ድለ

2023.09.30 Sua Santita' Bartolomeo I, Patriarca Ecumenico di Costantinopoli 2023.09.30 Sua Santita' Bartolomeo I, Patriarca Ecumenico di Costantinopoli  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ናብ ኵልኣዊ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ሰላምታ ለኣኹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ጠበቓ ቍስጥንጥንያ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኵልአዊ ፓትርያክ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ በርቶለሜዎስ አብ ዝለአኽዎ ናይ ዕንቋ አብጽሓና መልእኽቲ ነቲ ብ1964 ዓ/ም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ከምኡውን ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኩልአዊ ፓትርያርክ ኣቴናጎራስ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ኣኼባ ብምዝኽካር፣ ቅዱሳን ጴጥሮስን እንድርያስን ሕውነታዊ ድርገት ክወሃበና የማልዱልና ክብሉ ጸልዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ስሳ ዓመት ይገብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ኦርቶዶክሳውያን ኵልኣዊ ፓትርያርክ ኣቴናጎራስን ኣብ የሩሳሌም ታሪኻዊ አኼባ አካዪዶም ። እዚ ኣኼባ እዚ ኣብ መንጎ ናይ ሮማ ጳጳስን ናይ ቍስጥንጥንያ ፓትርያርክን ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ዝኣክል ተፈላልዮም ዝነበሩ ንመጀመርታ ግዜ እተገብረ ኣኼባ ኢዩ ዝነበረ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም አብዚ እዋን እዚ አብ መንበረ ቍስጥንጥንያ ዘለዉ ኩልኣዊ ፓትሪያርክ ናብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ በርቶለሜዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዝለአኽዎ ዓመታዊ ሰላምታ፣ ነቲ ታሪኻዊ አኼባ ብምዝካር "እዚ ኣጋጣሚ እዚ ነቲ ዳርጋ ንኣሽሓት ዓመታት አብ መንጎና ዝጸንሐ ጊጉይ ርድኢትን ዘይምትእምማንን ከምኡ ውን ጽልኢ ኣብ ምፍራስ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኢዩ ዝነበረ" ክብሉ ጸሓፉሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ መልእኽቶም "ሎሚ ንቓላትን መግለጺታትን እቶም ክልተ ትንቢታውያን ኣቦትት ጥራይ ዘይኮነስ ልዕሊ ዅሉ ነቲ ምዉቕ ምትሕቑቛፎም ክንዝክሮ ኣሎና " በሉ ።

ቅዱስ አቦና አስዒቦም እቲ ኣብነቶም "ነቲ ኵሉ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ዝነበረ ምሉእ ሓድነት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ዘኽእል ኡነተይና መገዲ ክንዲ ዝነበረ፣ ብአካል ብምርኻብን ብሓንሳእ ግዜ ብምሕላፍን ዝልለ ከም ዝነበረ" ገለጹ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እምበአር ሎሚ ውን "ምሕዝነታዊ ምይይጥ፡ ሓባራዊ ጸሎት ምግባር፡ ከምኡውን ብሓድነት ንደቅሰብ ምግልጋል፣ ነቲ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዘሎ ፍልልያት ንምስናፍ ኣበርክቶ ኺገብር ይኽእል እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዘመልከትዎ "ብሓገዝ ኣምላኽ " ቅዱስነቶምን ፓትርያክ በርተሎሜዎስን ኣስር ኣሰር እቶም "ቅድሚኦም ዝነበሩ ክቡራት አቦታት" ኪስዕቡ ኸም ዝኸኣሉ ይዝክሩ ። ቀጺሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቅድሚ እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ኣብ ናይ ሕብረት ክርስቲያን መደብ ጸሎት ዋዜማ ተሳቲፎም ብምግልጋሎም፣ ከምኡ ውን ካብ ቍስጥንጥንያ ዝመጹ ተወከልቲ ኣሕዋት ኦርቶዶክሳውያን ኣብ ዕዮ እቲ ሲኖዶስ ብምክፋሎም ዘለዎም ብሉጽ ብምስጋና ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ምደምደምታ መልእኽቶም "እቲ ሞትን ዕንወትን ጥራይ ዜምጽእ ብረታዊ ውግእ ኬቋርጽን መንግስታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከኣ ወትሩ መገዲ ዘተን ዕርቅን ጥራይ ከናድዩ ናብቲ መሓሪ ዝኾነ ኣቦና ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ነቕርብ" ክብሉ ብምዕዳም ዛዘሙ።

" ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን እንድርያስን ንዅሎም ህዝብታት ውህበት ሕብረትን ሰላምን ክንረክብ የማልዱልና።"

01 December 2023, 12:59