ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሰብኣ ሰገል በቲ ትሑት ህጻን የሱስ ክንገረም ይምህሩና

ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ጥሪ ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሕኤር ከምቲ እቶም ሰብኣ ሰገል ህያባት ወርቂ፡ ዕጣንን ከርበን ሒዞም ኣብ ቤተልሄም ኣብ መብልዕ ማል ዝበጽሑ፡ ክርስቲያን ናብ ህጻን ኢየሱስ ጠሚቶም ብትሕትናኡ ክግረሙ ይዕድሙ፡ ከምኡ’ውን ሽግራት ዓለም ብዓይኒ ህጻናት ንምርኣይ ክኽእሉ ዓዲሞም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ዕለት 6 ጥሪ ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ምልኣከ እግዚኣብሔር፡ ምእመናን ብዛዕባ ድሕሪ ምግላጽ ኮኾብ ዝነበርዎ ምግራምን፡ ንኢየሱስ ንምርካብን ህያባቶም ንኸቕርቡሉን ናብ ቤተልሄም ዝተበገሱን ትርኢት ሰብኣ ሰገል ከስተንትኑ ዓዲሞም።

ትሕትና ህጻን የሱስ፡ ኣምላኽ ሰብ ኮነ

እቶም ሰለስተ ጥበበይናታት፡ ሓደ ተራ ቆልዓ፡ ውላድ ድኻታት እምበር፡ መስፍን ወይ ውርዙይ ሰብ ኣይረኸቡን፡ ህላወ እግዚኣብሔር ድማ ኣለልዮም ኣብ ቅድሚኡ ሰገዱ፡ ተመኩሮኦም ንዓና’ውን ኣገዳሲ እዩ፣ “ኣብ ህጻን ኢየሱስ፣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ ንርኢ” ከምኡ’ውን ከምቲ ንሳቶም ዝገበርዎ “ብትሕትናኡ ክንግረም” ቅዱስነቶም ይዕድሙ።

“ንኢየሱስ ምምላኽ፣ ኣብ ቅድሚኡ ምዃን፣ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ምምላኽ፣ እዚ ድማ “ግዜ ምብኻን ዘይኮነስ ንጊዜ ትርጉም ምሃብ ማለት እዩ፤ ንልቢ ዝምግብ ስቕታ ብተራ ንመስርሕ ህይወት ዳግማይ ምርካብ ማለት እዩ።”

“ንሕና’ውን ኣብ ቅድሚ ህጻን ንኹን፤ ኣብ ቅድሚ እቲ ደቂሱ ዘሎ ሕጻን ደው ንበል።”

ካብ ህጻናት ምምሃር

ድሕርዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንክርስትያን ካብ ሕጻናት ምስማዕ ክመሃሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም - "እዞም ቈልዑ እዚኣቶም ብትውክልቶም ብኡብኡ በቲ ተደናቒ ጥዑይ ህንጥዮቶም ናይ ምብካይን ምስሓቕን ከምኡውን ብሕምልታቶም ኣቢሎም ብዛዕባ ኢየሱስ ይዛረቡና ኢዮም ።

“ኣብ ቅድሚ እቲ ህጻን ኢየሱስን ኣብ ብጻይነት ቈልዑን ደው እንብል እንተ ዄንና፡ ምግራም ክንመሃር ኢና፡ ከምቶም ሰብኣ ሰገል ድማ ብተራን ዝሓሸን ምግራም ክንጅምር ኢና። ከምኡ’ውን ኣብ ጸገማት ዓለም ከመይ ጌርና ሓድሽን ፈጠራውን ኣረኣእያ ከም ዝህልወና ክንፈልጥ ኢና።”

“እምበኣር ንርእስና ንሕተት: ኣብዚ ቅንያት እዚ ንኣምልኾ ደው ኢልና ዲና: ኣብ ቅድሚ እቲ ሕጻን እናጸለና ስቕ ኢልና ንኢየሱስ ዝኸውን ንእሽቶ ቦታ ሂብና ዲና? ንቆልዑ፡ ክንዛረቦምን ምስኦም ክንጻወት ግዜ ወፊናሎም ዲና? ኣብ መወዳእታ ድማ ሽግራት ዓለም ብዓይኒ ህጻናት ክንርእዮ ንኽእል ዲና?”

ምስ በሉ ማርያም ኣደ ኣምላኽ “ንህጻን ኢየሱስን ንዅሎም ሕጻናትን ብፍላይ ከኣ ነቶም ብውግእን በደልን ንዝሳቐዩ ምፍቃርና ከተዕብዮ” በማላድነታ እጽሊ እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 January 2024, 16:43