ድለ

2023.12.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን: ንቤተ ክርስቲያን ብትሕትናን ውሑድነትን ኣገልግሉ 2023.12.21 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን: ንቤተ ክርስቲያን ብትሕትናን ውሑድነትን ኣገልግሉ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን: ንቤተ ክርስቲያን ብትሕትናን ውሑድነትን ኣገልግሉ

ፍራንቸስኮ ምስ ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ከምቲ ልሙድ ናይ ልደት ሰላምታ ንምልውዋጥ ዕለት 21 ታሓሳስ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተራኺቦም፥ ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተዋፈርሉ ናይ ስራሕ ቦታ ክርስትያናዊ ምስክርነት ክህቡ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እግዚኣብሄር ኣብ ንሽተይ ዝውለድ ቆልዓ ገዛእ ርእሱ ይሓብእ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሓሳስ ንሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮትን ሰላምታን ንምልውዋጥ ተቐቢሎም “ሕቡእን ውህድነትን” ዝብል ማንታ ቃላት ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን

ሕቡእን ውህድነትን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ልደት የሱስ ነቲ ኣምላኽ ዝመርጾ ቅዲ ከም ዝገልጽ ኣዘኻኺሮም፡ “እዚ ድማ ዕብየትን ጫውጫውታ ዘይብሉን ዘይኮነስ፡ ብሕቡእን ውሁድነትን ዝልለ ቅዲ እዩ።”

“እዘን ባህርያት እዚኣተን፡ ነቲ ብዕብየቱ ከሸግረና ወይ ብግርማኡ ክጽዕነና ዝመጽእ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ በቲ ልኡም ባህሪ እግዚኣብሔር ዘመሓላልፍ ተራ መገዲ ኣቢሉ ንርእሱ ህልው ይገብር፣ ሓደ ካባና ብምዃን።”

ኢየሱስ ኣብ ቤተልሔም ኣብ ዝርከብ መብልዒ ማል ከም እተወልደን እዚ እውን እግዚኣብሔር ምስ ኩሉን ንኹሉን ቀረባ ናይ ምዃን ዘለዎ ድሌት ምልክት ምዃኑ ኣስተብሂሎም።

 “ንሱ ናይ ንኣሽቱን ናይ ትሑታትን ኣምላኽ እዩ፣ ምስኡ ድማ ኩላትና ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንኣትውእ ዘኽእለና መገዲ ንመሃር: ብምስሉይን ደጋዊ ሃይማኖታዊ ተግባር ዘይኮነስ ከም ህጻናት ንኡስ ብምዃን እዩ።”

ክርስትያናዊ ምስክርነት ኣብ ስራሕ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ቀጺሎም ንሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዕለታዊ ዕዮኦም ሕቡእን ውሁድነትን ኢየሱስ ክመስሉ ዕድመ ኣቕሪቦም።

"ኣብዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እትገብርዎ ስራሕ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዓልታዊ ሕቡእ ኩነታት እዩ ዝፍጸም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ቁምነገር ዘይብሉ ክመስል ዝኽእል፡ ግን ዕማማቱ ንቤተክርስትያንን ሕብረተሰብን ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዓብይ ኣበርክቶ ዘለዎ እዩ" ኢሎም።

ስራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ምስ መሳርሕቶም ኣብ ዝህልዎም ርክብ “ብናይ ምስጋናን ህድኣትን ትሕትናን መንፈስ” ክርስትያናዊ ምስክርነት ክህቡ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ትርኢት ልደት፡ ስርሖም ዋላ’ውን ሕቡእን ዘይርአን ኣብ ዝኾነሉ እዋን ፍረ ከም ዘፍርን “ሽታ ሓጐስን” ከም ዘፍሪ ብምጥቃስ፡ ገርሀይና ልቢ ክህልወካ ዝገብር እውን ምዃኑ ይገልጹ።

ፍቕሪ ጫውጫው ኣይብልን እዩ

ንስድራ ቤት ሰራሕተይናታት ቫቲካን እውን ናይ ልደት ሰላምታኦም ከቕርቡ እንከለዉ፥ ዓለምና ኩሉ ነገር ብመስኮት ማሕበራዊ መራኸቢታት ገዛእ ርእሳ ንምርኢት ከተቕርብ ትደሊ . . . "እቲ ወይኒ ጽቡቕ ድዩ ኣይኮነን ከይተጨነቕካ ንኹሉ ነገር ክትመምይ ዘኽእል መረጼን ምድላይ ኣገዳሲ እዩ፡” ይኹን እምበር፡ ኣብ ስድራቤት፡ ህይወት ስድራቤት ብጽቡቕ ንኽሰርሕ “ብጽቡቕ ወይኒ ፍቕርን ለውሃትን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን” ክምላእ ስለ ዘለዎ፡ ደጋዊ ነገራት ብዙሕ ዕድል ዝወሃቦ ኣይኮነን፥

“ፍቕሪ ድማ - ከምቲ ኣጸቢቕና እንፈልጦ ጫውጫው ዝብል ኣይኮነን . . . “ኣብ ሕቡእን ውሁድነትን መዓልታዊ ህይወት፡ ኣብቲ እንለዋወጦ ሓልዮት ኢና እንረኽቦ።”

ኣብ ውሽጢ ስድራቤታት ዝግበር ሓልዮት

ኣስዒቦም ናይ ብሩኽ በዓለ ልደት ምንዮቶምን ሰላምታኦም ንሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ብመርኣያ ቅድስቲ ስድራ ቤት ንሓድሕድካ ብምትሕልላይ ክነብሩ ብዝብል ሓሳብ ገሊጾም፥

“እዚ ንዓኻትኩም ዘለኒ ትምኒት ኣብ ኣባይትኹምን ስድራኹምን: ኣብ ነኣሽቱ ነገራት መዓልታዊ ህይወት: ንንኣሽቱ ምልክታት ምስጋና ብምቕራብ: ንሓድሕድኩም ብምትሕልላይን ፍቕርን እትነብሩ ክትኮኑ እዩ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጢ።

21 December 2023, 16:45