ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንበረ ጥበብ ፕራግ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ሓዘኖም ይገልጹ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ መንበረ ጥበብ ፕራግ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ሓዘኖም ይገልጹ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ መንበረ ጥበብ ፕራግ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ሓዘኖም ይገልጹ

ፍራንቸስኮ ኣብ ርእሰ ከተማ ቼክ ፕራግ ብዘጋጠመ ጃምላዊ ቅትለት ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ዘሕደረሎም ሓገዝን ገሊጾም “መንፈሳዊ ቅርበቶም” ኣረጋጊጾም “ንግዳያት ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል እግዚኣብሔር” ሕድሪ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ቼክ ሪፓብሊክ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት “ኣዚዩ ከም ዘሕዘኖም” ገሊጾም። ኣብ ቸክ ረፓብሊክ ርእሰ ከተማ ፕራግ ኣብ ዝርከብ ቻርለስ መንበረ ጥበብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ቴለግራም፡ ቅዱስነቶም “ምስ ኩሎም በዚ መዓት እዚ ንዝተሃስዩ መንፈሳዊ ቅርበትን ጸሎትን” ከምዝረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ነቶም ዝሞቱ ንፍቕራዊ ምሕረት ልዑል እግዚኣብሄር" ሓደራ ቢሎም፥ ነመቶም ፍቑራቶም ዝተቐተልዎም ኣብ መሪር ሓዘን ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራን ፈተውቶምን መለኮታዊ ሓይልን ምጽንናዕን" ተማሕጺኖም "ኣብዚ ጽንኩር እዋን ንሃገረ ቸክ ረፓብሊክ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ታሪኽ ቸክ ዝተፈጸመ መሪር ጃምላዊ ቅትለት

እቲ ዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ፕራግ ኣብ ዝርከብ ቻርለስ መንበረ ጥበብ ዝመሃር ሓደ መንእሰይ ብዝፈጸሞ ናይ ቶኽሲ መጥቓዕት 14 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 20 ድማ ከም ዝቖሰሉን እቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ መንሰይ ንባዕሉ’ውን ኣብቲ ኣብ ታሪኽ ቸክ ሪፓብሊክ ብዓይነቱ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ከም እተቐትለን ሓይሊ ጸጥታ ዛጊት ብዛዕባ ድርኺት እቲ ኣብ ህንጻ ክፍሊ ፍልስፍና ዝተፈጸመ ዓመጽ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ገና ከም ዘይሃበን፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት ዝፈጸመ መንሰይ ኣቐዲሙ ኣብታ መዓልቲ ንወላዲኡ ከም ዝቐተለን  መንበረ ጥበብ ቻርለስ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፡ "በቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣባላት ማሕበረሰብ መንበረ ጥበብ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ፡ ንኹሎም በቲ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ተግባር ዓሚቝ ሓዘንና ንገልጽ፡ ሓሳብና ድማ ምስ ኩሎም በቲ መዓት ናብ ዝተጎድኡ የብል” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመልክት።

23 December 2023, 15:53