ድለ

PHILIPPINES-UNREST PHILIPPINES-UNREST  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ግዳያት መጥቃዕቲ ዝዀኑ ጸልዮም

ኣብ ደቡባዊ ፊሊፒንስ አብ ልዕሊ ካቶሊካውያን አብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ መጥቃዕቲ ብቦምብ ድሕሪ ምውራዱ ኣርባዕተ ሰባት ተቐትሉ ልዕሊ ኣርብዓ ዝኾኑ ሰባት ድማ ቈሰሉ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከኣ ኣብቲ ኩነታት ምስ ዝነበሩ ሰባትን "ምስ ስድራቤታቶምን ምስቶም ህዝብን ጥቡቕ ርክብ" ከም ዘለዎ ገለጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ቃል ምሕጽንታ ምእንቲ እቶም አብ ፊሊፒንስ አብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ አብ ልዕሊ ካቶሊካዉያን ብዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምባ ግዳያት ዝኾኑ ሰባት  ጸሎት ኣዕሪጎም ።

ኣብቲ መሥዋዕተ ቕዳሴ ዝዓርገሉ ዝንበረ ሞንዳናኦ እተሰምየ መንበረ ጥበብ ብዝወረደ መጥቃዕቲ ቦምብ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ካልኦት ኣርብዓን ክልተን ዝኾኑ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም አለዉ። " ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እቶም ትማሊ ንግሆ ኣብ ፊሊፒንስ ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት አብ ጸሎተይ ከም ዝዘከርክዎም ከረጋግጸልኩም እደሊ። ኣስዒቦም ድማ ቅዱስ አቦና "ምስቶም ከቢድ ስቓይ ወሪድዎም ዘሎ ሕዝቢ ሚንዳናኦ ጥቡቕ ርበት አሎኒ " ክብሉ አብ ጎኒ እቶም ግዳያት ደው ከም ዝብሉ አመልከቱ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ነቶም ግዳያት አብ ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ አማሕጸንዎም"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናብ ብፁዕ አቡነ ኤድዊን ደ ላ ፐንያ ያ ኣንጎት ዝለአኽዎ ናይ ቴለግራም መልእኽቲ "ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ዘስዓቦ ጕድኣትን ሞትን ምስ ተነግሮ ብዙሕ ከም ዘጕሃዮም” ገለጹ።

እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እተፈረመ መልእኽቲ ከም ዝገለጾ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሎም እቶም በዚ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ እተጐድኡ ሰባት መንፈሳዊ ቅርበቶም ኸተመሓላልፈሎም ከም ዝሓተቱ" ብምዝካር ይቕጽል። ንነፍሳት እቶም ዝሓለፉ አብ ምሕረት እቲ ዅሉ ዚኽእል አምላኽ አማሕጸኑ፣ ነቶም ዝቘሰሉን ሓዘንተኛታትን ከኣ መለኮታዊ ምሕዋይን ምጽንናዕን ክረኽቡ፣ ምሕረትን ምጽንናዕን የውርደልኩም፣” ክብሉ መልእኽቶም አመሓላለፉሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አብ መልእኽቶም "ኢየሱስ ክርስቶስ መስፍን ሰላም ካብ ዓመጻ ዓዲ ንምዓልን ንዅሉ እከይ ብሰናይ ንምስዓርን ምሉእ ሓይሊ ክህቦም ጸሎቶም አዕሪጎም" ከምኡውን "ንጐይታ ከም ቡራኬ ብርታዐን ምጽንናዕን" ክህቦም ብምምሕጻን መልእኽቶም ዛዚሞም።

"ዕሽነትን ዜስካሕክሕ ተግባርን"

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ማራቪ እዩ ተፈጺሙ ። ኣብ ፊሊፒንስ እዛ ከተማ እታ ዝዓበየት ከተማ እስልምና ኢያ፣ አብ 2017 እዛ ከተማ እዚአ በቶም አቐንቀንቲ እስላዊ መንግስቲ ዝኾኑ ወተሃደራት ንሓሙሽተ ወርሒ ተኸቢባ ዝንበረት ኢያ ። እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዝርከብ ኣዛዚ ሓይሊ ጸጥታ አብ ዘውጽኦ መግለጺ እዚ ትማሊ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን 11 ኣባላት ማሕበር ግብረ-ሽበራ እስላም ዝቐተለ መንግስቲ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ናይ ሕነ ምፍዳይ ግብረ መልሲ ኪኸውን ከም ዚኽእል አመልኪቱ ።

ፕረዚደንት ፊሊፒንስ ፈርዲናንድ ማርኮስ ጁንየር "ነዚ ብወጻእተኛታት አሸበርቲ ጉጅለታት ዝተፈጸመ ዕሽነትን ዜስካሕክሕ ተግባራትን ብብርቱዕ ቃላት እኹንኖ አሎኹ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን የመላኽት ። “እቶም ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ሰበት ዓመጽ ዜውርዱ ጥሩፋት ወትሩ ኸም ጸላእቲ ሕብረተሰብና እዮም ዚረኣዩ" ድማ በለ ።

ካብ ትካላት ዜና ዝወጸ ስእልታት ከም ዚሕብሮ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ፊሊፒንስ ምስቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ሓድነት ብምግባር ተኣኪቦም ምእንታኦም ከም ዝጸለዩን ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝኾንንዎን የመላኽት ።

ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ግዳያት መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም
ር. ሊ. ጳ. ምእንቲ እቶም ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ግዜ መሥዋዕተ ቅዳሴ ግዳያት መጥቃዕቲ ዝዀኑ ሰባት ጸልዮም
04 December 2023, 16:04