ድለ

2020.02.21 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት፥ ርትዒ ኣምላኽ ምስ ምሕረት ዘይብተኽ ውህደት ኣለዎ 2020.02.21 ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት፥ ርትዒ ኣምላኽ ምስ ምሕረት ዘይብተኽ ውህደት ኣለዎ 

ር.ሊ.ጳ. ንናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት፥ ርትዒ ኣምላኽ ምስ ምሕረት ዘይብተኽ ውህደት ኣለዎ

ዕለት 1 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዓለም መጽናዕትን ምርምርን ሕገ ቀኖና ዘነቃቕሕን ዘስፍሕን ኣህጉራዊ ማሕበር ናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋመ ምኽንያት ናብቲ ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ስርሖም ብጉስነትን ተልእኾ ወንጌላውነትን ኣገባብ ከሳልጡ ይምዕጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት ኣቦ መንበር ፕሮፈሰር ኪያራ ሚነሊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ነቲ ናይቲ ማሕበር ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ብምሕሳብ፡ እቶም ኣባላት ናይቲ ማሕበር ንመጽናዕቲ ሕገ ቀኖና ንምድንፋዕ ንዝገብረዎ ተወፋይነት ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ እቲ ማሕበር ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከባ ናይ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳውያንን መናብርተ ጥበብ ንዝመጹ ክኢላታት ሕገ ቀኖና ምውህሃድን ምትሕብባርን ክህሉ ኣብ ምግባር ዘካይዶ ዕማም ዝድነቕን፡ እዚ ምትሕብባር እዚ ንኩላዊ ባህሪ ሕጋዊ ትውፊት ቤተ ክርስቲያን ዘጉልሕ ምዃኑን። ከምኡ እውን ኣብ ሕመረት ሕገ ቀኖናን ፍትሓ ብሔርን ሰብ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ፍሉይነት ሕገ ቀኖና እቲ ሰብ ከምቲ ብክርስቶስ ዝተበጀወ ከም ምእመን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቲዮሎግያዊ መሰረት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ኣብ ሕመረት ሕገ ቀኖና ናይ ሓባር ረብሓ ምድላይ ዝብል ኪደት ምህላዉ ንኹሎም ምሁራት ሕገ ቀኖና ኣብ መሰረት ክፍለ ትምህርትታቶም “መልእልተ ባህርያዊ ሕጊ ብመንጽር ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያናዊ ክሕነጽን ክትርጎምን ኣብ ክግብሪ ክውዕልን ኣለዎ።”

ነቲ ኣብ መሰረት ቀኖናዊ ሕጊ ዘሎ ጸኒዖም ደው ዝብልሉ ባይታ ከረኽቡ ኣተባቢዖም፥ እዚ “ራእይ ብኽልተ ኣገላልጻ ቃል ኣምላኽን ትውፊትን” በቲ ካልእ ድማ “ክርስቶስ ዝደልዮ ብመገዲ ቀኖናዊ ስርዓት” ኣብ ግብሪ ክውዕል ናብ ጭቡጥ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽቕበል ምስናይ” ዝብል ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያናዊ ህይወት ምትዕጽጻፍ

ፍራንቸስኮ ህዝበ እግዚኣብሔር ኣብ ታሪኽ ከም ዝነብር ብምግንዛብ፡ ኣብ ሕገ ቀኖና ምስትውዓል ዘለዎ ኣቀራርባ ከም ዘድሊ ገሊጾም፥ “ናይ መመያ ስነ ጥበብ፥ ነቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከምኡ ብምዃኑ ኣብ ግዜኡ ክጸንሕ ዘለዎ ናብቲ ካብ መስራቲኣ ዝተቐበለቶ ተልእኾ ንምፍጻም ዝድግፍ መልክዕ ከመይ ጌርካ ከም እትትርጉም ኣብ ምፍላጥ ዝቖመ ክኸውን እዩ፡ ማለት ወንጌል ድሕነት ንዅሎም ህዝብታት ምእዋጅ . . . “ ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ፥ ቅዱሰንቶም ኣብ ሕገ ቀኖና ዝያዳ ጉስነታውን ልኡካነ ወንጌላውነትን ኣቀራርባ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ሊቃውንቲ ሕገ ቀኖና ነዚ ኣዘኻኺሮም፡ ኣገባብ ወይ ስርዓታት ኣገዳሲ እኳ እንተኾነ፡ ምእመናን ምስቲ መሓሪ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ከገልግሉ ከም ዝኽእሉ ብምርግጋጽ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ከም ዘለዎም ኣዘኻኺሮም። ኣብ ምትግባር ከቢድ እገዳ/ፍርዲ እውን እንተኾነ ቤተ ክርስቲያን ከም ኣደ መጠን ንንስሓ መንፈሳዊ ደገፍ ክትገብር ከም ዝተጸወዐት ገሊጾም፥ ንናይ ሕገ ቀኖና ጠበቓታት ምስቲ ዝምዕብል ዘሎ ድሌታት ቤተ ክርስቲያን ክላመዱን ሓለውቲ ሕጋዊ ስርዓታት ጥራይ ዘይኮኑስ መጋበርያ ፍትሕን ምሕረት ኣምላኽን ክኾኑን ብምዝኽኻር፥

ሓደራ መጋበርያ ፍትሒ ኣምላኽ ምዃንኩም ኣስተውዕሉ፡ ርትዒ ኣምላኽ ምስ ምሕረት ዘይብተኽ ውህደት ኣለዎ!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2023, 09:24