ድለ

2023.11.30 Partecipanti al Seminario di "Etica nella gestione della salute" 2023.11.30 Partecipanti al Seminario di "Etica nella gestione della salute"  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ጽቡቕ ክንክን ዘይግበረሉ ጥዕና ተሰባርን ተነቃፍን ይኸውን'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብቲ ብዛዕባ "ስነ-ምግባር ኣብ ምምሕዳር ጥዕና" ዘርእስቱ ሰሚናር እተሳተፉ ተጋባእቲ ረኺቦም፣ ካብቲ ከሳቕዮም ዝቐነየ ሕማም ሥርዓተ ምስትንፋስ ይሓውዩ ከም ዝለዉን ከምኡ ውን ንጥዕናኻ ምክንኻን ዘለዎ ኣገዳስነት አመልከቱሎም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 30 ሕዳር ምስቶም ኣብቲ ብዛዕባ "ስነ-ምግባር ኣብ ምምሕዳር ጥዕና" ዘርእስቱ ሰሚናር እተሳተፉ ተጋባእቲ ተራኺቦም ።

ቅዱስ አቦና ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብዛዕባ ጥዕናኦም ከስተንትኑ ተረኽቡ ።

"ከምዚ ትርእዩኒ ዘሎኹም ብህይወት ኣለኹ" ክብሉ ድሕሪ ምውዛይ፣ "ሓኪመይ ናብ ዱበይ ክኸይድ ኣይፈቐደለይን። ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብቲ ቦታ ኣዝዩ ሓያል ሙቐት ስለ ዘሎን፣ ካብ ሓሩር ዘለዎ ቦታ ናብ መዝሓሊ አየር ዘለዎ ቦታ ምቅይያር ምስ እዚ ዘሎኹዎ ኩነታት ጽቡቕ ስለዘይኮነ ኢዩ ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ሕማሞም ኒሞንያ ብዘይምዃኑ ንኣምላኽ ድሕሪ ምምስጋን ሕማሞም "ኣዝዩ ኸቢድ ረኽሲ ብሮንካይትስ ኢዩ" ክብሉ አመልከቱ ።

አስዒቦም ድማ ቅዱስ አቦና "ክሳብ ሕጂ ረስኒ ዝበሃል የብለይን፣ እንተዀነ ግን ዘድልየኒ መድሓኒታት እወስድ አሎኹ፣ ክቕጽሎ ውን ኢየ " ድማ በሉ ።

ጽንዓትን ተነቃፊነትን

ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ብሓፈሻዊ ጥዕናን ክንክን ጥዕናን አተኲሮም አስተንትኖ አቕረቡ ።

"ጥዕና ክልቲኡ ኢዩ፡ ድልዳሌን ተነቃፊነትን ኢዩ!" በሉ ። አስዒቦም ድማ "'እዚ ሰብ እዚ ኸመይ ዝበለ ጥዕና ኢዩ ዘለዎ፣ ክሳብ ክንደይ ተጻዋርነት ከም ዘለዎ፣ ክሳዕ ክንደይ ድልዱል ምዃኑ እሞ ረአዩ!' ንብል ኢና፣ ግናኸ ተነቃፊ እውን እዩ። ጥዕና ብግቡእ እንተ ዘይተኸናኺናዩ  ብቐሊሉ እዩ ዚበላሸወና" ክብሉ አጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ብዛዕባ አገዳስነት መኸላኸሊ መድሓኒናት እንክገልጹ "ገለ ሕማቕ ኩነታት ከየጓንፉና ጌና ከሎ ይከላኸለልና እዩ፣ ስለዚ መከላኸሊ ሕማማት መድሓኒት አድላዩ ኢዩ" በሉ ።

ቅዱስነቶም አብ አስተንትኖኦም ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ አርእስቲ ሰሚናር ዘለዎ አድናቖት ገለጹ፣ ከምዚ ድማ በሉ “ሰባት ክሓሙ ኸለዉ ሕክምናዊ ፍታሕ የድልዮም፣ ጽቡቅ አብ ዘለዉሉ ድማ ጥዕናኦም ክዕቅቡ አለዎም።”

"ሕክምናን መድሓኒታት ምድላይን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ጥዕናኻ ምክንኻን ብዛዕባ ጥዕናኻ ምሕሳብ ከምኡውን ነቲ ጽቡቕ ጥዕናኻ ብኸመይ ከም እትዕቅቦ እውን ምሕሳብ የድሊ" ከመይ "ምፍዋስ ጥራይ ዘይኰነስ ምዕቃብ እውን አድላዪ ኢዩ" በሉ።

ኵነታት ጥዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣትሒዞም ምልክታት ሕማም ሥርዓተ ምስትንፋስ ስለዝትራእዮም ብግቡእ ሕማሞም ንምፍላጥ አድላዪ ሕክምናዊ መርመራታት ገይሮም ኢዮም።

ኣብቲ ካብ 1-3 ታሕሳስ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ አከባቢያዊ ኩነታት አየር ንምስታፍ ናብ ዱባይ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ እኳ እንተ ነበሮም፣ ዝሓለፈ ሰሉስ ምሸት ናይ ሓካይም ምኽሪ ብምስማዕ ነዚ መገሻ ከም ዝሰረዝዎ ዝዝከር ኢዩ ።

01 December 2023, 13:01