ድለ

2023.12.11 Papa Francesco incontra monsignor Cyril Vasil’ - 11 dicembre 2023 2023.12.11 Papa Francesco incontra monsignor Cyril Vasil’ - 11 dicembre 2023  (Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ሓዋርያዊ ሓዋጺ ናይ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ ሲሮ-ማላባር ቤተክርስቲያን ንዘጋጠመ ምፍሕፋሕ ብዛዕባ ሥርዓተ አምልኾ ንምፍታሕ ንዝመረጽዎም ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሲሪል ቫሲል ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰኑይ አብ ድሮ እታ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ሒዞም ናብ ኬረላ ህንዲ ዕለት ነቶም ኣቐዲሞም ከም ሓዋርያዊ ሓዋጺ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ መሪጾም ናብ ርእሰ-ኤጳርቅናታት ኤርናኵላም ሊኾምዎም ዝነበሩ፣ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ሲሪል ቫሲል ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ ።

ዝሓለፈ ሰሙን ብዕለት 7 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ ምእመናን ርእሰ-ኤጳርቅናታት ሲሮ-ማላባር ናይ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉሎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ አብ መልእኽቶም ቅዱስ አቦና ነቲ ብዛዕባ መሥዋዕተ ቅዳሴ “ቍርባና” ንእተላዕለ ምክፍፋልን ዓመጻን መወዳእታ ኽግበረሉ ጻውዒት አቕሪቦምሎም ኢዮም ። ምእመናንን ርእሰ-ኤጳርቅናታት ኤርናኩላም-አንጋማሊ ነቲ ብ2021 ናይ ሲሮ-ማላባር ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተሰማምዓሉ ዝኣወጆን አገባብ ሥርዓተ-ቅዳሴ ኻብ ምቅዋም ግን ኣየቋረጹን።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ከራላ ተላእከ

ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቫሲል አባል ማሕብር ኢየሱሳውያን ኮይኖም ኣቐዲሞም ሓለቓ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ምስራቓውያን አብያተክርስቲያን አብ ሮማ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን እዚ ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ኮሺስ ኣብ ስሎቫክያ ንካቶሊካውያን ዘሥርዓተ-ቢዛንታይን ኰይኖም የገልግሉ ኣለው ። ሎሚ ሰሉስ 12 ታሕሳስ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተቐቢሎም ናብ ኬረላ ተበጊሶም አለዉ ።

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሮ ናብ ርእሰ-ኤጳርቅናታት ኤርናኩላም-ኣንጋማሊ ተላኢኾም ምንባርም ዝዝርከር ኢዩ ፣ አብቲ ዝገበርዎ ምብጻሕን ነቲ ብዛዕባ ሥርዓተ አምልኾ ዘጋጠመ ፍልልያትን ግጭታትን ንምፍታሕ አብ ዝገበርዎ ጻዕርታት ክቡር ኣባ ሳኒ ኮካራቫላየል ኣብ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ምብራቓውያን መምህር ሕገ-ቀኖና ዀይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣሰንዮምዎም ኢዩም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለአኹሎም ናይ ምስማዕ-ርእየት መልእኽቶም "ሊቀጳጳስት ሲሪል እውን አብ ክንዳይ ኮይኖም በጺሖምኹም፣ ነቲ ግጭታትን ተጻብኦታትን ክርክራትን ከተቋርጽዎን ገለገለ እዋናት ውን ንዘጋጠመ ዓመጻ ከተቋርጽዎ ሓቲቶምኹም ኢዮም " ከም ዝበልዎም ዝዝከር ኢዩ ።

ምክፍፋልን ዓመጻን

ሊቀ-ጳጳሳት ቫሲል ውን ንባዕሎም ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ ምብጻሕ በቶም እተፈላለየ ነገራት ዝደርበዩሎም ምእመናን ግፍዒ ወሪድዎም ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሎም ውን እቶም ተቓወምቲ ናይቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ምብራቓውያን ኣብያተ-ክርስትያን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ሊዮናርዶ ሳንድሪ ስእሊ ከንድዱ ውን ተረኺቦም ኢዪም፣ ከምኡውን ናይቶም ርእሲ ቤተ-ክርስትያን ሲሮ-ማላባር ዝዀኑ ዓብዪ ሊቀ-ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ጆርጅ ካርዲናል ኣለንቸሪ ስእሊ ውን አንደዱ።

ብፁዕ አቡነ አለንቸሪ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብፍቓዶም ካብ ሓላፍነቶም ንኽለቁ መሕትት ናብ ቅድስቲ መንበር ድሕሪ ምቕራቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዕለት 7 ታሕሳስ ናይዞም ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳትን ናይቶም ሓዋርያዊ መስተናብርት ዝነበሩ ናይ ብፁዕ ኣቡነ ኣንድሪውስ ታዝሃት ሊቀ-ጳጳሳት ናይ ከተማ ትሪኩር ተቐቢሎም፤ ከም ሓድሽ ሓዋርያዊ መስተናብር ድማ ንናይ መልቦርን ኤጳርቃ ንብፁዕ አቡነ ቦስኮ ፑቱር ድሕሪ ምምዛዝ፣ ቅዱስ ኣቦና ነታ ርእሰ ሰበኻታት “ሥልጣኑ ብቕድስቲ መንበር ዝተሓዝአ ናጻ-መንበት”  ክብሉ አዊጆም አለዉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሃብዎ መጠንቀቕታ

እቲ ኣብዛ ጥንታዊት ቤተ-ክርስትያን ህንዲ ዘሎ ዅነታት ኣዝዩ ስለ ዘሕዘኖም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎ ኣቕዋም ንምግላጽን፣ ኣብ መንጐ ምእመናን ንዝነበረ ጥርጣረታት መልሲ ንምሃብን ናይ ብሕቲ ምስማዕ ርእየት መልእኽቲ አመሓላለፉሎም ። ቅዱስነቶም አብ መልእኽቶም ነቶም ምእመናን "ኣንቈራ" ካብ ምዃን ክሕለውን ብሰንኪ እዚ እና ከፍአ ዝኸይድ ዘሎ ዅነታት ነቲ ላዕለዋይ ሥልጣን ቤተ-ክርስትያን ዘለዎ አካል ስጉምቲ ንኽወስድ ካብ ምግዳዱ ንኽጥንቀቑን ተማሕጸንዎም ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ እቶም ሓዋርያዊ ሓዋጺ ናብ ህንዲ ክምለሱን ዳግም ምብጻሕ ከካየዱን ግዲ ኮይኑ አሎ ።

12 December 2023, 16:45