ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ አብ ዘመነ ምጽኣት ንጐይታ ብምንቅሓት ንጸባበዮ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት አብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር አብ ዝለገስዎ አስተንትኖ ንቑሕ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ አስተምሃሩ፣ እዚ ኸኣ ብፍርሂ ምንባር ማለት ዘይኰነስ ንኢየሱስ ብሃንቀውታ ምጽባይ ማለት ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ቐዳመይቲ ሰንበት ናይ ዘመነ ምጽኣት ኣብ ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ ቀንዲ ኣርእስትና “ንቑሕ ኮይንካ ምጽባይ” ከም ምኹኑ አስተምሃሩ ። ነቲ ጐታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰለስተ ሳዕ 'ንቑሑ' እናበለ ዘቅረቦ ቃለ ማዕዳን፣ እንካብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምጥቃስ ኣስተምሃሩ ።

ቅዱስ አቦና ኣብዚ እዋን እዚ ገና ምሉእ ብምሉእ ስለ ዘይሓወዩ፣ ቅድስነቶም ነዚ ናይ ዕለተ ሰንበት ቅድሚ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝለገስዎ አስተንትና ካብቲ አብ መንበሪ ገዛኦም አብ ናይ ቅድስቲ ማርታ ቤተ አጋሽ ዝርከብ ቤት ጸሎት ኢዮም አመሓላሊፎሞ። ነቲ ቅዱስነቶም ዘሰናደውዎ አስተንትኖ ድማ እቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣባይቲ ጽሕፈታት አመሓዳሪ ዝኾኑ ነኔታ አባ ፓውሎ ብራይዳ አንበብዎ።

ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ አስተንትኖ ቃል አምላኽ ነቕርበልኩ፦

ፍቑራት ኣሕዋትን ኣሓትን ከመይ ሓዲርኩም!

ሎሚ ቀዳመይ ሰንበት ናይ ዘመነ ምጽአት ኢዩ፣ አብቲ አብ ቅዳሴ ዘንበብናዮ ቅዱስ ወንጌል ተገሊጹ ከም ዘሎ (cf.ማር 13፡33-37) ኢየሱስ ሰለስተ ሳዕ "ተጠንቀቑ " (vv. 33, 35, 37) ብምባል ሓደ ተራን ቀጥታን ዝኾነ ማዕዳ የቅርበልና ።

            ስለዚ ቁምነ ነገር ናይዚ መልእኽቲ “ንቑሕ ምዃን” ኢዩ፣ ነዚ ግን ብኸመይ ኢና ኽንርድኦ ዘሎና? ሓድሓደ ግዜ ነዚ ውርዝና እዚ ከም ሓደ አብ ልዕሌና ክወድቕ አንጠልጢሉ ዘሎ ኰዀብ ከም ዘፈራርሃና ዘሎ ገይርና ኢና እንርእዮ፣ አብ ግዚኡ እንተ ደአ ዘይተዳለናሉ ከጥፍአና ተዳልዩ ከም ዘሎ ጌርና ኢና እንርድኦ ። ይኹን እምበር ከምዚ ዝበለ ጥንቃቐ አይኮነን እቲ  ሓደ ክርስቲያን ዝሕተቶ ዘሎ ንቕሓት።

            ጐይታትናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ነዚ ብዛዕባ እቲ ካብ ርሑቕ መገሻኡ ዝምለስ ጐይታ እሞ እቶም አገልገልቱ ብንቅሓት ዝጽበይዎ ብምዝንታው ብምሳልያዊ ዛንታ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ (cf. ቍ. 34) ። ከምቲ ኣብ ቅዱስ ውንጌል ተጠቒሱ ዘሎ እዚ ኣገልጋሊ እዚ በቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብናይ ምትሕብባርን ፍቕርን ዝምድና ዘለዎ ጐይታ "እሙን ሰብ" ተባሂሉ ዝልለ ኢዩ። ንኣብነት ሙሴ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ተባሂሉ ከም እተገልጸ እሞ ንሕሰብ  (ዘኁ 12፡ 7) ። ማርያም እውን እንተ ዀነት ብዛዕባ ገዛእ ርእሳ "እኔኺ አነ ባርያ እግዚአብሔር ኢየ" በለት (ሉቃ 1: 38)። ስለዚ ናይዞም ገላዉ ንቅሓት ካብቲ ንዝመጽእ ጐይታኦም ንምርኻብ ዘለዎም ትጽቡት ደአ እምበር ብፍርሂ ወይ ብራዕዲ ኣይኰኑን ዝመላለሱ። ጐትኦም ምስ ተመልሰ ባህ ዜብልን ስርዓት ዘለዎን ቤት ምእንቲ ክረክብ ዝገብርዎን፣  ብዛዕባኡ ስለ ዝሓስቡን ስለ ዝግደሱን ክምለስ እንከሎ ብዝግባእ ድሉዋት ኮይኖም ንኽጸንሕንዎን ፣ ክርእይዎ ናፍቖት ስለዘዎም ምምጽኡ ድማ ንብምሉኦም ኣባላት እታ ስድራ ቤት ዓቢይ ጽምብል ክንዲ ዝኾነ ብሓንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ።

