቕ ኣመጋገባን እተወሰነ ወይኒ አብ መአዲ ምስታይን ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኸም ዘይረኸበሉ ብምዝካርን፣ ንሽቶይ ቝራስ ምቁር ሕብስቲ ምውሳድ ገበን ኮይኑ እኳ እንተዘይተሰምዓና የግዳስ ኣብ መግቢ ዘሎና ዘይሚዛናዊ ዝኾነ ኣረኣእያ ንምድሪ ይኹን ንልብና ብኸመይ ከም ዘበላሽዎ ከነቕልበሉ ከም ዘሎና ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ከምቲ ኢየሱስ ንጥዑይ ኣመጋግባን ምሕዝነትን ኣኽቢሩ ዝርእዮ ዝነበረ፣ ገለ ቁራስ ምቁር ሕብስቲ ምብላዕ ኣይኰነን እቲ ጉዳይ ፣ ኣብ ክንዳኡስ ነቲ በብቝሩብ ግናኸ ብርግጽ ንምድርና ከዕንዋ ዚኽእል 'ንዕለታዊ እንጌራ ኣምላኽ' ኣቕሊልካ ምርኣይን ወይ ዝተዛብዕእ ኣረኣእያ ምህላውን ኢዩ እቲ ከቢድ ሓጢአት ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 10 ጥሪ ንግሆ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ  ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ኣረኣእያ እዚ ብዘፊሑ ኣስተምሃሩ  ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ብዛዕባ መንፍሳዊ ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢአትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኣብቲ ብዛዕባ ሓጢኣት ህርፋን ዘተኮተ ኣስተምህሮ ኢዮም አቕሪቦም ።

ኢየሱስ ጽቡቕ ኣመጋግባ የዘውትር ነበረ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም ከም ክርስትያናዊ ኣረኣእያ ክርአ ኸሎ መግቢ ብገዛእ ርእሱ 'ሕማቕ' እኳ እንተ ዘይኰነ፣ የግዳስ እቲ ጸገም ከስዕብ ዝኽእል ነገር ንሕና ምስ መግቢ ዘሎና ርክብ ምዃኑ ኣመልከቱ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ መንጎ ንጹሕን ርኹስን መግቢ ዚግበር ሥርዓተ ሕጊ እብራውያን ብኸመይ ከም ዝነጸጎ ዘከሩ።

ወላ እኳ ገለ ገለ ሰባት ነቲ ኢየሱስ ዝገበሮ እንተ ነጸግዎ፣ ኢየሱስ ግና ከምቲ ኣብ መኣዲ ምስ ካልኦት ሰባት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተገሊጹ እንረኽቦ ጥዑይ መግቢ ምብላዕን ወይ ወይኒ ምስታይን ዋላ ሓንቲ ጌጋ ኸም ዘይብሉ ብባዕሉ ኣርኣየና።

ገለ ግለ እዋናት ኣብ መኣዲ ምስኡ ኽንሕጐስ እዩ ዚደልየና ፣ ኰይኑ ግና ከምቲ ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም እንገብሮ፣ ኣብ እዋን መከራ ምስ ተጋድሎን ምስ ጾምን ሚዛንና ኽንሕሉ እውን ይደልየና እዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ነቲ ምስ መግቢ ዘሎና ርክብ ምዝባዕን ከምኡውን ንዓናን ንልብናን ብኸመይ ከም ዘበላሽወናን ኢዩ እቲ ክንጥንቀቐሉ ዘሎና ክብሉ ኣጕልሑ ።

"ወንጌል ብዛዕባ እዚ እንታይ እዩ ዚነግረና? እምበኣር ናብ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጠምት ። ኣብቲ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ኣብ እተገብረ መርዓ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ተኣምራት፣ ንሰብኣዊ ሓጐስና ክሳብ ክንደይ ከም ዝድንግጸሉ ዘርኢ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኢየሱስ እቲ መሲሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መኣዲ ኢና እንረኽቦ። ንሓጥኣን ሕያዋይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምሳታቶም ውን ይበልዕ ብንባሩ ተግባራቱ ዕንቅፋት ይኾኖም ነበረ።" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብ ቃና ኣብ እተገብረ መርዓ ኢየሱስ ጋሻ ዀይኑ ከም እተረኽበ እንክዝክሩ ቅዱስነቶም ምግብን መስተን ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ አብ መአዲ ዘሎ ሕብረት ብኸመይ ከም ዝመሃረን ከምኡውን ናይ መኣዲ ምሕዝነት ብኸመይ ከም ዘሐጐሶን ኣዘኻኸሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብዚ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትመህርተ ክርስቶስ ንእተረኽቡ ምእመናን ነቲ ኣምላኽ ከም ናይ ዕለታዊ እንጌራና ዝሃበና ውህበት ወትሩ ከመስግኑ ከም ዝለዎም ተማሕጸንዎም፣ እዚ ድማ "ንሕና ውን ብወገና ንኻልኦት ዘሎና ሓላፍነት ክንዝክር በቲ ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሰናይ ከኣ ብጽቡቕ ክንሕጐስ ከሎና ውርዝውና (መንፈሳዊ ብስለት) ኸነርኢ" ከም ዝደሊ ገለጹ ።

