ድለ

ር.ሊ.ጳ.፡ ንነበርቲ ቅድስቲ መሬት ኣብዚ ናይ ሓዘንን ቃንዛን ልደት፡ ንበይኖም ኣይንገድፎም! ር.ሊ.ጳ.፡ ንነበርቲ ቅድስቲ መሬት ኣብዚ ናይ ሓዘንን ቃንዛን ልደት፡ ንበይኖም ኣይንገድፎም!  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ.፡ ንነበርቲ ቅድስቲ መሬት ኣብዚ ናይ ሓዘንን ቃንዛን ልደት፡ ንበይኖም ኣይንገድፎም!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ታሕሳስ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex ኣድራሻኦም ኣቢሎም ነቶም ብሰንኪ ኲናት ዝሳቐዩ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንኽጽለይን ጭቡጥ ሓገዝ ንኽረኽቡን ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐደሶም - "ስቓይ ቤት-ልሄም ንማእከላይ ምብራቕን ንብምልእታ ዓለምን ክፉት ቍስሊ ኢዩ።" ዝብል መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ይዝከር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መሬት እትጽበዮ ዘላ በዓለ ልደት በቲ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 19,500 ሞት ዘስዓበ መብዛሕቲኡ ንህዝቢ ቓዛ ዝበታተነን ኩናት እስራኤልን ሓማስን ኣብ ዘለሉ እዋን ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምዝኽካር ደጊሞም ነቲ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ቀረባ ክንከውን ይዕድሙ። እዚ ድማ ብጸሎትን ጭቡጥ ሓገዝን ዝግለጽ ቅርበት ክኸውን ከም ዘለዎ ኣመላኺቶም።

ኣብቲ ናይ ዕለት 19 ታሕሳስ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ “ንነበርቲ ቅድስቲ መሬት፡ በዓል ልደት ቃንዛን ሓዘንን ኣብ ዘለሉ ኩነት ክዝከር እዩ። ንበይኖም ክንገድፎም ኣይንደልን። ብጸሎት፡ ብጭቡጥ ሓገዝ ቀረባኦም ንኹን ስቓይ ቤተልሄም ንማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለምን ክፉት ቁስሊ እዩ።"

ዝብል መልኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ይዝከር።

ስቓይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን

ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 16 ታሕሳስ ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ኣብ ዝተኻየደ ህያው ትርኢት መግለጺ ልደት ዘእግዚእነ ንዝተሳተፉ 1500 ምመናን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን  ነታ ካብ ርሑቕ ዓመታት ኣትሒዛ ኣብ ስቓይ እትርከብ ቅድስቲ መሬት እናሓሰቡ፥ ነቶም ኣብቲ ዞባ ንዝነብሩ ኮሎም "ብጸሎት፡ ብጭቡጥ ሓገዝን ቀረባኦም ኩኑ” ቢሎም ስቓይ ቤተ ልሄም ንማእከላይ ምብራቕን ንመላእ ዓለምን ክፉት ቁስሊ ከም ዝኸውንን እዚ እውን ብሓቂ ዘሕዝን እዩ፥

ኣብ ህያው ትርኢት መግለጺ በዓለ ልደት ሱታፌኹም ምስቶም ኣዚዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምትሕብባር መንፈስ ክትነብርዎን እቲ ኣብቲ ከባቢ ብዘይ ጽምብላት ብዘይ ነጋድያን ዝፍጸም በዓል ልደት ንዓኣቶም ናይ ቃንዛ፡ ናይ ሓዘን በዓለ ልደት፡ ክኸውን እዩ። በጃኹም ንበይኖም ኣይንሕደጎም!

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጻውዒት ናብ ተግባርን ኣስተንትኖን

ጳጳስ ዘሮሜ በዓለ ልደት በቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ዓመጽን ኩናትን ጥሜትን ዝትንከፍ ካብ ምዃን ሓሊፉ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ በዓለ ልደት ዘእግዚእን "ግዳይ ንግዳውን ሃለኽታውን ኣገባባት" ከም ዝኾነ እውን ብምግላጽ፡ በዓለ ልደት ካብዚ ኩሉ ኣሉታውን ዘሕዝንን ጽልዋታት ብምድሓን ናይ ፍቕርን ድሕነትን ጭቡጥ ፍጻሜ ምዃኑ ከነስተማቕሮ ሓደራ” ከም ዝበሉን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር

ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ጀሚርና ኣብታ "ኢየሱስ ዝተወልደላ፡ ዝነብረላ፡ ዝሞተላን ዝተንሰኣላን መሬት . . .  "ዘይተዓጥቁ በርገሳውያን . . . ንቦምባታትን ጠያይትን ዝተቓልዑ" ብዝፈስስ ደም ተሓጺባ፡ - ብደም ከምተን ኣደን ጓልን፡ ናሄዳን ሰማርን - ኣብ ከተማ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ሰበኻ ቅድስቲ ስድራቤት ብእስራኤላውያን ፍሉያት ተኮስቲ ዝተቐትላ። ገለ ገለ ሰባት ነዚ ተግባር እዚ ግብረ ሽበራ እዩ ገሊኦም ድማ ኩናት ይብልዎ”

እወ ኲናት እዩ፡ ግብረሽበራ እውን እዩ። ነዚ እዩ ድማ ቅዱሳት መጻሕፍቲ “ኣምላኽ ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳኣታ ይገብረሉ፣ ንቐስቲ ይሰብሮ፣ ንዅናት ይቐራስሞ” ዝብል” ቃል ነንብብ ምእንቲ ሰላም ናብ እግዚኣብሄር ንጸሊ

ኣብዚ እዋን'ዚ ሰላም ዘይብጻሕ ዝመስል እውን እንተኾነ፡ ብርግጽ፡ ኣብዚ "ሓዘንን ቃንዛን" ኣብ ዘለሉ እዋን እንነብሮ ልደት ሰላም ዝጽግው ክኸውን ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ የመላኽት።

20 December 2023, 17:00