ድለ

ናይ መጸናንዒ መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንዲ ግረጎርይ ናይ መጸናንዒ መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንዲ ግረጎርይ 

ናይ መጸናንዒ መልኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢንዲ ግረጎርይ

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ኖቲንግሃም መዓልቲ ቀብሪ ህጻን ኢንዲ ግረጎርይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ፥ “ምስቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ምስ ዝተረኽቡ ብምጽንባር “ነቲ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ሓጺር ህይወት እውን እንተነበረት ስለ እቲ ህያብ ህይወት ኢንዲ ግረጎርይ አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ዝተሰምዖም ሓዘንን መፍነሳዊ ቅርበትን ንወለዲ እታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ነዊሕ ብኣባይቲ ፍርዲ ብዙሕ ምስሕሓብን ክትዓትን ህይወታ ዝሓለፈ ጓል ሸሞንተ ወርሒ እንግሊዛዊት ህጻን ኢንዲ ግረጎርይ ገሊጾም።

ቅዱስነቶ ዕለት 1 ታህሳስ ኣብ ዕለት ቀብሪ እታ ህጻን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ሞት ህጻን ኢንዲ ግረጎርይም ምስ ተነግሮም ከም ዝሓዘኑ” ገሊጾም፡ ናብ ወለዲ ዲንን ክሌርን ከም እውን ነታ ክብርቲ ውላድ ኣምላኽ ብምስኣኖን ንዝሓዘኑን ኩሎም ቅርበቶም ምስ ኣረጋግጹ፡ ኣስዒቦም ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፈዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ “ንኢንዲ ኣብ ምዉቕን ፈቃርን ኣእዳው ሰማያዊ ኣቦና ኣሕሊፎም፡ ምስቶም ኣብቲ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝተኣከቡ ብምጽንባር ንልዑል እግዚኣብሔር ስለቲ ህያብ ኩሉ . . . ኣዚዩ ሓጺር ዝኾነ ህይወት እውን እተኾነ ኣመስግን ኣጽልን እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣቶም ንኣሽቱ ቆልዑ ናባይ ንኽመጹ ኣይትኸልክልዎም . . . መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ”. (ማቴ. 19,14) ዝበሎ ንኹላትኩም ነባሪ ምጽንናዕን ሓይልን ሰላምን ኪህበኩም እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መዓታዊ ዛንታ ኢንዲ

ኢንዲ ገና መድሃኒት ብዘይተረኸበሉ ከቢድ ሕማም ዝተጠቕዓት በዚ ሕማም እዚ ኣብ ስቓይ ዝነበረትን ብመሳርሕ ሕክምና ብህይወት ንኽትጸንሕ ተገይሩን እዚ እውን ፍወሳ ዘይኮነስ ኣታክልታዊ ህይወት ዓይነት ምንባር ዝህባ ብምንባር ብሕክምና እውን ፍወሳ ስለ ዘይኮነ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ዳያኑ ናይቶም ዝከናኸንዋ ዝነበሩ ሓኻይም ናይ ሕክምና ተኽእሎ ከም ዘየለ ዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት ገይሮም፡ እቲ ዝወሃባ ዝነበረ ሕክምና ክቋረጽ ዝብል ዝሃብዎ ውሳኔ ዋላ’ኳ ወለዲ እታ ህጻን ዝወሃባ ክንክን ክቕጽልን ብባህርያዊ ሞት ካብዚ ዓለም ክትፈለ ዝብል ፍቓድ መሰረት ገይሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ክሙግቱ እውን እንተጸንሑ፡ እቲ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ከም እተተግበረን፡ እታ ህጻን እውን ዝወሃባ ዝነበረ ሕክምና ድሕሪ ምቁራጹ ከም ዝዓረፈትን ቅድም ክብል መንግስቲ ኢጣሊያ እታ ሕጻን ሮማ ናብ ዝርከብ ህጻነ ኢየሱስ ቤት ሕክምና መጽኣ ክንክን ጥዕና ክትረክብር ኣብቲ ቤት ሕክምና ክንክን ክግበረላ ዜግነት ብምሃብ ናብ ሮማ ክትመጽእ ሓቲቱ ከም ዝነበረን ቤት ሕክምና ህጻነ ኢየሱስ እውን ክቕበላን ሓድሽ ፍወሳ ክፍትነላ ፍቓደይና ምዃኑ ገሊጹ ከም ዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ እንግልጣርን ወይለስንጳፓሳት

ዕለት 13 ሕዳር ልክዕ ሰዓት 01.45 ደቓይቕ እቲ ዝወሃባ ዝነበረ ኣብ ኣትክልታዊ ህይወት ዘጽንሓ ፍወሳ ክቋረጽ ምስ ተገብረ ከም ዝዓረፈትን ኣብታ ዕለት እቲኣ ናይ እንግልጣርን ወይለስን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መግለጺ ኣውጺኦም ከም ዝነበሩን ንወለዳ ናታቶም ናይ ኩሉ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብን ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ጸሎት ኣረጋጊጾም . . . ነቶም ከም ክቡር ህያብ ኣምላኽ ምዃና ተቐቢሎም ዘፍቀርዋን ዝተኸናኸንዋን ወለዳ ዓሚቑ ሓጎስ ዘምጽኣሎም ናይ ሰማይ ሓጎስ ተኻፋሊት ከም እትኸውን ንኣምን” ከም ዝበሉን፡ “ነቶም ኣብቲ ዝነበረትሉ ቤት ሕክምና ዝተኸናኸንዋን ብህይወት ንኽትጸንሕ ከይተሓለሉ ንዝሰርሑ ሰባት ከመስግኑ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ መንጎ ወለዲ ኢንዲን ቤት ፍርድን ዝተኻየደ ሕጋዊ ክትዕ ንወለዲ ህሙማን ምስማዕ ዘለዎ ኣገዳስነት ዘመላኽትን ዝያዳ ክብሪ ክወሃቦ ዝሓትት እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ናይ ጥዕና ጉዳይ ድምጺ ወለዲ ክስማዕ ዝጠልብ እዩ” ከም ዝበሉን፡ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰሉ ሕቶታት ኣብ ዝግበር ክትዓትን ውሳኔ ንምሃብ ኣብ ዝግበር ዘተ - ይብሉ ጳጳሳት እንግልጣርን ወይለስን -  ኣበርክቶና ክንቕጽል ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 December 2023, 09:28