ድለ

2023.08.06 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro con i volontari della GMG 2023.08.06 Viaggio Apostolico in Portogallo in occasione della XXXVII Giornata Mondiale della Gioventu' - Incontro con i volontari della GMG  (Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ንኮሚተ ዓለም ለኸ መዓልቲ መንእሰያት ስለቲ ዕዮኦምን ተስፋኦምን ኣመስገንዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ን6 መዓልቲ አብ ሊዝበን እተኻየደ መደብ፣ አብ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያት 2023 ዕዮኦምን ተስፋኦምን ንዘወፈዩ ኣባላትን ኮሚቴን ማሕበራትን ኣመስገኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ፍርንቸስኮ ንተወከልቲ ናይ 2023 ኮሚተ ዓለም ለኸ ቅነ መንእሰያትን "ስለቲ ዝገበርኩምዎ አመስግነኩም፣ ብጣዕሚ አመስግን” ድማ በልዎም። እዚ ናይ ሎም ዓመት ቅነ መንእሰያት ከምቲ ክኾኖ ዝግባእ፡ ናይ ስብከተ ወንጌል ሕመረትን ናይ ሓጐስን ናይ ጉብዝና መግለጽን ክከውን ስለ ዘዳለኹምልና ኩሉ አመስግነኩም!" ክብሉ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ርእሲ ኸተማ ፖርቱጋል ንሽዱሽተ መዓልቲ እተገብረ ፍጻመ ዘኪሮም ምስጋናኦም ገለጹሎም።

ቅዱስነቶም "ካብ ጉባኤ ናይ ሊዝበን" ዓሚቝ ስምዒታትን ባህ ዘብል ተዘክሮታትን ዘኪሮም፣ ከምኡ ውን በቲ እዞም አሰናዳእቲ ኮሚቴ ዝገብርዎ ዕዮ ምስ ብዙሓት ፍሉያት ሰባት ብምርኻቦም እተሰምዖ ሓጐስ ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሓንቲ ጓል 96 ዓመት ኣደ ዝሃበቶም መቑጸርያ ዘኪሮም ክሳብ ሕጂ ሒዞማ ከም ዝለዉ ብምግላጽ፣ ነቶም ጕጅለ ተወከልቲ እታ አደ "ክሳዕ ሕጂ ብህይወት አላ ድያ ?" ክብሉ ሓተትዎም።  (ንሳቶም ድማ እወ ቢሎም መለሱ።)

"ከምኡ ውን ሓንቲ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ከም እትመውት ገይራ ስለ ዝሕሰበት፣ ንህይወታ ስለታ መዓለቲ እቲአ ዘወፈየት ብጽኑዕ ሓሚማ ዝነበረት ጓል 19 ዓመት እውን ትዝ ትብለኒ። ንሳ ግን ገና ብህይወት ነይራ ። ንሳ’ኸ ብሕይወት አላ ዶ? ክብሉ ሓተትዎም ። (እወ ኢዩ ዝነበረ እቲ መልሲ ።)

ከምኡ ውን ደቂ ሓደ ወለንተኛ አብ አገልግሎት ቅነ መንእሰያት እንከሎ ዝሞተ "ብሓጐስ ብኸመይ ከም ዝመጹን ጸኒሖም ግና ኣዲኦም ውን ብሙማታ ብጓሂ ብኸመይ ከም ዝተመልሱን ውን" ዘከሩ።

ኣብ መደምደምታ ኸኣ "ነቶም ጻዕሮምን ተስፋኦምን ዘወፈዩ ብዙሓት ሰባት ከምኡውን ነቶም ፖርቱጋላዊ ካርዲናል ብፁዕ አቡነ ኣሜሪኮ ኣጒያር ምስጋናኦም ብምግላጽ፣ ነቲ ባዕሎም ዘዳለልውዎ መልእኽቲ ንኸንብብዎ ድሕሪ ምዕዳል፣ ካብ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ አብ ምሕዋይ ይርከቡ ብምህላዎም ባዕሎም ነቲ መልእኽቲ ስለ ዘየንበቡሎም ይቕሬታ ሓተትዎም ።

እተዳለወ ዘረባ

ቅዱስ አቦና ኣብቲ ዘዳለልውዎ መልእኽቲ ነቲ ኣብ ሊዝበን ዝነበረ ናይ ሓጐስ ስምዒት አኽቢሮም ከም ዝዝክርዎ ገሊጾም፣ እዚ ድማ መዓልቲ መንእሰያት 2023 ብዓወት ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ መርትዖ ምዃኑ አመልከቱ ።

ነቲ እቶም ልኡኻት ዝሰርሕዎ ሰፊሕ ተልእኾ ብምጉላሕ ድማ ነቶም ተወከልቲ አባልት አሰናዳኢት ኮሚቴ አብቲ ነቶም ብዙሕ ግዜ ዝተገለሉ ሰባት ናብ ማእከል አብ ብምምጻኦም ከምኡውን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ብምክፋሎምን ብዝበለጸ ድማ ኣብ ተውህቦ ሕድሕዶም ብምትእምማኖምን ነኣድዎም ።

ኣብ መወዳእታ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ብሓባር ሓደ ዕላማ ክሓልሙን ንዅሉ ሰብ ዘሳትፍን ዜኽብርን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ክሰርሑን ኣተባብዖም ።

01 December 2023, 13:04