ድለ

2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣንጻር ብልሽውና ቫቲካን ኣብ ምቅላስ ‘ክቱር ንቕሓት’ የድሊ 2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣንጻር ብልሽውና ቫቲካን ኣብ ምቅላስ ‘ክቱር ንቕሓት’ የድሊ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ኣንጻር ብልሽውና ቫቲካን ኣብ ምቅላስ ‘ክቱር ንቕሓት’ የድሊ

ፍራንቸስኮ ናይ ሃገረ ቫቲካን ዋና ተቖጻጻሪ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ኣባላት ዕለት 11 ታሓሳስ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቲ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ዘሎ "ሰላሕታዊ ብልሽውና" ክቃለሱ ተላብዮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ታሕሳስ ንግሆ ምስ ሰራሕተኛታት ዋና ተቖጻጻሪ ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን. እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ቅዱሰንቶም ባዕሎም ቅድሚ ትሽዓተ ዓመት ዘቖምዎ ኣካል፡ ናይ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ናይ ጸረ ምግባረ ብልሽውናን በዓል መዚ ኮይኑ ዘገልግል ዝብል ሓላፍነት ከም ዝሃብዎን፡ እዚ ኣካል እዚ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ቅድስቲ መንበርን ቁጠባዊ ጉዳያት ጸብጻብ ዝቖጻጸር ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ቃልሲ ኣንጻር ብልሽውና...

ፍራንቸስኮ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣብ ቫቲካን ብልሽውና ምውጋድ ኣገዳሲ ምዃኑ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ “እቶም ኣብ ቅድስቲ መንበርን ኣብ ሃገረ ቫቲካንን ዝሰርሑ ብርግጽ ብተኣማንነትን ብቕንዕናን እዮም ሓላፍነቶም ዝፍጽሙን፡ እቲ ኣካል ሰላሕታዊ ብልሽውና ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለ ዝኾነ ዝያዳ ንቑሕ ክኸውን” እንክብሉ ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ነዚ ብዙሕ ግዜ ከም እትውፍዩ እፈልጥ እየ”  ቢሎም፥ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ፍጹም ግሉጽነት” ምስ “ምሕረት ዝመልኦ ስቱርነትን ጥንቓቔን” መሰረት ሚዛን ምሃብ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ ምኽንያቱ ዕንደራታት “ካብ ንባህርያት ንምእራም ገጻት ጋዜጣታት ንምምላእ ዝያዳ ዘገልግል ኮይኑ ስለ ዘሎ” . . . “ብጀካ እዚ፥ “ንናይ ቅድስቲ መንበር ንብረት ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎም ኣካላት፡ ሰላሕታዊ ብልሽውና ንኸይትግበር ክከላኸል ዝኽእል መከላኸሊታት ንኽፈጥሩ ክትሕግዙ እዕድመኩም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናጽነት፡ ኣህጉራዊ መትከላት፡ ከምኡ’ውን ሞያዊ ብቕዓት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ መደረኦም ብምቕጻል ሰለስተ ካብ ቀንዲ ባህርያት ቤት ጽሕፈት ተቖጻጻሪ ጸብጻብ፥ ማለት ናጽነት፣ ንኣህጉራዊ መትከላት ትኹረት ምሃብን ሞያዊ ብቕዓትን ዝብሉ ጠቒሶም፡ እቲ ቤት ጽሕፈት “ብመሰረት ኣብ ካልኦት ኣካላት ስለዘይምርኮስ” ብሓቂ ናጻ ኣካል ምዃኑ ኣዘካኺሮም፡ እዚ ናጽነት እዚ ግን “ዝኾነ ይኹን ፍቓደይናነት ካብ ምግላጽ ዝረሓቐ፡ ኩሉ ግዜ ብጽቡቕ ዝተሓሰበን ብዝለዓለ መትከል ግብረ ሰናይ ዝተደፋፍአን ተግባር” ክመርሕ ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣህጉራዊ ብሉጽ ልምድታት ኣብ ግብሪ ምውዓል "ማዕርነት ንምድንፋዕን ምስ ዝተረፈ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ምስምማዕ" ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ወሲኾም ምስ ገለጹ፡  ኣብ መወዳእታ፡ ሞያዊ ብቕዓት መሰረታዊ መዃኑ ሓቢሮም። ብዙሓት ኣባላት እቲ ቤት ጽሕፈት “ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ልዑል ተመክሮ” ከም ዘለዎም፣ ከምኡ’ውን ንቐጻሊ ኣብ ስራሕ ትምህርቲ ውፉያት ምዃኖም ብምጥቃስ፣ ንቐጻሊ ፍልቀት ብቕዓት “እዋናዊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ናይ ብሓቂ ሞራላዊ ግዴታ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገልግሎት ንድኻታት

ቅዱሰንቶም “ካብ ስራሕኩም ንላዕሊ ዝኸይድ ነገር” ብዝምልከት ንሰራሕተይናታት እቲ ቤት ጽሕፈት ዕድመ ኣቕሪቦም“ገሌኹም ኣብ ክሽነ ግብረ ሰናይ ከም እተገልግሉ እፈልጥ እየ . . . እዚ ብሓቂጽ ጽቡቕ ነገር እዩ፡ ብኽፉት ልቢ፡ ብገርሄይናነትን ብናጽነትን ግበርዎ፡ ግዜ ወሲድኩም ድማ ምስ ሰባት ክትዛረቡን ዛንታታቶም ክትሰምዑን ዝሕግዘኩም እዩ” ምስ በሉ “ስለ ኣገልግሎትኩምን ዕዮታትኩም አመስግን፡ ንዓኹምን ንስድራቤትኩምን ድማ ናይ ቅዱስ ልደት ሰናይ ትምኒተይ አመሓላልፍ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 December 2023, 12:16