ድለ

Fire burns after an explosion in north Gaza, as seen from southern Israel Fire burns after an explosion in north Gaza, as seen from southern Israel 

ር. ሊ. ጳ. ምቁራጽ ናይቲ አብ ቃዛ እተገብረ ስምምዕ ሰላም 'ሞትን ጥፍኣት ከምኡውን ጸበባ' የስዕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዘቕረብዎ ቃል ምሕጽንታ ብሰንኪ እቲ ኣብ ቃዛ ዳግም ተኸሲቱ ዝሎ ዓመጻ ዝተሰምዖም "ስቓይ" ገሊጾም፣ ነቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ዝለዉ ድማ "ብትብዓት መገዲ ሰላም ክስዕቡ" ጻውዒት አቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ተኹሲ ናይ ምቁራስ ስምምዕ ምፍሻሉ የጕህየኒ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምኽንያት ሞትን ጥፍኣትን መከራን ምዃን ማለት እዩ።"

እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ በዘን ቃላት እዚአተን አቢሎም ነቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝፈረሰ ውዕል እስራኤልን ሓማስን ተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ብዙሓት ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ሓራ እኳ እንተ ወጹ ብዙሓት ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቃዛ ተዓጺዮም ኣለዉ ። ብዛዕባኦም ማለት ብዛዕባ እቶም ብርሃን ዝረኣዩን ብዛዕባ እቶም ንዜፍቅርዎምን ንስድራቤቶምን እንደገና ገጾም ክርእዩ ተስፋ ዝገበሩ ግን ዘይኮነሎም ስባት ውን ንዝክሮም አሎና።"

ወሲኾም ድማ ቅዱስ አቦና "ኣብ ቃዛ ብዙሕ ስቓይ ኣሎ ፣ መሰረታዊ ናይ ህይወት ነገራት ይጐድሎም ኣሎ።" ድሕሪ ቢሎም - "ኵሎም እቶም ኣብዚ ጕዳይ እዚ እቱዋት ዝዀኑ ብእተኻእሎም መጠን ቀልጢፎም ኣብ ሓድሽ ውዕል ምቁራጽ ተኹሲ ኽበጽሑን ካብ ኣጽዋር ሓሊፎም ናብ መንገዲ ሰላም ብትብዓት ክኸዱን ተስፋ እገብር።" ክብሉ ተማሕጸኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ቃዛ ዝለዉ ዅሎም ጅሆ ተታሒዞም ዝለው ሰባት ክፍትሑን፣ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብኡንብኡ መወዳእታ ኽግበረሉን ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪቦም ኢዮም። ዝሓለፈ ረቡዕ ዕለት 22 ሕዳር ቅዱስነቶም ምስቶም አዝማዶም ኣብ ቃዛ ዘለዉ ፍልስጤማውያንን፣ ምስቶም ኣባላት ስድራቤቶም ብጉጅለ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያንን ከም ዝተራኸቡ ዝዝከር ኢዩ ።

04 December 2023, 16:07