ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ኣብ ክርስቶስ ተሰሪቶም ምዝ ጸንዑ ሰባት ናብ ክርስቶስ ክመርሑ ይኽእሉ ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ኣብ ክርስቶስ ተሰሪቶም ምዝ ጸንዑ ሰባት ናብ ክርስቶስ ክመርሑ ይኽእሉ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካህናት ኣብ ክርስቶስ ተሰሪቶም ምዝ ጸንዑ ሰባት ናብ ክርስቶስ ክመርሑ ይኽእሉ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንዘካየዱ ካብ ናይ ሃገረ ፈረንሳ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተዋጽኡ 700 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ጉስነታዊ ኣገልግሎቶም፥ “ሽታ ኣባጊዕ” ሒዞም ሰባት ከሰንዩ ምስ ክርስቶስ ዘለዎም ናይ ገዛእ ርእሶም ርክብ ክሕብሕቡ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ መላእ ፈረንሳ ዝተዋጽኡ ኣብ ሮማ መንፈሳዊ ንግደት ንዘካይዱ ዘለዉ 700 ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት በቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ካህናት ንቤተ ክርስቲያን ዝተቐብዉ ኣገልገልቲ፡ ሱር በተኻዊ ተወፋይነትን ጉስነታዊ ቅርበትን ክሕዙ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ናብ ክህነት ንኽበጽሑ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ህንጸት ብጸሎትም ከም ዘሰንይዎም ድማ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክህነትን ንጽሕናን

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፈረንሳ፥ ኣብ ክርስቶስ ዝተሰረቱን ዝጸንዑን ህዝበ እግዚኣብሔር ናብ ኣምላኽ ዘቕርቡን ብስልጣን ክምህሩን ብርግጸይናነት ክመርሑን ብኣድማዒ መገዲ ጸጋ ከመሓላልፉሉን . . . ማለት ብቅዱሳት ምስጢራት ነዚ ዝጽፍሙን” ካህናት የድልይዋ፡።

“ካህን ንንጽሕና እዩ - ንጹሕ ክኸውን የድሊ . . . ምኽንያቱ የሱስ ከምኡ ስለ ዝነበረ! እቲ ናይ ንጽሕና ጠለብ ብቐንዱ ቲዮሎጊያዊ ዘይኮነስ ምስጢራዊ እዩ!”

ኣገልግሎት ክህነት ሓደ ሓደ ግዜ ኣንጻራዊ ወይ ዝተዛብዐ ከም ዝኸውን ኣስተብሂሎም እንተኾነ ግን “ባህሪ ክህነት ናይ ምቕያር ሓይሊ ዘለዎ ሰብ የሎን” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምስ ክርስቶስን ህዝቢ ኣምላኽ ቀረባ ምዃን

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ብዛዕባ እቲ ቤት ክርስቲያንን ካህንን ኩሉ ክብሪ ወይ ተፈጥሮኣዊ ስልጣን ኣብ ዝሰኣነሉ እዋናዊ ሕብረተሰብ፡ ዘድሊ ሓድሽ ወይ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣስተንቲኖም፥ ካህናት ንክርስቶስ ብህላወ ካህን ኣቢሉ ንሰባት ምስኡ ውልቃዊ ርክብ ክህልዎም ናብኡ ክስሕቡ ክፈቕዱ ኣለዎም።

ነዚ ንምዕዋት እቲ እንኮ መገዲ “ናይ ቅርበት ርህራሄ ትሕትና ነዘይረብሕነት ትዕግስቲ ለውሃት፡ ንኻልኦት ሱር በተኻዊ ርእሰ ተወፋይነትን ተራዊ ህይወትን ድኽነትን ዝብል ጓሳዊ ቅዲ ምቕባል” የድል። እቲ ካህን “ጨና ኣባግዕ ክህልዎን” ምስቲ ናይቶም ኣባጊዕ ስጉምቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ስጉምቲ ዘሰማምዕ ብኣኣቶም እሙን ክኸውንን ምስ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ክመርሖምን ዝደሊ ክኸውን ኣለዎ።

“እዚ ብርግጽ ሓድሽ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ማእለያ ዘይብሎም ቅዱሳን ካህናት ነዚ ቅዲ እዚ ተቀቢልምዎ እኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ተኣማንነቱን ተሰማዕነቱን ብዘጥፍኡ ጉዳያት ዝተኸበ ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ፍቕሪ ኢየሱስ ንዝኾነ ካህን ይኣክል

ኣብ መደምደምታ ቅዱሰንቶም፥ ነቶም ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ሃገረ ፈረንሳ፥ ነቲ ናይ ክህነት ንጽሕና ዝጠልቦ ክነብሩ ምእንቲ ምስ ኢየሱስ ድልዱልን ሓቀይናን ውልቃውን ዝምድናን ርክብን ክምገቡ” ተማሕጺኖም፡ “ንኢየሱስ ካብ ኩሉ ንላዕል ኣፍቅርዎ - ቢሎም - “ፍቕሩ ይኣኽለኩም፡ ካብ ኩሉ ቅልውላው ካብ ኩሉ ጸገማት ድማ ተዓወትቲ ኴይንኩም ክትወጽኡ ኢኹም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

04 December 2023, 09:31