ድለ

TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT TOPSHOT-ISRAEL-PALESTINIAN-CONFLICT  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ነቲ ኣብ ጋዛ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ መጥቃዕቲ ኰነንዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቃዛ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ከብቅዕ እዚ "ግብረ-ሽበራ" እዚ ይኣክል ክብሉ ልባዊ ምሕጽንታ ኣመሓላለፉ፣ ነቲ ብእስራኤላውያን ኣብ ልዕሊ እታ አብ ቃዛ እትርከብ ደብረ ቅድስት ስድራ እተሰምየት ካቶሊካዊት ቁምስና ዝፈጸምዎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኰነንዎ ። እዚ መጥቃዕቲ እዚ ንኽልተ ክርስትያን ኣዴታት ዝቐተለ ንገዛ ማሕበር ልኻት ወንጌል ቅድስቲ ተሬዛ ናይ ግብረ ግብረ-ሰናይ ማዕከል ዘዕነወ ግብረ ሽበራ ኢዩ በሉ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ምእንቲ እቶም ኣብ ቃዛ ኣብ ዝርከብ ቅድስቲ ስድራ እተሰምየ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ተዓቚቦም ዝነበሩ ክርስትያን ድሕሪ ምጽላይ፣ እቲ ነታ ቅድስቲ መሬት ዘዕንዋ ዘሎ ውግእ ከብቅዕ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ጸሎት መልከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ ቃል ተማሕጺኖም።

ቅዱስ አቦና አብ ዘስምዕዎ ቃል ካብ ቃዛ ዜጨንቕ ዜና ይሰምዑ ከም ዘለዉ ገለጹ፣ ኣብኡ ድማ "ኣጽዋር ዘይብሎም ሰላማውያን ሰባት ኣደዳ ደብዳብን ተዅስን ኮይኖም አለዉ" ክብሉ ስምዕታ አቕረቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ቀጽሪ ቍምስና ካቶሊዊት ቤተክርስቲያን ዝወረደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምኹናን - "እዚ ኣብቲ ግብረ - ሽበራውያን ዘይኰኑ ስድራቤታትን ህጻናትን ዝሓመሙን ስንኩላንን ድንግልን ዝተዓቕቡሉ ደኣ እምበር ግብረ - ሽበራውያን ኣብ ዘየለዉሉ ቦታታት ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ" በሉ።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ከምዚ በሉ - "ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓንቲ ኣደ ናሂዳ ካሊል ኣንቶንን ዝተባህለትን ሳማር ካማል ኣንቶን ዝተባህለት ጓላን ተቐቲለን አለዋ። ካልኦት ከኣ ናብ ዓይኒ ምድሪ ክኸዱ ኸለዉ በቶም ዝትኩሱ ዝነበሩ ወተሓደራት ቈሲሎም አለዉ።”

"ገሊኦም 'እዚ ግብረ-ሽበራ እዩ። እዚ ውግእ እዩ'ዩ’ ይብሉ አለው ። እወ ውግእ እዩ፣ እወ ግብረ-ሽበራ እዩ" በሉ ። "ብዛዕባ እዚ ኢዩ ኸኣ ቅዱስ መጽሓፍ 'ንውግእ አብ ኩላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ . . . ንቀስቲ ይሰብሮ ንዂናት ይቐራስሞ' ዝብል (መዝ 46፡9)። ሰለዚ ምእንቲ ሰላም ናብ ጐይታ ንማህለል" በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት እውን ዘከሩ ።

"ነቶም ኣብ ውግእ ዩክረይን ፍልስጥኤም እስራኤል ከምኡውን ኣብ ካልእ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ዝሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣይንረስዕ" በሉ። "እዚ ናብ በዓለ ልደት እንገብሮ ዘሎና ምቅርራብ መገዲ ሰላም ንምኽፋት ይሓግዘና" ድማ በሉ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቍምስና ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ

ዝሓለፈ ቀዳም ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ኣብ ቃዛ ዝርከብ እንኮ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ቍምስና ከቢድ መጥቃዕቲ ኣካይዶም ።

እቶም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስቲያን ፓትርያርክ የሩሳሌም ከም ዝገለጽዎ ሓደ ናይ እስራእል መከላላኸሊ ሰራዊት ታንክ ብዝፈነዎ ሮኬት ገዛ ንማሕበር ልካነ ወንጌል ናይ ግብረ - ሰናይ ማእከል ዝነበረ ከም ዝተሃርመን ናይቲ ህንጻ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለትሪክ ዝነበረ ሞተር ከም ዘዓነወን እቲ ህንጻ ውን ከም ዝፈረሰን አመልኪቶም ።

እቲ ህንጻ ገዛ ኣሓት ማሕበር ቅድስሪ ተሬዛ ዝነበረን ኣብ ቀጽሪ ቁምስና ዝርከብን ነቶም ንሳተን  ዚከናኸናኦም ዝነበራ 54 ስንኩላን ዝተዓቑቡሉን ብናይ አምልኾ ህንጻ ዝፍለጥ ዝነበረ ብደብዳብ ኽልተ ሮኬት ዓንዩ ይርከብ አሎ ።

ክልተ ክርስትያን ኣዴታት ተቐቲለን

ጸኒሑ በታ መዓልቲ እቲኣ ሓደ እስራኤላዊ ወተሃደር ኣነጻጺሩ ብምትኳስ አብቲ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራ ተዓቊበን ዝነበራ ኽልተ ክርስትያን ኣዴታት ቀቲሉ ።

ናሂዳ ካሊል ኣንቶን እትበሃል ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይትን ሳማር ካማል ኣንቶን እትበሃል ጓላን ካብቲ ህንጻ ቤተ-ክርስትያን ወጺአን ናብ ማሕበር ደናግል ኣሓት ይኸዳ ኸም ዝነበራ እዩ ዝንገረለን ዘሎ።

እቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "እታ ሓንቲ ነታ ኻልአይታ ናብ ደሓን ቦታ ኽትስከማ ኽትፍትን ከላ ከም እተቐትለት" ኢዩ ዝንገር ዘሎ  ።

እቲ ኣነጻጺሩ ዝትኩስ ዝነበረ ወተሃደር ንኻልኦት 7 ሰባት ውን ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተ-ክርስትያን ንዘለዉ ሰባት ኬዕቍቡ አብ ዝፈተነሉ ቀጺሉ ብምትኳስ ከም ዘቝሰሎም ተፈሊጡ አሎ ።

"ዝኾነ ዝተዋህበ መጠንቀቕታ ኣይነበረን ፣ ዋላ ሓንቲ ምልክታ ውን ኣይተዋህበን ዝነበረ።" ይኹን እምበር "ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን አብቲ ዝኾነ ይኹን ግብረ-ሽበራዊ ኣካል ዘይነበሮ፣ ናብ ንጹሓት ሰባት ብምትኳስ ቅትለት ይፍጸም አሎ።"

18 December 2023, 22:35