ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ ንሓጐስ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ እንደገና ንመርምሮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት ዕለት 14 ጥሪ ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ አብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ መጠን ዘሎና ሓጐስ ከነሐድሶ ኣተባብዑና፣ እቶም ቀዳሞት ሓዋርያት ብኸመይ ንጐይታ ኸናድይዎ ከም ዝወጹን ምስ ረኸብዎ ንእተሰምዖም ሓጐሶም ምስ ካልኦት ብኸመይ ከም ዝተኻፈልዎን ኣስተንተኑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ዝለገስዎ ኣስተንቶኖ ቃል አምላኽ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተጠቒሱ ዘሎ፣ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኢየሱስ ኣብ እተራኸቡሉ እዋን፣ ከመይ ዝመሰለ ሃዋህው ከም ዝነበረ ኣስተንተኑ ።

ወደ መዝሙር ጐይታ ምዃን ኪበሃል ከሎ፣ ልክዕ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ነቲ መሲሕ ምስ ረኽብዎ ዝነበሮም ሃዋህው ፣ ንኣዑ ብምድላይን ብምርካብን፣ ምሳኡ ግዜ ብምሕላፍን ንዝረኸብናዮ ሓጐስ ምስ ካልኦት ምክፋልን ማለት ኢዩ ።

ንጐይታ ምድላይ

እዞም ሎሚ አብ ወንጌል ዝረኸብናዮም ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ንጐይታ ምስ ረኸብዎ እንታይ ይደልዩ ኸም ዘለዉ ሓተቶም፣ እዛ ሕቶ እዚኣ ኸኣ ኣብ ልቦም እንታይ ዝብለ ጾር ከም ዘለዎምን፣ ብሓቂ እንታይ ይደልዩ ከም ዝለዉ ንኽሓስቡ እትዕድሞም ሕቶ ኢያ ዝነበረት ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ውን አብ ኣስተንትኖኦም ቅዱስ አቦና፣ ጐይታ ኣምሰሉ ዝኾኑ ሰዓብቲ ኣይደልን ኢዩ፣ የግዳስ "ንርእሶም ዝምርምሩ ብቓሉ ውን ንህይወቶም ዝብድሁ" ሰባት ክኹኑ ኢዩ ዝደሊ በሉ ።

ምስ ጐይታ ምዃን

ርእሰ ሊቃና ጳጳሳት ወሲኾም ድማ፣ እዞም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ብኣምላኽ እተቐብአ መሲሕ ምስ ረኽብዎ፣ ሰፈሩ ኣበይ ከም ዝኾነ ሓተትዎ፣ ጐይታ ድማ "ንዑ ረአዩ!" ቢሉ ጻውዒት ኣቕረበሎም።

ስለዚ እምነት ማለት ምስ ጐይታ ምርኻብን ምስኡ ምንባርን ዘጠቓልል ኢዩ ።

"ምስ ጐይታ ምዃን ምስኡ ውን ምንባር ንሓደ ወደ መዝሙር ናይ ጐይታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር እዩ።"

ንኻልኦት ምክፋል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም፣ እዞም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ምስ ኢየሱስ ብምርኻቦም ዝረኸብዎ ሓያል ተመክሮን ሓጐሶምን ከምኡ ውን ውህበት ናይዚ ተመኵሮኦምን ምስ ካልኦት ንኽካፈልዎ ከም ዚመርሖም ገሊጾም ።

ሓደ ካብዞም ኽልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብዚ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተጠቒሱ እንረኽቦ እንድርያስ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዩ ሓዉ ስምዖን ነዚ ነገራት እዚ ኪነግሮ ብኸመይ ተሃዊኹ ከም ዝኸደ ንርኢ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ምስ ኢየሱስ ዝገበርዎ ምርኻብ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ፣ ሰዓቱ ከይረፈ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ብዝካር "ሰዓት ኣርባዕተ ድሕሪ ቐትሪ እዩ ነይሩ" ኢሎም የዘንትዉልና በሉ።

ንሓጐስና እንደገና ምርካብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ኣስተንትኖኦም ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጐይታ ምስ ተራኸብና ዝረኸብናዮ  ሓጐስና ብምዝካር፣ ንኻልኦት ከነካፍሎም መታን ብጸሎትን ብኣስተንትኖን አቢልና እንደገና ብምድላይ፣ ናይ ገዛእ ርእስና ውዕዉዕ ስምዒትን ሓጐስ ንክርስቶስ ከነሐድስን ኣስተምሃሩ ።

"እታ ቐዳመይቲ ተኸታሊት ኢየሱስ ዝዀነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቅድስተ ቅዱሳን ፣ ንዕኡ ኽንደልዮ ባህጊ ከነሕድርን ምስኡ ኽንጸንሕ ከምኡውን ክንሰብኮ ትሓግዘና።" ክብሉ ኣስተትኖኦም ዛዘሙ።

15 January 2024, 16:10