ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዩክሬንን ፍልስጤምን እስራኤልን ጸሎት ይሓቱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዩክሬንን ፍልስጤምን እስራኤልን ጸሎት ይሓቱ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዩክሬንን ፍልስጤምን እስራኤልን ጸሎት ይሓቱ

ፍራንቸስኮ ድሕሪ’ቲ ዝለገስዎ ናይ ረቡዕ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህረ ክርስቶስ፡ ንዩክሬን፣ ፍልስጤምን እስራኤልን ክጽለ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 

“በጃኻትኩኻ ብዛዕባ ፍልስጤም፡ ብዛዕባ እስራኤል ንሕሰብ። ብዛዕባ ዩክሬን ንሕሰብ ... ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ሃገረ ዩክሬይን ልኡከ መግንስቲ ኣብዚ ምሳና ኣለዉ” ከም ዝበሉን ፍራንቸስኮ “ብኽፍኣት ኲናት ዝሳቐዩ ህዝብታት ኣይንረስዕ፡ ውግእ ኩሉ ግዜ ስዕረት እዩ። እዚ ኣይንረስዕ። ስዕረት እዩ። ኣፍረይቲ ኣጽዋር ጥራይ እዮም ዝረብሑ።”

ኢየሱስ መስፍን ሰላም

ቅዱስነቶም ኣብ መንጎ ትርኢት ልደትን ንሰላም ዝግበር ስራሕን ዘሎ ምትእስሳር ኣስሚሮም፡ “ናብቲ ኢየሱስ ዝተወልደሉ መብልዒ ማል ከይዶም ንኢየሱስ ሰላም ለምንዎ ። ንሱ መስፍን ሰላም እዩ።”

ኣቐዲሞም ንቋንቋ ፖርቱጋል ተጠቀምቲ ምእመናን ሰላምታ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፡ “ኣብዚ ዘመን እዚ፡ እግዚኣብሔር ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ክንርእዮ ኢና” ክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “እዚ ንሕይወት ዝበርተዐ ናይ ሰላም መልእኽቲ እዩ። ንፍስወከፍናን ንዓለምን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ህይወት ምድሓን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መዛዘሚ እቲ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ነቶም ንሓደጋ ዝቃልዑ ናብ ኤውሮጳ ንምብጻሕ ንማእከላይ ባሕሪ ዝሰግሩ ስደተይናታት ንምድሓን ዝሰርሕ ትካካትን፡ ንጉጅለ ውልቀሰባትን ሰላምታ ኣቕሪቦም። “ነቶም ኣብዚ ዘለዉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለየ ጸረ ሰብኣዊ ተግባራት ዝሃደሙን ድኻታትን ህዝቢ ንምድሓን ናብ ባሕሪ ዝወጹ ጉጅለታት ኣድሕን ህይወት ማእከላይ ባሕሪ እውን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥"ዓቢ ስራሕ ይሰርሑ፡ ብዙሕ ሰብ የድሕኑ" እውን ቢሎም ኣመስጊኖም ከም ዝነኣዱ ኣፍሊጡ።

20 December 2023, 17:09