ድለ

2024.01.15 Delegazione dello Studium Biblicum Franciscanum 2024.01.15 Delegazione dello Studium Biblicum Franciscanum  (Vatican Media)

ፓትርያርክ ፒሳባላ - ክርስቲያን ቃዛ 'ኣባይቲ ማይ ወይ ኤለክትሪክ የብሎምን'

እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ላቲናዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒሳባላ ናብ ሮሜ ኸይዶም፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንንቸስኮ ተዘራሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ናይ ኢየሩሳሌም ላቲናዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ካርዲናል ፒየርባቲስታ ፒሳባላ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ንምምይያጥ ትማሊ ሰኑይ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተራኺቦም ።
ድሕሪ እዚ ምርኻብ ምስ ንጋዜጠኛታት አብ ዝገርዎ ቃለ መሕትት "ብዛዕባ እቶም ኣብ ቃዛን ቅድስቲ መሬትን ዘለዉ ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ብሓፈሻ ዘለውዎ ሰብአዊ ኵነታትን" ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝግበር ዘሎ ዘተን ዝርርባትን ከምኡውን ብዛዕባ እቲ አብቲ ከባቢ ሰላም ናይ ምርካብ ዘሎ ተስፋታትን ከም እተመያየጡ ገለጹ ።

ኣብ ቃዛ ዘለዉ ክርስትያን

ፓትርያርክ ፒሳባላ ነቲ ብጋዜጠይናታት ዘቕረቡሎም ሕቶታት እንክምልሱ ኣብ ቃዛ ዘለዉ ክርስትያን "ከም ኩሎም ሰቦም ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ" በሉ።

"እተፈልዩ ህዝቢ ኣይኰኑን " ድማ በሉ፣ "ሒደት ማሕበረሰብ ኢዮም፣" ውሑዳት ብምዃኖም ዝኸብዶም እኳ እንተዀነ ዅነታቶም ግን" ካብቲ ንዅሉ ሕዝቢ ቃዛ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ብመጕልሒ ጥራይ ዝርአ ኢዩ ።"

ካርዲናል ፒሳባላ ከም ዝተዓዘብዎ - "ንክርስትያን እውን ከይተረፉ ኣብዚ ኵሉ ሰብ ወወገኑ ክሕዝ ኣብ ዝከፋፈሉ ዘሎ እዋን፣ ሓደ ወገን ከይሓዙ ክተርፉ ቀሊል አይኮነን ።”
ኣስዕብ ኣቢሎም ውን ብፁዕነቶም ምስታ ኣብቲ ብዙሕ ውግእ ዘይብሉ ከባቢ ኣብ ሰሜናዊ ወሽወጥ እትርከብ  ናይ ቃዛ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣዘውቲሮም ይራኸቡ ከም ዘለው ገለጹ።

እቶም ፓትርያርክ ከም ዝገለጽዎ - "ወተሃደራዊ ንጥፈታት ናብ ደቡብ ገጹ ገስጊሱ ይርከብ አሎ፣ እንተዀነ ግን እቲ ዞባ እቲ ዋላ ሓንቲ ዘይብሉ ዑና ቦታ ኢዩ ዀይኑ ዘሎ - ኣባይቲ የለን ማይ የለን ኤለክትሪክ የለን ዋላ ሓንቲ የብሎምን ። ክቱር ድኽነት እዩ ዘሎ፣ ኣብኡ ድማ ዝኾነ ይኹን ትካንል የለን።"

ዮርዳኖስ ከም ባይታ ንተልኾታ ሰብአዊ ሓገዛት

ፓትርያርክ ፒሳባላ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዮርዳኖስ ክንዲ ዝነበሩ፣ ካባኡ ኢዮም ናብ ኢጣልያ ዝኸውዱ ።

"ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዮርዳኖስ ዘሎ ዅነታት እተሓላለኸ ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ብዓይኒ ፖለቲካዊ ኩነታትን ሰብአዊ ሃለዋትን ክርአ እንከሎ ተዛማዲ ርግኣት ዘለዋ እንኮ ሃገር ኢያ ክብል እኽእል ኢየ፣ " ብምባል ነቲ አብ ዮርዳኖስ ዘሎ ኩነታት ገሊጾም ። "ንቃዛ ዝኣቱ ሰብአዊ ረድኤት ከድልየና እንከሎ ኣድራሻና ንጉሳዊ ስድራቤት ዮርዳኖስ ኢዩ ፣" ድማ በሉ።

ፓትርያርክ ፒሳባላ ምስ ንጉስ ዓብዳላ መንግስቲ ዮርዳኖስ ከምኡውን ምስ እተፈላለያ ትካላት ከም እተዘራረቡ ድማ ጸብጻብ ሃቡ - እዚ ድማ ይብሉ ብፁዕነቶም "ነቲ መራኸቢ መስመራት ናብ ቃዛ ዘእቱ ህያው ገይርና ክንሕዞ ንኽእል እንተ ደአ ዄንና ንምርግጋጽ ኢዩ ።"

ስለዚ ዮርዳኖስ ኣብዚ እዋን እዚ ንቤተ-ክርስትያን "ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ጽኑዕ መወከሲ ነጥቢ" ኢያ፣ እንተዀነ ግን "ምስ ሰብኣዊ ውድባትን ምስ ግብጽን ብዙሕ ምትሕብባር ኣይተገብረን ዘሎ።"

ምይይጥ ኪቕጽል ኣለዎ

ፓትርያርክ ፒሳባላ ነዚ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዝሎ ውግእ ደው ንምባል ዝግበር ጻዕሪ ቐሊል ከም ዘይኰነ ይገልጹ ።
"በብደረጃኡ ኽንሓስብ ኣሎና" ድማ በለ። "ህጹጽ ፍታሕ ኣይኪህሉን እዩ። ሕጂ እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ወገናት ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ምርካብ ኢዩ ።"

ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ ብቐጻሊ ኽትዓዪ ምዃና ድማ ገለጹ።

16 January 2024, 13:15