            በዚ ብፍቕሪ ዝመልአ ትጽቢት እዚ ኢና እምበአር ንሕና ውን ንየሱስ ንኽንቅበሎ ገዛእ ርእስና ከነሰናዱ ዘሎና ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ድሕሪ ገለ ሒደት ሰሙናት ከነብዕሎ ኢና ፣ ኣብ መወዳእታ ከኣ ብኽብሪ እንክምለሰና ፣ ብዝበለጸ ድማ ዕለት ዕለት ብቅዱስ ቍርባንን ኣብ ቃሉን ኣብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍላይ ከኣ ኣብቶም ዝያዳ ሓገዝና ዜድልዮም ሰባት ኪራኸበና ይመጽእ ክንዲ ዝኾነ ኢዩ።

            ስለዚ ኣብዘን ሰሙናት እዚኣተን ነቲ ማሕደሩ ዝኾነ ልብና ሥሩዕን ምቹእን ምእንቲ ኪኸውን ብጥንቃቐ ነዳልዎ ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ነቒሕካ ምጽባይ ኪበሃል ከሎ ንልብኻ ድሉው ምግባር ማለት እዩ ። ኣቅዋምና እምበር ከምቲ አብ ለይቲ ብድኻም ዘይፍተን፣ ትኽስ ውን ዘይብል ግን ከኣ ነቲ ዝመጽእ ብርሃን ብንቕሓት ዝጸባበ ሓላዊ ክኸውን አለዎ ። ጐይታ ብርሃንና ኢዩ፣ ንልብና ክፉት ብምግባር  ብጸሎት ክንቅበሎን ብልግሲ ኸነአንግዶን ምስንዳው ድማ ሰናይ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ልብና ንኣኡ ከም ዝምችእ ዝገብሮ ኽልተ ዓይነታት ምድላዋት ኢዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቲ ብበዓል ቱር ዝኾነ ቅዱስ ማርቲን ናይ ጸሎት ሰብ ዝነበረ ፍርቂ ኽዳኑ ንሓደ ድኻ ሰብኣይ ድሕሪ ምሃቡ አብ ሕልሙ ንኢየሱስ ነቲ ዘማቐሎ ክዳኑ ተኸዲኑ ከም ዝረአዮ ዚገልጽ ዛንታ ኣሎና። ንዘመነ ምጽአት ዚኸውን ጽቡቕ መደብ እንሆ እምበር - ምስ ኢየሱስ አብቶም ሓገዝና ዘድልዮም ሓውን ሓብትን ክንራኸብ፣ ብእተኻእለና መጠን ዘለና ዘበለ ከነካፍሎምን፣ ማለት ጽን ኢልና ኽንሰምዖም ግዜ ክንህቦም ከምኡውን ሓደ ጭቡጥ ዝኾነ ሓገዝ ክንገብረሎም ኣሎና።

            ፍቑራት ኣዕሩኽተይ፣ ሎሚ ንጐይታ እንቕበለሉ ምቹእ ልቢ ብኸመይ ከነዳሉ ኸም እንኽእል ንርእስና ኽንሓትት ጽቡቕ እዩ ። ናብ ምሕረቱ ብምቕራብ ናብ ቃሉን፡ መኣዱን ብምቕራብ፣ ንጸሎት ዚኸውን ግዜን ቦታን ብምርካብ፣ ከምኡውን ንእተሸገሩ ብምቕባል ነዚ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና ። ብብዙሕ ትርጕም ኣልቦ ዝኾኑ ነገራት ከይተዘናጋዕና ወትሩ ኸየጕረምረምና የግዳስ ልብና ንቑሕ ንኪኸውን ማለት ንዕኡ ብንቅሓት ንኽረኽቦ ድልዋት ንኹን ።

            እታ ንቕሕቲ ተጸባይት ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ወዳ ንኽንቅበሎ ትሓግዘና። አሜን

04 December 2023, 16:01