ድለ

2024.01.10 ር.ሊ.ጳ. ንማርክሳውያንን ክርስትያንን ንብልሽውና ክቃለሱ፣ ልዕልና ሕጊ ክድግፉ የተባብዑ 2024.01.10 ር.ሊ.ጳ. ንማርክሳውያንን ክርስትያንን ንብልሽውና ክቃለሱ፣ ልዕልና ሕጊ ክድግፉ የተባብዑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንማርክሳውያንን ክርስትያንን ንብልሽውና ክቃለሱ፣ ልዕልና ሕጊ ክድግፉ የተባብዑ

ፍራንቸስኮ ምስ ማሕበራውን ማርክሳውን ክርስቲያንን ናይ ሓባር ውጥን ስግረ ዘተ ኣባላት ወከልቲ ዕለት 10 ጥሪ ከም እተራኸቡን እዚ ተበግሶ እዚ ንማሕበራውያንን ክርስትያንን ንሓባራዊ ስነ-ምግባር ክዓዩ ዝዕድም ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ ንውልትውና ዓለምና ዝሓሸ መጻኢ ንምህናጽ ዝዓዪ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድኻታት፡ ስራሕ ዘይብሎም፡ መንበሪ ገዛ ዘይብሎም፡ ስደተይናታት፡ ዝምዝመዙን ሰባት፡ ከምኡ'ውን ኩሎም ብሕሉፍ ምልካዊ ስርዓታት ኮይኑ ብዘሎ ብናይ እዋኑ "ጉሓፋይ ባህሊ" ናብ ጐሓፍ ዝተቐየሩን ከም ውዳቕ ዝሕሰቡን ሰባት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ስልጣነ መምዘኒ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ውጥን ስግረ ዘተ ማሕበርነታውን ማርክሳውን ክርስቲያንን ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘስመሩሉን ኣብዚ ምስ ወከልቲ ውጥን ስግረ ዘተ ‘ማሕበርነታውን ማርስክሳውን ክርስቲያንን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ተቓላዕቲ ከምኡ’ውን ነቲ ዓበይ መዓት ዝበሃል ብልሽውና፡ ብዘይግቡእ ስልጣን ምጥቓም ሕጊ ኣልቦነትን - ኣብ ፖለቲካ ይኹን ኣብ ሕብረተሰብ - ንምምካት ዝግበር ጻዕሪ ህጹጽ ምዃኑ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን እዚ ኣብ መንጎ ማሕበርነታውን ማርክሳውን ክርስትያናትን ዝካየድ ናይ ዘተ ውጥን ኮይኑ፡ ንሓንቲ መንነታ እትደሊ ኤውሮጳ ከም ሓድሽ ታሪኽ ክቐርብ ዝኽእል ናይ ሓባር ማሕበራዊ ስነ-ምግባር ንምሕንጻጽ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን... ማርክሳዊ ማሕበራዊ ነቐፌታ ኩለንተናዊ ምሉእ ስነ ምህዳር ዝብል ኣምር ዘማእከለ ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፣ ኣሌክሲስ ዚፕራስ፣ ኣብቲ እዋን ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ሲሪዛን ናይ እተሰምየ ጸጋማዊ ዘመም ፖለቲካን ድሓር ኣብ 2015 ዓ.ም. መራሔ መግንስቲ ግሪኽ ንምዃን ዝበቕዑን፣ ዋልተር ባየር ኣቦ መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ጸጋም ኤውሮጳን ካብ ማሕበር ኣፍቅሮተ ዘቤት ፍራንዝ ክሮንረይፍን ድሕሪ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ዝነቐለ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምሕላም ዘይምቁራጽ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ጥሪ  ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድሚ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ 7 ካብ ጸጋም ፖለቲካዊ ውድባትን 8 ካቶሊካውያን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ዝመጹ ምስ 15 ናይ ማሕበርነትን ማርክሳውን ክርስትያንን ውጥን ስግረ ዘተ ኣባላት ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሎሚ "ብኲናትን ውልትውናን ዝተገማመዐት" እትመስል ዓለም እትነብሮ ዘላ ቃንዛ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ናብ መጻኢ ክጥምትን "ዝሓሸት ዓለም" እትሓስብ ክትከውን ክትጽዕር ዝብል ምትብባዕ ኣካፊሎም፥ "ንሕና ኣርጀንቲናውያን ኣይትርዓድ ንድሕሪት ኣይትምለስ ዝብል ተደጋጊሙ ዝንገር ኣበሃህላ ኣሎና፡ እዚ ድማ ኣነ ንዓኻትኩም እውን ዘቕርበልኩም ዕድመ እዩ፡ ንድሕሪት ኣይትምለሱ: ተስፋ ኣይትቑረጹ: ዝሓሸት ዓለም ምሕላም ድማ ኣይተቋርጹ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናጽነት፡ ማዕርነት፡ ክብሪ፡ ሕውነት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም - "ምስትውዓል ልቦና ተመክሮ ከምኡውን ታሪኻዊ ተዘክሮታት ንምፍጣርን ንምርኻብን ኣብ ሓደጋ ንምእታውን ክፍራሕ የብሉን። ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት "እቶም ዓበይቲ ሕልምታት ናጽነትን ማዕርነትን፡ ናይ ክብርን ሕውነትን፡ ነጸብራቕ ሕልሚ ኣምላኽ፡ ምዕባለን ግስጋሰ ከም ዘፍረዩ" ኣዘኻኺሮም  በዚ መንጽር እዚ ቅዱስነቶም እዚ ዲያሎፕ ብዝብል ሃጽሮተ ቃል ዝጽዋዕ ማሕበር ተወፋይነቱ ንኽፍጽም ሰለስተ ኣተሓሳስባታት እዚ ድማ ቅጥዕታት ንምቕያር ትብዓት፡ ንድኹማት ትኹረት ምሃብን ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመርኮሰ ባህሊ ኣብ ምድንፋዕ ክጽመድ ከም ተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መገዲ ውሕጅ ምቕያር

