ድለ

2023.12.15 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቅትለት ህጻናት ልቢ እቶም ውግእ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ይተንክፍ 2023.12.15 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቅትለት ህጻናት ልቢ እቶም ውግእ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ይተንክፍ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቅትለት ህጻናት ልቢ እቶም ውግእ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ይተንክፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ 70 ዝዀኑ ኣወዳትን ኣዋልድን ናይ ኢጣልያዊ ካቶሊክ ተግባር ኣባላት መንሰያት ዝውክሉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለግስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቶም ኣብ ቓዛ ዩክረይን ከምኡውን የመን ብዝካየድ ውግእ ዝሳቐዩ ቘልዑ ዘኪሮም፡ ኣብ በዓል ልደት፥ ውህበት ፍቕሪ ኣምላኽ ንዕኡን ንኻልኦትን ንፍጥረቱን ንኸነፍቅሮም ይዕድመና እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ታሕሳስ ንመንሰያት ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ዝውክሉ 70 ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮም መንሰያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ንኣምላኽ ብምፍቃርን ንሓድሕድካ ብምፍቓርን ጥራይ እዩ “ዓለም ዘድልያ ብርሃንን ሰላምን ክትረክብ እትኽል” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፡ ኣብዚ ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት ንምግላጽን ሰላምታን ንምልውዋጥን ንመላእ ካቶሊካዊ ተግባር ኣባላት መንሰያት ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ኣስዒቦም ነቶም ብመንፈሳዊ ተሓጋገዝቶምን መምሃራኖምን ንዝተዓጀቡ መንሰያት ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር፥ ኣብ ዓለም ብኹናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታት ብፍላይ ድማ ህጻናት ከይርስዑ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ዝቐትል ሕምቢላሎ ዓመጽ ደው ምባል

ብፍላይ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣብ ቓዛ ግጭት ካብ ዝጅምር ንነጀው ዝሞቱ ኣሽሓት ህጻናት፡ ኣብቲ ኣብ ዩክሬይን፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ንዓመታት ኣብ የመን ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዝሞቱ ህጻናት’ውን ዘኪሮም፥

“ኣብዚ ኣብ ቓዛ ብጀካ ዘሎ ኲናት ክንደይ ቆልዑ ከም ዝሞቱ ትፈልጡ ዶ? ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ምዃኖም እዩ ዝንገር። ንምእማኑ ብሓቂ ዘጸግም። እዚ ግን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኣብ ዩክሬን ድማ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብ የመን ድማ ኣብቲ ንዓመታት ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብብዙሓት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ሓሊቖም እዮም።”

እብክብሉ ዘኪሮም – እቲ ዝኽሪ እቶም ዝተቐትሉ ሕጻናት ንዓለም መብራህቲ ክንከውን፣ ልቢ ብዙሓት ሰባት፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ሕምቢላሎ ዓመጽ ደው ከብሉ ዝኽእሉ ሰባት ክንትንክፍ ይዕድመና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንኣምላኽን ንኻልኦትን ንፍጥረቱን ምፍቃር

እቲ “ዘደንቕ ህያብ” ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ በዓል ልደት ንዕኡ ከነፍቅሮ ዝዕድመና እኳ እንተኾነ “ንሕና እውን ከም ኣሕዋት ንሓድሕድና ክንፋቐር ከም እንኽእል” እውን ዘርኢ እዩ፡ ብድሕሪ እዚ ናብ ካልእ ከነብል ዝድርኽ ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝረጋገጽ ንኹሉ ፍጥረቱ ምፍቃር ዝብል ፍቕሪ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ካቶሊካዊት ተግባር ለምዘበን ዝሓረዮ መንፈሳዊ ጭርሖ፥ ‘ቤትካ እዩ!’: ዝብል፥ “ነቲ ኣብ ከባቢናን ኣብ ተፈጥሮን ዘሎ ጽባቐ ከነለሊን ከነኽብርን እግዚኣብሔር ከም ዝጽውዓና ንምርዳእ ዝሕግዘና ምዃኑን ኣብ ሰባት ኣብ ምትሕልላይን ሕውነትን ክዓብይ የተባብዕ” ብምባል ነዚ መንገዲ ብተወፋይነት ክኽተልዎ ኣተባቢዖም፣ እዚ መንገዲ እዚ ንባዕሉ ናይ ተስፋ መልእኽቲ እዩ ምስ በሉ፥ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ነቶም ኣባላት ካቶሊካዊ ተግባር ኢጣሊያ ኣወዳትን ኣዋልድን፥ “ብዕርክነቶምን ለውሃቶምን ሰማይን ምድርን” ብምሕቋፍ ዕድመ እግዚኣብሔር ክሰምዑ ኣተሓሳሲቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 December 2023, 16:23