ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሰናይ ባህርያት ክንላበስ ተዘኻኽረና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ምኽንያት ብምግባር አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 12 ሕዳር ብምኽንትያ ክብረ በዓል ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ አብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ቃል አምላኽ ብዛዕባ እቲ አብ ነጸላናይ ቅዱስ ህዋን ዲየጎ ብተአምራት ተሳኢሉ ዝተረፈ አይቆና ቅድስቲ ድንግል ማርያም አስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብ ስብከቶም - "እዚ ምስሊ እዚ፣ ስእሊ ናይታ ቐዳመይቲ ጓል-መዝሙር ዝኾነት፣ ናይታ ኣደ ዅሎም ኣመንቲ ዝኾነት፣ ከምኡ ውን ብዓንዲ ርእሱ ስእሊ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኢዩ፣” በሉ ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም፣ “እዚ ድማ ብትሕትና እንታይነትናን ንዘሎና ኩሉን ዘንጸባርቕ ኢዩ፣ ከምኡ ውን ብዙሕ ዋጋ ዘይብሉ ግን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ዓብዪን ክቡርን ዝኾነ ኣይቆና ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ብዛዕባ እቲ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንቅዱስ ዲየጎ ዕምባባታት ንኽእክብ ዝሃበቶ "ንእሽቶ ዕማም" ውን ኣስተንተኑ ። "እቲ ዕምባባታት ብምስጢራዊ መገዲ ነቲ ጐይታ ኣብ ልቢ ወድ-ሰብ ዘስርጾ ጽቡቕ ባህርያት የመልክት፣ ናትና ዕዮ ኣይኰነን" ብምባል ድማ ኣመልክቱ ። ኣምላኽ ነዚ ውህበት እዚ ኽንቅበሎ ነቲ ድኹም ክውንነትና ብሰናይ ግብሪ ኽንጥዕሞ ጽልእን ፍርህን ከኣ ከነወግድ ከም ዝደልየና ውን የርኢ" በሉ።

ድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ መልእኽቲ ጓዳሉፐን ናብተን ቃልት ቅድስቲ ድንግል ማርያም "አነ እታ ኣዴኻ ኣብዚ እንሆኹልካ እንዶ ?" ንዝበለቶ አስተንተኑ። ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ እዘን ቃላት እዚኣተን ድንግል "ምዃን" ማለት "ኣብዚ ሕማቕ ክዳውንቲ እዚ ንሓዋሩ ክሰኣል ምኽአሉ ኢዩ ዘመልክት ፣ እዚ ኸኣ ኣብዛ ምንም ፍረ ዘይብላ እትመስል ዓለም ብዝተኣከበ ጽቡቕ ባህርያት እተለበጠ ይኸውን ማለት ኢዩ።"

ቅዱስ አቦና እዚ ውርዝና እዚ "ንድኽነትና በቲ መግለጺ ፍቕሪ ዝኾኑ ነኣሽቱ ተግባራት ምምላእ ማለት ኢዩ!" እንክብሉ አስተምሃሩ ። ቀጺሎም ድማ ነታ ነጸላ ከም ምስሊ እታ ንክርስቶስ ኣብ ሕቖፋ ሒዛቶ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ገይሮም ገለጽዎ።"

እዚ ኣብ ነጸላ ቅዱስ ዲየጐ ዘሎ ስእሊ መግለጺ ዘየድልዮ ቐሊል መልእኽቲ ምዃኑ ድማ አመልከቱ ። "ካብ ብዙሕ ማሕበራውን ፖለቲካውን ስነ-ሓሳብ ዘዕቍበና መልእኽቲ ኢዩ!" ይኹን እምበር ነዚ መልእኽቲ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ገለ ገለ ሰባት ንገዛእ ርእሶም መመኽነይታ ንምቕራብ ነዚ ምስሊ እመቤትና ጓዳሉፔ ክጥቀሙ ይጽዕሩ ኢዪም ። እንተዀነ ግን ቅዱስነቶም ከም ዝገለጽዎ መልእኽቲ ጓዳሉፕ ንዝዀነ ይኹን ስነ-ሓሳባት ከም ዘይጻወሮ ገለጹ። አብ ደምደምታ ቅዱስ አቦና "እቲ ምስልን እቲ ነጸላን እቶም ጽጌረዳታትን ጥራይ እዩ ተሪፎም ዘለዉ!” እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

13 December 2023, 17:54