ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ ተልእኾ ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝምልከት ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንኣት ክገብርዎ ዝጸንሑ ተኸታታሊ ትምህርትታት አብ ምዝዛም፣ ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ዘበለ ምእመን፣ ወንጌል ንዅሎም ህዝብታት ክምስክርን ክእውጅን ከም ዝጽዋዐ አስተምሃሩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ነቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ሓዋርያዊ ቅንኣት ብተኸታታሊ ክገብርዎ ዝጸንሑ ትምህርትታት፣ አብ ናይ ሎሚ ዕለት 13 ሕዳር ዝገብርዎ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ድሕሪ 30 ተኻታተልቲ ክፍልታት ኣብ ምዝዛም፣ ወንጌል ምምስካርን ምስባኽን "ካብ መጀመርታ አትሒዙ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝምልከት ኢዩ " ብምባል ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኣስተምህሮኦም ንምእመናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት ዝፍጸም "ሥርዓተ-ኤፋታ" ከስተንትኑ ብምዕዳም ንናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ጀመርዎ።

እዚ ሥርዓት እዚ ድማ ካብቲ ኢየሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ገሊላ ዝነበረ ጸማምን ዓሻን ሰብአይ ብተኣምራዊ መገዲ ክፍውሶ እንከሎ ካብ ዝፈጸሞ ኣገባብ ዝተወስደ ምዃኑ ኣዘኻኸሩ ።

ኣብ ናይ ዕለቱ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተነበ ቃል አምላኽ እንካብ ወንጌል ማርቆስ 7፡31-35 ኢዩ ዝነበረ፤

ወንጌል ማርቆስ

ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ሃገር ጢሮስ ወፀ፥ ብሲዶና ኣቢሉ ኸኣ ብማእከል ደካፖሊስ ዚብሃል ሃገር ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም ኢዱ ኼንብረሉ ለመንዎ። ካብቶም ሕዝቢ ንበይኑ ፍልይ ኣቢሉ ድማ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። ናብ ሰማይ ቊሊሕ ኢሉ ብርኅራኀ ኣተንፊሱ ኸኣ “ኤፋታ”፥ ማለት “ተኸፈት” በሎ። ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፥ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፥ ኣጽርዩ’ውን ተዛረበ።

 ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም

ሎሚ ነቲ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ብህይወት ብዙሓት መሰኻኽር ወንጌልን በቲ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ካብ እተረኽበ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን ኣቢሉ ንኸነቓቕሓና ብተኸታታሊ ክንገብሮ ዝጸናሕና ትምህርትታት ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንኣት ንዛዝም አሎና ። እዚ ድማ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዝምልከት ከም ምዃኑ እውን አመልኪተ ኢየ ። ኣብ ሥርዓተ ምስጢረ ጥምቀት እቲ ሰራዒ ካህን ንኣእዛንን ከናፍርን እቶም ተጠመቕቲ ብምትንካፍ "እቲ ንጽሙማን ኪሰምዑ ንዓባሳት ክዛረቡ ዝገበረ ጐይታ ኢየሱስ ቃሉ ንኽትቅበሉን እምነትኩም ንኽትምስክሩን የብቅዓኩም፣" ከም ንዝብሎም እስከ ንመልከት ። ሰማዕትን መስከርትን ኢየሱስ ንኽገብረና ንኣምላኽ ንልምኖ ። እዚ ኸኣ ናይ ኤፋታሕ ሥርዐት ተባሂሉ እዩ ዝፍለጥ ፦ እዚ ስም እዚ ኻብቲ ኢየሱስ ክፍጽሞ እተረኽበ ዜደንቕ ምልክት ማለት ካብቲ ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ወንጌል ዝመጸ እዩ ፣ ብዛዕባ እዚ ድማ ኢየ ሎሚ ከስተምህረኩም ዝደሊ ዘሎኹ (ማር  7፡ 31-35)።

