ድለ

ር. ሊ. ጳ. መበል 87 ዕለተ ልደቶም ኣኽቢሮም፣ ንምእመናን ከኣ ልደት ኢየሱስ ከኽብሩ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብቲ ዕለተ ልደቶም ዘኽበሩሉ ዕለት ንክርስትያን ምእመናን ልደት ኢየሱስ ኣብ በዓለ ልደት ንምኽባር ልብና ከነሰናዱ ኣተባብዑ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ሰንበት 17 ታሕሳስ መበርል 87 ዓመት ዕለተ ልደቶም አኽቢሮም ።

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምቲ ዓመት መጸ ቅድሚ በዓለ ልደት ዚገብርዎ ምስ ቈልዑን ህጻናትን ስድራ ቤታቶምን ንእተወሰነ ሰዓታት ብሓልዮት ቅድስቲ ማርታ መናበዪ ድኻታት አብ ዝተገብረሎም ጽብል ዕለተ ልደቶም ተሳቲፎም ። አብቲ ዝተገብረ ጽብል ምስ ቆልዑን ሕጻናትን ብምዃን ናይ ልደቶም ምቁር ሕብስቲ ቆሪሶም ምስቶም  'ርሑስ ልደት!' እናበሉ ዝዘመሩሎም ዝነበሩ ሕጻናት ናይ ሓጐስ ግዜ አሕሊፎም።

መናበዪ ድኻታት ቅድስቲ ማርታ ንልዕሊ 90 ዓመት ነቶም እተሸገሩ ቘልዑን ስድራ ቤታትን ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህብን እንክኸውን አብ ጥቃ መንበሪ ገዛ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ዝርከብ ኢዩ። ብ1922 ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተው ሓደ እዩ ከአ ተመስሪቱ ።

ንበዓል ልደት ልብና ምድላው

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አብ መዛዘሚ እቲ መደብ ብሓጸርቲ ቃላት ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ስለቲ ዘወፈዩሎም ሰናይ ምንዮት ዕለተ ልደቶም ኣመስገንዎም።

ክርስትያን ምእመናን ንኢየሱስ ኣብዚ እዋን በዓል ልደት አብ ልብና ክንቅበሎ ገዛእ ርእስና ኽንዳሉ እውን ተማሕጺኖም ።

"ነቲ ኣብ ዚቕጽል ሰሙን ዝኸብር ዓብዪ በዓል ልደት ገዛእ ርእስና ኽንዳሉ ኣሎና" ድሕሪ ቢሎም ። "ኣብቲ በዓል ኢየሱስ ኣብ መንጎና ዝመጸሉ እዋን እንሓስበሉን እንዝክረሉን በዓል እዩ። ንሱ ምሳና ኪኸውን እዩ መጺኡ" ድማ በሉ ።

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን አብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣደራሽ እተረኽቡ ቘልዑን ወለዶምን የዒንቶም ዓሚቶም ነቲ ኢየሱስ ኣብ በዓል ልደት ክህቦም ዝምነይዎ  ነገራት ክሓትዎ እሞ ፍሉይ ጸጋ ክልምኑ ዓደምዎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መደምደታ ቃል ምስጋናኦም ብሩኽ በዓለ ልደት ክኾነሎም ብምምናይ ዛዘሙ ።

"ብሩኽ በዓል ልደት ንዅላትኩም እምነየልኩም" ድማ በልዎም ። "ነዚ ዘርኣኹምኒ ፍሽኽታ ወትሩ ኣብ ገጽኩም ዓቅብዎ፣ ጐይታ ድማ ዝተመነኹሞ ኩሉ ይሃብኩም ። የቐንየለይ ተባረኹ!" ብምባል ተፋነውዎም።

ናይ ልደት ሰላምታ

ርእሰ ብሔር ሃገረ ኢጣልያ ሰርጆ ማታሬላ ንዕለተ ልደት ቅዱስ ኣቦና ምኽንያት ብምግባር ናብ ቅዱስነቶም ናይ ዕንቋዕ ኣብጽሓኩም መልእኽቲ ለአከሎም ።

ንጳጳስ ፍራንቸስኮ ከኣ "ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልባውን ፍቕራውን ትምኒተይ እገልጸልኩም ምሉእ ጥዕናን አሳልጦን እምነየልኩም ብፍላይ ድማ  ነቲ ብዙሕ ትጽዕሩሉ ዝለኦኹም ሓዋርያዊ አገልግሎትኩም ዓወት እምነየልኩም” በሎም።

ናይ ሃገረ ኢጣልያ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳስት ውን ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ምእንቲ እቲ አብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ውግኣት ምእንቲ ሰላም ጸልዮም።  

ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ አብ መልእኽቶም ከምዚ በሉ - "እዚ  ዕለተ ልደትኩም ንቤተ-ክርስትያንና ዝበለጸ ህያብ ከም ዝኾነ ንኣምን ኢና። ንሕና ውን ምሳኻትኩም ኴንና ነቲ ውግእን ጽልእን ድንቍርናን ከምኡውን ቅድመ ኩነተአዊ ፍርዲ ናይ ምሃብ ባህርን ንምስናፍ ቀለስቲ ኣካላት ክንከውን ንደሊ ኢና።" እንክብሉ መልእኽቶም አመሓላለፉሎም።

18 December 2023, 22:38