ምስ ምግቢ ዘሎና ርክብ ሚዛናዊ ኪኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ነተን ብተዛማዲ ሃብታማት ዝዀና ሃገራት ምስ መግቢ ዝያዳ ዝተዛብዐ ወይ ሚዛኑ ዘይሓለወ ርክብ ምስ ምግባር ዘለወን ኩነት ዝንባለ ኣቓልቦ ገበሩሉ። ቅዱስነቶም ኣብቶም ብሰንኪ ናይ ኣመጋግባ ምምዝንባል ዝጭነቑን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ አብ ዓለምና ብዙሓት ሰባት አብ ዝጠምዩሉ ዝለዉ እዋን፣ አብዚ ሕብረተሰባና ብዙሕ መግቢ አብ ዘባኽኑሉ ዘሎ ንሕና  ኣመጋግባና መጠኑ ዝሓለወ ክኸውን ከም ዘለዎ ተሪር ሓሳብ ኣቕረቡ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ "መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ዘሳቒ" ሕማም ኮይኑ "መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሕማም ኣእምሮን ነፍስን እተተሓሓዘ" ምዃኑ አመልከቱ።

"ምግቢ መግለጺ ውሽጣዊ ኩነትና እዩ፣ እዚ ኸኣ ሚዛናዊ ወይ መጠኑ ዝሓለፈ ናይ ምዃን ዝንባለና ዘርኢ፣ ምስጋና ናይ ምሃብ ክእለትና ወይ ከአ ብርእስይ ዝሓደርኩ ኢየ ዝብል ስምዒትና ዘርኢ፣ ሓልዮት እቶም ንስኡናት ምግቢ ምክፋል ዚፈልጡ ወይ ከኣ ስስዐ እቶም ንዅሉ ንርእሶም ዚእክቡ ሰባት ዘርኢ ኢዩ።"

እቲ ጕዳይ ኣብ ቅድሚ ምቁር ሕብስቲ 'ኢድካ ምሃብ' ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ኣመጋግባ ሓደ ሰብ እትንተ ደአ ተምልኪትና ብዛዕባ ነፍሱ ውሳጣዊ ኩነቱ ገለ ነገር ከም ዚገልጸልና ሓሳብ ኣቕረቡ ።

ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ነቲ "ብህይወት ክንነብር ኢና እንበልዕ እምበር ንኽንበልዕ ኣይኮናን እንነብር!" ዝብል ምስላ ዘከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ብሕታዊ ጉዳይ ዚመስል ኣመጋግባና ንማሕበረሰብን ንምድርን ብሓፈሻ ኺጸልዎም ከም ዚኽእል ድማ ኣጠንቀቑ ።

ብማሕበራዊ ኣረኣእያ እንተ ደአ ኣንቢብናዮ ህሩፍ ምዃን "ምናልባት ንምድሪ ዝቐትል ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ኣበሳ" ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣረድኡ።

"ሓጢኣት እቶም ኣብ ቅድሚ ቝራጽ ምቁር ሕብስቲ 'ሃፈፍረፍ ዝብሉ' ሰባት ዓብዪ ጕድኣት ዜምጽእ እኳ እንተ ዘይኰነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዘመናት ኣብ ጥሪት ዓለምና እንገብሮ ዝጸናሕና ርሱን ስምዒት ግን "ንመጻኢ ደቅሰባት የዳኽሞ ኣሎ!" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ኣብ ምልእቲ ዓለም ዜምጽኦ ሳዕቤን

"ንኵሉ ክንገዛእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርና እኳ እንተተዋህበና ፣ ጐይቶት ናይ ኩሉ ክንከውን ቢልና ንጐየይ አሎና ። እምበኣር እቲ ዓብዪ ሓጢኣት ማለት ህርፋን ኸርሲ ማለት ኢዩ፣ እንሆ እምበኣት ንሰብአውነትና ጸሪፍናዮ ኢና፣ ንኻልእ ከኣ "ሓሸሽቲ ኣህለኽቲ" ኢልና ብምጽዋዕና።"

ቅዱስ አቦና ኣስዒቦም ብዛዕባ እትም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ሰባ ብኸመይ ከም ዝግምግሙና ዘይምፍላጥና የሕዝን ኢዩ ክብሉ ጓሂኦም ገለጹ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣመስገንቲ ሰብኡትን ኣንስትን ክንከውን ከምኡ ውን ንናይ ምድራዊ ነገራት ዘለና አጠቓቕማ ብሱላት ክንከውን ኢዩ ዝግባእ ኔሩ" ኣብ ክንዳኡስ "ናብ ሃደንቲ ተቐየርና ፣ ሕጂ ኸኣ እዚ ዓይነት "ህርፋን " እዚ ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘስዓበ ተገንዚብና ኣለና ... " ክብሉ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ንጐይታ ህድእ ኢልና  ንቕድሚት ክግስግስ ንለምኖ ክብሉ  ኣተባብዑ።

10 January 2024, 16:56