ወንጌላዊ ማርቆስ እዚ ኩሉ አበይ ከም ዝተፈጸመ እንክገልጽ፣ ኢየሱስ "ካብ ጢሮስ ወጺኡ ብሲዶን ምስ ሓለፈ " (ቍ. 31) ናብ ጥቓ "ባሕሪ ገሊላ፣ ኣብ ከባቢ ደካፖሊስ" ከም ዝኸደ ጽቡቕ ጌሩ የመላኽተልና ። እዞም ኽልተ ዞባታት እዚአቶም እንታይ ዜመሳስሎም ነገር ኣለዎም? እዚ ድማ መብዛሕትኦም ኣረማውያን ዚነብሩሉ ቦታ ብምዃኑ እዩ ። እቶም ናይ ቀረባ ደቀ መዛሙርቱ፣ ነዚ ኢየሱስ ዝገበሮ "ጕዕዞ" ዘየድነቕዎ ኢዮም ዝመስሉ ፣ ንሱ ግና ኣብዚ ቦታ እዚ ኢዩ ብልክዕ ንሓደ ጸማምን ዓባስን ዝነበረ ሰብኣይ ዝፈወሰ ። ኣብ ብምሉኡ ብሉይ ኪዳን ወላ ሓደኳ ጸማምን ዓባስን ዝነበረ ሰብ ከም ዝሓወየ ዚሕብር ኣብነት ኣይንረክብን ። ይኹን እምበር ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዓባስ ምዃንን ጸማም ምዃንን ዚብል ትርጕም፣ ልዕሊ ዅሉ ምሳሌዊ ኸም ዝዀነን ንጽውዓ ኣምላኽ ዕጽው ምዃን ከም ዜመልክት ግን ንዘክር ። እቶም ኣብዚ ተዓጽዮም ዘለዉ ድማ ደቀ መዛሙርቲ ኢዮም ክርስቶስ ከኣ ገዛእ ርእሱ ክገልጸሎም ይደሊ ዘሎ ኢዩ ዝመስል፣ ነዚ ክገብር እንከሎ - ነቲ ሰብአይ "ንበይኑ ከም ዝወስዶ" (ቍ. 33) ወንጌል ይነግረና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ወንጌል ማርቆስ ነዛ ቓል እዚኣ “ንበይኻ ምውሳድ” ኽትጥቀመላ እንከሎ ብዛዕባ ጕድለት ምርዳእ ኢዩ ዘመልክት ዝነበረ ። ስለዚ እምበኣር ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ካብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ዘዘውትርዎ ዝነበሩ ዞባታት ከም ዝወጹ ብምግባሩ ከምኡውን ወንጌል ምእንቲ ኽሰምዕ፣ ነቲ ኣረማዊ ብምፍዋሱ ነቲ ኣምላኻዊ ምድሓንን ናይ ነጻነት ህላዌኡን ንዅሉ ሰብ ምእንቲ ክሰብኩ፣ ካብቲ ጸቢብ ክፍሊ ህዝቢ ወይ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ሓዲጎም ንኽወጹ ዘቕረበሎም ዕድመ ሓንጐፋይ ኢሎም ንክቕበልዎ ዝደሊ ዘሎ ኢዩ ዝመስል -  ናብቶም ጓኖትን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉን፣ ናብቶም ብስጋን ነፍስን ጽሙማን ከምኡውን ናብቶም ሓደ ዓይነት ቛንቋ ዘይዛረቡ ዝነበሩ ንክኸዱ ዘቕረበሎም ዕድመ ኢዩ ።

         ካልእ ምልክት እውን ኣሎ - ወንጌል ነቲ ኢየሱስ ብቋንቋ ኣረማይስጢ እተዛረቦ ወሳኒ ቓል ማለት ነቲ ንደቀ መዛሙርቱ ክዛረቦም እንከሎ ዚጥቀመሉ ዝነበረ ቛንቋ እዩ ዘዘንትወልና ። "ኤፍፋታ" ማለት [ብቋንቋ ኣረማይስጢ] "ተኸፈት" ማለት ኢዪ፣ እዚ ቃል ድማ ነቲ ኺሰምዖ ዘይክእል ጽሙም ሰብ ዘይኰነስ፣ ብንጹር ነቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ [ቋንቋ አረማይስጢ ዝዛረቡ] ደቀ መዛሙርቱን ንናይ ኩሉ ዘመንን ዘቕረበሎም ዕድመ እዩ ዝነበረ ። ንሕና እውን እቶም አብ ጥምቐትና ነዚ መንፈሳዊ ኤፍፋታ ዝተቐበልና ክፉታት ክትከውን ኢና እተጸዋዕና ። ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ኣማኒን ንቤተ-ክርስትያኑን "ተኸፈት" በሎም - መልእኽቲ ወንጌል ክትምስክሩን ክትእውጅን ስለ ዘሎኩም ክፉታት ኩኑ! ተኸፈቱ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ምቾትካ ኣይትተዓጾ "ኵሉ ሳዕ [ስብከተ ወንጌል] በዚ ኸምዚ ኢዩ ዝፍጸም" ድማ በሎም ። ቤተ-ክርስትያን ልእኽቲ ንኽትከውን ወንጌል ንኽትሰብኽን ንዘለዓዕላ አስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ክፍቲ ትኹን! በለ።

