ድለ

2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ሰላም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኢጣልያ የመስግኑ 2023.12.11 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ሰላም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኢጣልያ የመስግኑ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንማሕበራዊ ሰላም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣመሓደርቲ ዞባታት ኢጣልያ የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ታሕሳስ ንመሓደርቲ ዞባታት ኢጣልያ ተቐቢሎም፥ “ናይ ሕብረተሰብ ኢጣልያ ክብርታት ማሕበራዊ ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ስለ እተስፍሑ አመስግነኩም” ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዞባታት ኢጣሊያ ኣመሓደርቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም “ኣብ ሕብረተሰብ ስኒት ዘለዎ ሓባራዊ ህይወት” ንምርግጋጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕዮኹም ዝነኣድ እዩ” ቢሎም፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን ከም መንጎይናታት ዝገብሮም ወሳኒ ተራ ኣጉሊሖም በርገሳዊ ሰበስልጣን ምስ ዜጋታት ብፍላይ ድማ ምስቶም ኣብ ከቢድ ኩነታት ንዝርከቡ ዜጋታት ጭቡጥ ቅርበት ዘረጋግጽ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒ፡ ኣብ ስርዓተ መንግስቲ ኢጣልያ ኣመሓዳሪ ዞባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ሓፈሻዊ ወኪል ሃገራዊ መንግስቲ ኮይኑ ዘገልግል፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዝሕቆፍ ምዃኑ ይሕብር።

ሕግን ስርዓትን ምሕላው ንሰብኣውነት ትኹረት ሂብካ ምግባር

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ካብ ሕግን ስርዓትን ምሕላው ዝብል ኣገልግሎት ኣመሓዳርቲ ዞባ ዘጋጥሞም ዘሎ ሰለስተ ብድሆታት ኣስተንቲኖም።

"ቀዳምነትን ረቂቕን መዳይ ስራሕኩም ምኽባር ሕጊ ምስ ትኹረት ንሰብኣውነት ምውህሃድ ስለ ዝሓትት ጥንቃቔ ይጠል "። ሓለዋ ግዳያት ገበናት ንምርግጋጽን ብተመሳሳሊ ድማ ንገበነይናታት ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ንምርግጋጽን ሕጋውነትን ሰብኣውነትን ከምዘድሊ ር.ሊ.ጳ. ሓቢሮም።

ምምሕዳር ሕግን ስርዓትን “ኣብ ሕብረተሰብ ስኒት ዘለዎ ናይ ሓባር ህይወት ሃዋህው ንምፍጣር ዝግበር ጻውዒት” ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ብተወሳኺ እዚ ዕማም ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ሓለዋ ጸጥታ “ብዘይ ውልቃውን ውሽጣውን ስርዓት” ክፍጸም ከምዘይክእል ኣመልኪቶም ፣ እዚ ዕማም ምስጋናና ዝሓትት፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ሓደገይና ስራሕ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ኣብ ህጹጽ ጻዕርታት ኣበርክቶ

እቲ ካልኣይ ብድሆ ር.ሊ.ጳ. ዘጉልሕዎ ጽልዋ ናይ ጽንኩር ተርእዮታት ኩነታት ኣየር ኮይኑ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገለ ዞባታት ኢጣልያ ዘሎ ስነ ማያት ዘይምርግጋእ ብዓቢኡ ዘጋደደ ኮይኑ፡ እዚ እውን ከም ሳዕቤን ምዝባዕ ከባቢ ኣየር እዩ።

ዋላ’ኳ ንቡር ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምስ ናይ ሓመሓደርቲ ሓላፍነት ዝተኣሳሰረ ኣይኹን፡ ኣብተን ዝተሃስያ ዞባታት ኤሚልያ ሮማኛ፡ ቶስካናን ሲቺሊያን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ኣብ’ቲ ህጹጽ ጻዕርታት ተሳትፎኦም ዝነኣድ ከም ዝነበረን። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ትጉሃት መንግስታዊ ትካላትን ናይ ብሕቲ ተዋሳእትን ዜጋታትን ሃናጺ ምትሕብባር ኣገዳስነቱ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም ። “ንሓባራዊ ገዛና ንምሕላው፡ ብኣርሒቕካ ምርኣይ፡ ጻዕርታት ምጥርናፍ ኣብ ህሉውን መጻእን ኣገዳስን ህጹጽን እዩ” እንክብሉ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣመሓደርቲ ዞባታት ንጉዳያት ስደተይናታት ኣብ ምፍታሕ በይኖም ክሕደጉ የብሎምን

ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ምሕደራ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ኣመሓደርቲ ዞባታት ስርዓታዊ ኣቀባብላ ንምውዳብ፣ ምስቲ ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ማሕበረሰባት ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዘኽእል ዕማም ንምርግጋጽ ሓላፍነት ዝተወሃቦም ምዃኖም ኣዘኻኺሮም እዚ ኣጸጋሚ ዕማም ምዃኑ ቅዱሰንቶም ኣስተብሂሎም፣ ምኽንያቱ ስደተይናታት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ዘስካሕክሕ ስንባደ ዝሓወዩን ዝተቓልዑን ሰባት እዮም: “ውጅህታት እምበር ቁጽሪ ኣይኮኑን” ኢሎም፣ "ብቐሊሉ ክምደቡ ዘይክእሉ፣ ግን ከኣ ክሕቆፉ ዝግበኦም ሰባት፤ ካብ መንካዕ ገበነይናታት ውድባት ሓራ ክወጹ ዘድልዮም ኣሕዋትን ኣሓትን እያቶም።”

ነዚ እዩ ድማ፡ ኣብዚ ዕማም’ዚ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ስደተይናታትን ነበርቲ እቲ ከባቢን ክለዓል ዝኽእል ወጥሪ ኣብ ምፍታሕን ክመጽእ ዝኽእል ስርዓት ኣልቦነትን ዓመጽን ኣብ ምምሕዳርን፡ ኣመሓደርቲ ዞባ በይኖም ክሕደጉ ከምዘይብሎም ኣስሚሮምሉ።

ክብርታት ምትእስሳርን ምትሕግጋዝን ምድንፋዕ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኣመሓደርቲ ዞባታት ኢጣልያ ንሓባራዊ ረብሓ ንዝገበርዎ ተወፋይነት ኣመስጊኖም፡ “ኣብቲ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ኢጣልያን ብሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ ትሰርሑ፡ ብዛዕባ ምትእስሳርን ምውህሃድን ምቕባልን ምትሕግጋዝን ዝነግር ልምድታትን ክብርታትን ሃብታም ስለዝኾንኩም የቐንየልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 December 2023, 12:11