ነቲ ቅርጺ ንምስባር ትብዓት ምህላው ማለት "ንዘተ ንሓድሽ መገድታት ክፉት ምዃን" ማለት እዩ።

"ኣብዚ ብዝተፈላለየ ደረጃታት ብግርጭታትን ዘይምርድዳእን ዝልለይ ዘመን፡ ሕጂ'ውን ነቲ መስርሕ ንምግልባጥ ንምቕያር ክግበር ዘድሊ ካብ ምግባር ኣይነንሳሕብ፡ ኣንጻር ዝፈላልዩ ኣቀራርባታት፡ ኣበርክቶ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ በቲ ጭቡጥ ፍሉይነቱ፡ ኣወንታዊ ክኸውን ምእንቲ፡ ንዝኾነ ብፖለቲካን ማሕበራውን ከምኡ እውን ሃይማኖታውን ረቛሒታት ብምምእካል ከየግለልና፡ ኣብቲ መጻኢና ተወፋይነት ዘለዎ መስርሕ ለውጢ ከበርክቶ ዝከኣል ዘበለ ንምቕባል ብኽፉት ልቢ ምግጣምን ምስማዕን ነማዕብል” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነቐፌታ ንዋናዊ ቁጠባን ኣገባባት ዕዳጋን

ቅዱሰንቶም ኣስዒቦም ንደኹማት ቀጻሊ ቆላሕታ ክግበረሎም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ምኽንያቱ መለክዒ ሓደ ስልጣነ ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ብኸመይ ከም ዝሕዞም ዝነብሮ ተግባር እዩ። "እቲ ዓብዪ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ማለት ስርዓት ናዚ ነቶም ተነቀፍቲ ኸም ዝደርበዮምን ከም ዝቐተሎምን ኣይንረስዕ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መራሕቲ ዓለም "ብሓቂ ንኣገልግሎት ደቅሰብ ዝኸውን" መምርሕታት ከውጽኡ ተማሕጺኖም ማሕበረሰብ ከኣ "ብናይ ቁጠባውን ናይ ዕዳጋን መስርሕ ክምራሕ ኣይፍቀድ" ሰብኣውነት ክማእከል ኣለዎ። ምትሕግጋዝ ሰናይ ግብረ ገባዊ ባህሪ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ምዝባዕ ምእራምን ዕላማ ዘይፍትሓዊ ስርዓታት ምጽራይን፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ብድሆታትን ጸጋታትን ኣብ ምዕሩይ ምክፍፋል ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣረኣእያ ዝሓትት ጠለብ ፍትሒ እዩ . . .  ከምኡ'ውን ነቶም ነዚ ዓውዲ ዝውፍዩ "ማሕበራዊ ገጠምቲ" ክኾኑ ኣተባቢዖም . . .  ኣብዚ ድማ "ምህዞ ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ምእታው፣ ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ክኸውን" ይሕግዝ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብልሽውናን ዘይሕጋውነትን ምቅላስ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመስረተ ባህሊ ብምትብባዕ፥ "ንመዓት ብልሽውና፡ ብዘይግቡእ ምጥቓም ስልጣንን ዘይሕጋውነትን ምቅላስ" የድሊ፥ ምኽንያቱ "ብቕንዕናን ብግብርን ጥራይ እዩ ጥዑይ ዝምድናታት ክምስረት ዝኽእል፡ ኣብ ህንጸት ዝሓሸ መጻኢ ድማ ብተኣማንነትን ብቕዓትን ክንተሓባበር ንኽእል” ቢሎም ኣብዚ ንኽንስጉም ድማ "ንዝያዳ ፍትሓውን ሰላማውን ዓለም" ንኸነቕውም "ትብዓት" ከምኡ'ውን "ወንጌል የሱስ ክርስቶስ ንመጽናዕትኹምን ተግባራትኩምን ኩሉ ግዜ ከነቓቕሕን ከብርህን ይኽእል" እንክብሉ ስለ ዘካይድዎ ዕዮ ከም ዘመስገኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ማሕበር ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ባህልን ትምህርትን ጉዳይ ምስ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ናይ ዝሓለፈ ዓሰረ ዓመታት ጸብጻብ ዕማመታቱ ከም ዘቕረበን "ኪኖ ሃይማኖታውን ስነ-ሓሳባውን ዶባት፡ ክርስትያንን ማርክሳውያንን፡ ከምኡ'ውን ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት" ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ እቲ ማሕበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፥ "ሎሚ ኣብ ዓለም ዕጥቃዊ ግጭታት ንምውጋድ ውሕስነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ማሕበራዊ ሚዛንን ሰላምን ንሰብኣውነት ምርግጋጽ ይጠልብ" ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 January 2024, 16:27