         ኢየሱስ ንልሳን እቲ ዓባስ ብጥፍጣፉ ኸም ዝተንከዮ ዚገልጽ ተወሳኺ ዝርዝር እስከ ንርአ ። ብመሰረት ኣተሓሳስባ እቲ ግዜ እቲ፣ ጥፍጣፍ "ነጥቢ ናይ እስትንፋስ" ከም ዝዀነ እዩ ዚሕሰብ ዝነበረ ። ወንጌል እምበአር ነቲ ክርስቶስ ኤፋታሕ ቅድሚ ምባሉ “ናብ ሰማይ ቍሊሕ ኢሉ ብርኅራኀ አስተንፈሰ” ( ቍ. 34)  ቢሉ ምግጹ ብኣጋጣሚ ኣይኰነን ዝነበረ ። “ብርኅራኀ ምስትንፋስ”፦ እዚ ኸኣ ኣእዛኑ ምእንቲ ኺኽፈትን ልሳኑ ምእንቲ ክፍታሕን መንፈስ ቅዱስ ከም ምስራጽ ዘመልክት እዩ። ነቲ ሓጐስ  ተልእኾና ኣብ ሓዊ መንፈስ እንደገና ንኽንረኽቦ ዝቐርበልና ዕድመ ውን ኢዩ ።

ከም ሓቂ እኳ ደኣስ እቲ እምንቶ ተልእኾና አብቲ ሓባራዊ ምርድዳእ ንምርካብ ተባሂሉ ዝዝረብ ምውዕዋዕ ኣይኰነን ዝምርኮስ የግዳስ ንሰባት ብሓበሬታታት ንምምላእ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልቢ ወድሰብ ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዝቀጻጸል ዝገብር ኢዩ። ልቢ እቶም እንሰብኪም ሰባት "ክምላእ ዘለዎ ሳርማ ዘይኰነስ ክነድድን ክጉህርን ዝለዎ ፈሓም እዩ" ዝብል ሰናይ ዝኾነ መግለጺ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር ናይ ሓዋያዊ ቅንኣት አብ ውዳበ ዘይኰነስ ኣብ ውዕዉዕ ስምዒት [ተልእኾ] ኢዩ ዝምርኰስ፣ በቲ እንረኽቦ ሓባራዊ ምርድዳእ ዘይኰነስ በቲ እንህቦ ፍቕሪ እዩ ዚልካዕ ።

ኣብ መወዳእታ ወንጌላት እውን ከም እንረኽቦ ኢየሱስ ተልእኾ ጥራይ ዘይኮነስ ሓዋርያዊ ቅንአት ውን ብሕድሪ ሂቡና እዩ ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ገጻት ወንጌል ዮሃንስ (21 1-18) ከም እንረኽቢ ኢየሱስ ንጴጥሮስ ኣባጊዑ ናይ ምክንኻንን ከምኡ ውን ንዅሉ ጓሳ ናይ ምዃንን ተልእኾ ሃቦ። ነዚ ዕዮ እዚ ኸኣ ኣብታ ኣብቲ ግዜ እቲ ብዝሓውነት ዝረአየላ ዝነበረ ዞባ ገሊላ እዩ ሂብዎ። ኢየሱስ ንጴጥሮስ ኣብታ ጽፍፍትን ብቐሊሉ እትልለ ሃይማኖታዊት ከተማ ኣብ የሩሳሌም ዘይኰነስ ኣብ ገሊላ ብተኣምራዊ መገዲ 153 ዓበይቲ ዓሳታት ድሕሪ ምሓዝ እዩ ሂብዎ ፣ እዞም ዓሳታት እዚአቶም ኸኣ ንዅሎም እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ህዝብታት ዜመልክቱ ኢዮም ዝነበሩ (ቍ. 11) ። እቲ መልእኽቲ ንጹር እዩ ፦ ጓሶት ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዓለም ዘሎ ብወንጌል ምእንቲ ክበጽሕዎ ነቲ ገማግም ድሕንነቶም ሓዲጎም ናብቲ ዓሚቁ ባሕቲ ኪኸዱ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ገፈፍቲ ሰብ ኪዀኑ ኣለዎም ።

ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብሳላ ጥምቀትና ንኢየሱስ ክንምስክርን ክንእውጅን ከም እተጸዋዕና ይስምዓና ። ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ከኣ ናይ ጉስነትን ተልእኾን ለውጢ ንምምጻእ ጸጋ ንለምን ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ከምቲ ጐይታ ንጴጥሮስ ዜፍቅሮ እንተ ደአ ዀይኑ ድሕሪ ምሕታቱ ንኣባጊዑ ኺከናኸን ሕድሪ ዝበሎ( ቍ.15-17)። ንሕና እውን ንርእስና ኸምዚ ኢልና ንሕተት ፦ ንጐይታ ብሓቂ አፍቅሮ ድየ ? መስክሩ ክኸውን ድየ ዝደሊ ወይስ ወደ መዝሙሩ ብምዃነይ ጥራይ ዕጉብ እየ ? ነቶም ዝረኽቦም ሰባት ብጸሎት ናብ ኢየሱስ ብምምጻእ ኣብ ልበይ የሕብሮም ድየ ? እቲ ንህይወተይ ዝቐየረ ሓጐስ ወንጌል ንህይወቶም ዝያዳ ብሉጽ ምእንቲ ኽገብሮ ገለ ነገር ክገብር እደሊ ድየ?

13 December 2023, 17:48