ድለ

TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ አብ ቃዛ ብህጹጽ ውግእ ደው ንኽብል ዘቕረብዎ ጻውዒት ኣሐደስዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣቐዲሞም ብህጹጽ ኣብ ጋዛ ተኹሲ ናይ ምቑራጽ ስጉምቲ ክውስድ ብምባል ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምሕዳስን፣ ኣብኡ ንዝርከቡ ዅሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ሰባት ናጻ ንኽወጹን ዳግም ጻውዒት ብምቕራብ፣ "አይፋል ንውግእ፣ እወ ንሰላም" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 13 ሕዳር ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ዘስምዕዎ ምሕጽንታ፣ እቲ ኣብ ቃዛ ዝካየድ ዝሎ ውግእ ንኸቋርጽ ከም ብሓድሽ ጻውዒት አቕሪቦም ።
ቅዱስ ኣቦና "ነቲ ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዝግበር ዘሎ ውግእ ብብዙሕ ጭንቀትን ስቓይን እከታተሎ ኣለኹ" ድሕሪ ቢሎም ። "ኣባኡ ብዙሕ ስቓይ ስለ ዘሎ ህጹጽ ሰብአዊ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስጉምቲ ክውሰድ ንዘቕረብክዎ ጻውዒት ሕጂ ውን ዳግም አሐድሶ አሎኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም "ኵሎም እቶም ኣብቲ ጕዳይ ዝሳተፉ ዘለዉ ጕጅለታት ነቲ ናይ ዘተ መስርሕ ክቕጽልዎ አተባብዖም አሎኹ፣ ንህዝቢ ቃዛ ሰብአዊ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት ንምርካብ ከኣ ኵሉ ሰብ ህጹጽ ቈራጽነት ክገብር እጽውዕ አሎኹ " በሉ ።
ተቐማጦ ቃዛ "ኩሉ ንህይወት ዘድሊ ነገራት ተጸንቂቕዎም ኢዩ ዘሎ፣ ብሓቂ ድማ ረድኤት የድልዮም አሎ!" ብምባል ጻውዒት ኣቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሎም ውን "ኵሎም እቶም ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ኣብቲ ተኺሲ ናይ ምቁራጽ ኩነታት ተስፋ ዝረኣዩ እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንእስራኤላውያንን ንፍልስጤማውያንን ዜጋጥሞም ዓብዪ ስቓይ ምእንቲ ኺውዳእ ብህጹጽ ናጻ ክፍትሑ አለዎም፣" ብምባል ዅሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝለዉ እስራኤላውያን ንኺፍታሑ ዘቕረቦ ምሕጽንታ ኣሐደስዎ ።
"በጃኹም አይፍል ንኣጽዋር እወ ንሰላም ንበል!" ክብሉ ድማ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ ።

ጋዛ ኣብ መወዳእታ 'ምሉእ ውድቀት'

እስራኤል ኣብቲ አብ ደቡባዊ ቃዛ ዝርከብ ከባቢ ካን ዮኒስ ብምትኳር ንጋዛ ኻብ ምቍጽጻር ደው አይበለትን ዘላ ። ኣብ ጥቓ ዶብ ግብጺ ኣብ ራፋ ከምኡውን ኣብ ምዕራባዊ ገምገም ባሕሪ ኣብ እትርከብ ጀኒን ውግእ ይካየድ አሎ ።

እዚ ዅሉ እናሃለወ ኽነሱ ብሰንኪ እዚ ኩሉ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይውስኽ ኣሎ። ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ቢደን ውን እስራኤል በቲ ኣብ ቃዛ እትፍጽሞ ዘላ "ኣድልዎ ዘይብሉ ደብዳብ" ዓለምለኻዊ ደገፍ ክትስእን ከም ዝጀመረት ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብዛዕባ ጉዳያት ስደተኛታት ዝሓሊ ማሕበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት አብ ፍልስጥኤም እቲ ዝተረፈ ኽፋል ገማግም ቃዛ ምሉእ ብምሉእ ዝነበሮ ሲቪላዊ ስርዓት ኪፈርስ ቍሩብ ከም ዝተረፎ ገሊጹ ። ከምኡ ውን ኣብ ቃዛ ዚርከብ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሓማስ ዝኾነ ሚኒስትሪ ጥዕና እቲ ውግእ ካብ ዚጅመር ኣትሒዙ ልዕሊ 18,000 ሰባት ከም እተቐትሉ ይገልጽ አሎ።
ጉጅለ ሓማስ ልዕሊ 1,200 እራኤላውያን ምስ ቀተለን ልዕሊ 200 ድማ ጅሆ ሒዙ ድሕሪ ምውሳዱ እስራኤል አብ ቃዛ ደብዳብ ቦምብታትን ሚሳይላትን ተካይድ ኣላ ።

13 December 2023, 17:51