ድለ

ፍራንቸስኮ ብሞት ብፁዕ ካርዲናል ቶም ዊልያምስ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ ፍራንቸስኮ ብሞት ብፁዕ ካርዲናል ቶም ዊልያምስ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ 

ፍራንቸስኮ ብሞት ብፁዕ ካርዲናል ቶም ዊልያምስ ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ

ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዕረፍቲ ናይ ኒውዚላንድ ካርዲናል ቶም ዊልያምስ ዝተሰመዖም ሓዘን ዝገልጽ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ተለግራም፥ ኣብ ኦቻይና ኣብ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝገበርዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ይዝክሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ብዕለት 22 ታሕሳስ ኣብ መበል 93 ዓመት ዕድመኦም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ናይ ሰበኻ ዌሊንግተን ልሂቅ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ቶም ዊልያምስ ምስ ተሓበሩ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተሌግራም ከም ዘመሓለልፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኒውዚላንድ ፍሉጥን ኣዝዮም ፍትውን ካርዲናል ዊልያምስ ኣብ 1979 ዓ.ም. ሊቀ ጳጳስ ዌሊንግተን ኮይኖም ተሸይሞም ክሳብ 2005 ዓ.ም. ኣብኡ ከም ዘገልገሉን፡ ዕለት 2 ለካቲት 1983 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካርዲናል ከም እተሾሙን ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብቲ በነዲክቶስ መበል 16  ዝሓረየ ዕጽዉ መረጽቲ ጉባኤ ካርዲናላት ዝተስተፉን ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣባል ናይቲ ክቡር ስርዓት ኒውዚላንድ ኮይኖም ከም እተመዙ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ብይብጻሕ ናብ ናይ ሰበኻ ዌሊንግተን ሊቀ ጳጳስ ፖል ማርቲን ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ካርዲናል ዊልያምስ ኣብ ቤተክርስትያን ኦቻይና ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ዘይተኣደነ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ንኹሎም ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ድማ በረኸቶም “ከም መብጽዓ ምጽንናዕን ሰላምን ኣብ ዝተንስአ ጐይታ” ከም ዘመሓላለፉ ኣፍሊጡ።

'ውፉይ ኣገልጋሊ' ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ዊልያምስ ኣብ ዌሊንግተን፡ ኣብ 1930 ዓ.ም. ተወሊዶም፡ ንመጀመርታ ግዜ ቅድሚ ጸዋዕታ ክህነቶም ኣብ ጉዳያት ክፍሊ ሒሳብ ተቖጺሮም ከም ዝሰርሑን ኣብ 1959 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ከም እተቐበሉን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ መንበረ ጥበብ ዳብሊን ኣየርላንድ ብማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ተመሪቖም፡ ቅድሚ ሊቀ ጳጳስ ዌሊንግተን ኮይኖም ምግልጋሎም፡ ኣብ ዞባ ዌሊንግተንን ሳሞዋን ኣብ ዝርከባ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት ቆሞስ ኮይኖም ከም ዘገልገሉን ብፁዕ ካርዲናል ዊልያምስ ካህናት ክሸሙ ከለዉ ወትሩ ክህነት ምስ ስልጣን ዘራኽብ ከምዘይብሉ፣ እንታይ ደኣ ብዛዕባ መስዋእትን ኣገልግሎትን ምዃኑ ኣስሚሮም ይገልጹ ከም ዝነበሩን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ንኹሎም ንዘለኣለማዊ ዕረፍት ነፍሰ ሄር ካርዲናል ቶም ዊሊያም ኣብ ጸሎት ንዝሓብሩ ቡራኬኦም ከም "መብጽዓ ምጽንናዕን ተስፋ ዘለኣለማዊ ሕይወትን" ከም ዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

23 December 2023, 15:57