ድለ

2023.12.14 Volontari e Ammalati dell'UNITALSI 2023.12.14 Volontari e Ammalati dell'UNITALSI  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ. ንኢጣልያዊ ጕጅለ ነጋድያን፦ “ንማርያም ኣብ ምድላይ ቀጽሉ”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ሓሙስ ንኣባላት ማሕበር ነገድያን ናብ ቅዱሳን ቦታታት፣ ንሕሙማንን ወይ ስንክልንን ሰባት ንምሕጋዝ እተወፈዩ ማሕበር ወለንተይናታት ዮኒታልሲ ኢጣልያ ተቐቢሎም ኣባታዊ ማዕዳን ቃል ቡራኬን ለጊሶም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባላት ማሕበር ሃገራዊ ሕብረት ንምሕግዝ ነጋድያን ሕሙማት ናብ ሉርደስን ኣህጉራዊ መካነ ንግደታትን ኢጣልያ ሎሚ ሓሙስ ዕለት 13 ሕዳር መበል 120 ዓመት መሰረታ ናይዚ ማሕበር አብ ዝተጸንበለሉ ኣጋጣሚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ አብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ አዳራሽ ተራኺቦም ።

አብቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተገብረ ርክብ እቶም ወለንተኛታት ጥራይ ዘይኰኑስ ብዙሓት እሙማንን ስንኩላንን ምስ ሓገዝቶም ብሓልዮት እዚ ማሕበርን ከምኡ ውን ስድራ ቤታትን፣ ሰብ ሞያ ጥዕናን፣ መንእሰያትን ካህናትን ከምኡውን ሰብ ውፉይ ሕይወት ኣባላት እዚ ማሕበር ዝኾኑን ኢዮም ኣባኡ ዝተረኽቡ።

ስለቲ ኽቡር ኣገልግሎቶም ኣመስገንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ዝለገስዎ ቃል "ኣብዚ ማእለያ ዘይብሉን እተፈላለየ ኩነታትኩምን ነታ ንኻልኦት ብኸመይ ከም እተሰንዮምን  እትከናኸኖምን እትፈልጥ፣ ንወንጌል ብግብረ - ሰናይ እትእውጅ ቤተ - ክርስትያን ንዘለዋ ጽባቐ እትምስክሩ ኢኹም " በልዎም ።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ስለቲ "ኽቡር ኣገልግሎቶም" ኣመስገንዎም "ኣብዛ ብኹሉ ዋጋ ዘኽፍል ንሰባት ብስም ድሕንነቶምን ስሉጥነቶምን እተዳኽምን እትንጽሎምን ዓለም ኣንጻር ማዕበል አብ ምኻድ" ከይደኽሙ ድማ ኣተባብዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ንዝኽሪ ዓመት ጽምብሎም ዚገልጽ ኣርማኦምን ብዛዕባ እቲ ንንግደታቶም ዚውክል በትርን ኣሳእንን ከምኡውን ብዛዕባ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተንትኖ ኣቕረቡሎም ።

ንግደት ማእከል ናይ ስራሖም ከም ዝዀነን፣ ንቝስሊ እቶም ስንኩላንን ሕማምን ኣረጋውያንን ድኻታትን ከኣ ከም "ፈውሲ" ዀይኑ ኸም ዜገልግል ገለጹ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንግደት ኣብ ዝግበረሉ እዋን "ገጽ ክርስቶስ ይንጸባረቕ እዩ ፣ ንሱ ንድኽመታትና ብሓይሊ ትንሳኤ ምእንቲ ክወልዶ ናብ ገዛእ ርእሱ እዩ ወሲድዎ " ድማ በሉ ።

ናይ ንግደት ተመክሮ ነቲ ናይ ምቕባል ጋሻ ከምኡውን ናይ ሓድነት ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምቕባል ምልክት ናይ ሓንቲ "ብሓባር እትኸይድ" ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣስዒቦም ነቶም ማሕበር ወትሩ ብህድኣትን ብምስትውዓልን ናይ ድንጋጸ ኣገባብ ክህልዎም ኣተባብዕዎም፣ ከመይሲ ስቓይ ከጋጥሞም ከሎ ብቃላት ምቅርራብን ለውሃት ዝመልኦ ተግባራትን ከም ዝህሉ ዝገብር ክንዲ ዝኾነ ። "

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኣባላት እዚ ማሕበር ወትሩ ኣብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኺውከሉ ኣተባብዕዎም ። "ከተስተንትንዋን ክትልምንዋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዚጾሮ ሻቕሎትን ጭንቀትን ጓህን ከኣ ኣብ ኣእጋራ ከተንብርዎ ድለይዋ" በልዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጊሞም ድሕሪ ምምስጋኖም "ቅድሚ በዓል ልደት ኣብ ዘሎ ግዜ ምስሊ ማርያም ብዝያዳ እንፈልጦን ዝቐረብናን ኰይኑ ኢዩ ዝስምዓና" ድሕሪ ቢሎም ። ንዅሎም ሰባት "ሕራይ" ብምባል ንመደባትኣምላኽ ብዘይ ፍርሂ ንምቕባል ከምኡውን ነቶም ዝነኣሱን ሓላዪ ዘይብሎም መሳኪንን ክከናኸንዎም ጻውዒት ኣቕረበሎም።

14 December 2023, 17:17